ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ

ዓመት ወጸ ዓመት መጸ መራሕ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሽግራቱ ብግቡእ ብምልላይ ግቡእ ፍታሕ ንኸየምጽእ ብሽሓጥን ኣደናገርትን ቃላት ኣድህቦ ህዝቢ ንምኽሳብን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ነዊሕ ምድላዋት ብዝተገብረሉን ኣቐዲሙ ብነጋሪት ዝተነግረሉን ቃለ-መሕትት (interview) ከምዝገብር ክዝረበሉን ክንገረሉን ቀነየ።

ከምቲ ልሙድ ድማ ኣብ ክንዲ ንኤርትራን ኤርትራውያን ዝምልከቱ እዋናውያን ሕቶታት ምድሃብ፡ ንኣብነት ናይ ንእስነት መቓልስትኻ ኣብ ኮንተይነራት ተኣሲሮም ብዘስካሕክሕ ኩነታት ክትሓዙ ጉቡእ ዶ ይመስለካ፧ ካብቶም ንእስነቶም ኣብ ሜዳ ንስለ ህዝቢ ኤርትራ ዘብለዩ ብጾትካኸ ክንደይ ብሂወት ኣለዉ፧ ኩነታት ደቂ እዞም ገዳይም ተጋደልቲኸ ትሓትት ዶ፧ ከም ፓይለት ደጀን ዝኣመሰሉ ደቂ ስውኣትን ገዳይም ተጋደልትን ኣብ ክንዲ ከም ተካእቲ ወለዶ ዝሕብሐቡ ንምንታይ ንሕልፈት ክፍረዱን ካብ ዘፍቅርዋ ሃገሮም ራሕሪሖም ንክባረሩን ተደልየ፧ እቶም ግሉጽነትን ስነ ጽሑፍን ኣብ ሃገርና ንኽዕምብብ እጅግኦም ሰብሲቦም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ብሉጻት ጋዜጠኛታት ብጃምላ ምእሳርከ እቲ ናቶም ዕዙዝ ተራ ድዩ ገበን ወይ ድማ ተግባር እቶም ኣሰርቲ፧ እዚ ኩሉ ውሒዱ ሎሚ መሬት ደቀባት ንሰብ ዶላር ምሻጥን ዝርካቡ ዕቑር ማዕድናት ሃገርና ብሕቡእ እናተሸጠ ዶላራት ናብ ካልኦት ሃገራት ይግዕዝ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ካልእ ተሪፉ ዕሸላት ዜጋታትና ከም ጠለበጊዕ ተሓሪዶም ናውቲ ኣካላቶም ሂወት ካልኦት ንኸንውሑ ሂወቶም ዝስእኑ ዘለዉ ደቅና ኣብ ዝግበር ዘሎ ዕዳጋ ብርክት ዝበሉ ሰበስልጣን እዚ ስርዓት ተሓተቲ ምዃኖም ብንመሰል ደቂ ሰባት ዝዋስኣ ትካላትን ብቐንዱ ድማ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝገበሮ ጸብጻብ ተሓተቲ ምዃንኩም ብዝህብዎ ዘለዉ ጸብጻባት እንታይ መልሲ ትህብ፧ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ገማግም ደሴት ላምፔዱሳ ዝሃለቑ ደቅና ብዝምልከት ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ኢልካ መግለጺ ምሃብካ ቅኑዕ ኔሩ ዶ ትብል፧ ካልእ ይትረፍ እታ ዝዓርፉላ መካነ መቓብር እኳ ከተፍቅደሎም ዘይፈቐድካ ንምንታይ፧ ወዘተ ወዘተ ኣየወ ኣሰካፊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ግምት ምስዝኣቱ ኣሽሓት ሕቶታት እወ ክቐርቡ ይኽእሉ እንተኾነ ከምቲ ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል ዝብሃል እዞም ሕቶታት ካብዘይቀርቡ፡ ሕቶታት ባዕልና ሓቲትና ባዕልና መልስን መፍትሕን ክንረኽበሉ ድኣ ይግባእ እምበር፡ ካብቲ ጠንቂ ሽግር ዝኾነ መራሕ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ውልቀሰብ ብኸመይ መለክዒ ኢና ፍታሕ ከነናዲ፧ ስለዚ እዩ እምብኣር ብጉዳይ ጥዕና ክዝረብ ዝክኣል ወዲ ሰብ ብሂወት እንከሎ ድኣምበር ምስ ሞተ ኣይኮነን፡ ስለዚ ድማ እዩ ንጠንቂ ሽግራትና መልስን ፍታሐን ካብቲ ጠንቂ ሽግርና ዝኾነ ውልመላኺ ከነናዲ ምስ እንፍትን ግን መልሱ ልክዕ ከምቲ ምስላ ኣቦታትና ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ ጥራይ ክብሃል ዝክኣል።

ምልስ ኢልና ነዚ ዝሓለፈ ዓመት ምስ እነስተብህል ብርክት ዝበሉ ዜጋታት በብዓቕሞም ነቲ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎን ብሓደ ውልቀመላኺ ዝመርሖ ምምሕዳር ብኸመይ መጺኡ ንምብራህ ተመኩሩኦም ብመልክዕ ቃለ-መሕትት ክህብዎ ዝጸንሑን ዘለዉን ምስክራት፡ ህዝቢ ታሪኹ ብግቡእ ብምፍላጥን ጠንቂ ሽግራቱ ብምልላይን ድማ ግቡእ ፍታሕ ንኽገብረሎም ዘበራብር ብምዃኑ እዞም ዜጋታት ሞገስ ይግብኦም። ካብቶም ንጠንቂ ሽግራትና ከብርሁ እጃሞም ከበርክቱ ዝጸንሑ ዜጋታት ንምጥቃስ ፓይለት ደጀን ዓንዲሕሸል ዝሃቦ ምስክርነት ህያው ኣብነት እዩ። ኤርትራ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ካብ ከርሲ ኤርትራ ዝፈረዩ ተካእቲ ወለዶታት እንተዘይኮይና ንብዓልመን ክትከውን ድኣ’ዩ ተደልዩ፧ እዚ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ኣብ ሜዳ ዓብዩ ክሳብ ፓይለት ብምዃኑ ብብቕዓት ንሃገሩ ዘገልገለ ዜጋ ኣብ ክንዲ ምሕብሓብን ምትብባዕን ንዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ቤት ክዳጎን ካብ ተፈርደ እቶም ካልኦት ጌና ምስዚ ስርዓት ሕግብግብ ዝብሉ ዜጋታት ድኣኸ እንታይ ውሕሰነት ስለዘለዎም ይኸውን፧ ገበን ክፍጸም እንከሎ ዓገብ ምባልእኮ ንስለ እቲ ዝብደል ዘሎ ዜጋ ጥራይ ዘይኮነ ብዓቢኡ እዚ ኣብ ሓደ ኤርትራዊ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ጽባሕ እውን ኣብቲ ዓገብ ዝብል ዘሎ ዜጋ ንኸይወርድ እዩ። እንተ ምስቃጥ ግን መልሲ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ብርክት ዝበሉ ዜጋታትና ትማሊ ነዚ ስርዓት ይድግፍዎ ኔሮም ብዘተፈላለየ ኣገባብ ግዳይ ናይዚ ስርዓት መምስኮኑ ግን ክቃወሙ ይጅምሩ ኣለዉ፡ እቲ ምንታይ ኣብ ካልኦት ዝወርድ ዝነበረ ግፍዒ ናብ ኩሉ ከምዝበጽሕ እቲ ጉዳይ ተር ከም ዓተር ርእሲ ብጻይካ ክትፈግእ ዝጸንሐት ሞደሻ ግዜኣ ሓልያ ርእስኻ ከምትፈግኣካ ርድኡ ምዃኑ ከየስተብሃሉ ብምጽንሖም እዩ። እቲ ናይ ስን ኣእምሮ ተመራማሪ ኣብርሃም ማስለው ”If you only have a hammer, you tend to see every problem as a nail” ማለት ዘሎካ መሳርሒ ሞደሻ ጥራይ እንተኾይኑ ንኹሉ ጸገማት ከም መስማር ትርእዮ ክብል እንከሎ፡ ንኣብነት ሓደ ውልቀመላኺ ንስልጣን ብኣፍ ጠበንጃ ስለዝጭብጥ ንኹሉ ጸገማት በታ እንኮ መሳርሒቱ ማለት ብረት ብምጥቃም ንዝኾነ ጸገማት ክፈትሕ ከምዝፍትን እዩ ዘብርሃልና። ኣብተን ብቕዋምን ግዝኣተ ሕግን ዝምሕደራ ሃገራት ግን ሽግራት ብኣፍ ጠበንጃ ዘይኮነ ብሕጊ እዩ ዝፍታሕ። ንምዃኑ ሕጂ’ውን ኣብቲ ለባም ዝኾነ ምስላታት ኣበዉ ተመሊስና ሃሰው እንተ ኢልና ”ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ ጭሕምኻ ማይ ልኸ” ይብሉ።ብርክት ዝበልና ኤርትራውያን ነዛ ምስላ እንተንዝክር ንስለ እቶም ኣብ ማሕዩር ዝሳቐዩ ዘለዉ፣ ሂወት ካልኦት ንምንዋሕ ሂወቶም ስኢኖም ናውቲ ኣካላቶም ኣብ ዕዳጋ ዝውዕል ዘሎ ዜጋታት፣ እቶም ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም ካብ ሃገር ኣብ ዘምልጥሉ ዘለዉ እዋን ገሊኦም ኣደዳ ጥይት ስርዓት ህግደፍ፣ ገሊኦም ኣደዳ ኣጻምእ ሰሃራ ገሊኦም ድማ ኣደዳ ቀላያት ሜዲተራንያን ዝኾኑ ዘለዉ ዘኪርና ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዓገብ ክንብል ይግባእ ኔሩ፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ ብሓባር ኮይና ሓባራዊ ፍታሕ ንምርካብን ብቅዋምን ግዝኣተ ሕግን እትምሓደር ሃገር ክንውንን ብሓባር ዓገብ ንበል። ከምቲ ፓይለት ደጀን ናይ ሜዳ ይኹን ድሕሪ ናጽነት ምእንቲ ሃገሩ ዝኸፈሎ ግደ ብሓደ ሸነኽ ብስርዓት ህግደፍ ኣብልዕሊኡን ካልኦት ብጾቱን ዝወረደ ኣደራዕ ድማ በቲ ሓደ ሸነኽ ብንጹር ብምቕራብ ልዕሊ ዕድሚኡ ዝኾነ ትንተናታት ብቐሊል ኣገባባት ብምቕራብ መሃሪ ተራ ከምዝተጻወተ፡ ተጋዳላይ የማነ ተኽለገርግሽ ድማ እቲ ኣብ ሜዳ ተሰሪሑ ንሓደ ውልቂ ሰብ ዘገልግል ትካላት ተመስሪቱ ምምጽኡን ኩሉ ዝውሰድ ዝነበረ ውሳነታት ድማ ብዘይ ፍቓድ እዚ ውልቀመላኺ ከምዘይፍጸም ብምብራህ፡ ንዕላማን ኣገባብ ኣሰራርሓ እታ ምስጢራዊት ሰልፍን ገለ ኣባላታ ነበር ከይተረፈ ብዘይ ተጉላባነት ብምትንታን ንብዙሓት ኤርትራውያን ናይዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ምልክነት ከም ቡቕሊ ኣበይ ቦቒሉን ብኸመይ ዓብዩን ከብርህን ክምህርን በቒዑ እዩ። ተጋዳላይ የማነ ብጀካ ምብዳህ ንስርዓት ህግደፍ ነቶም ኣብ ሜዳ ዘይነበረ ታሪኽ ብምቕራብ ጉድ እዚ ውልቀመላኺ ክከላኸሉ ንዝፍትኑ ውልቀሰባት ከይተረፈ በዲሁ እዩ። ምስዚ ስርዓት ተራ ዝነበሮም ሰብ መዚ፡ ዝነበሮም ተራ ብግቡእ ከይሓበሩን ዝፈልጥዎ ምስክርነትን ከይሃቡ፡ ንኹሉ ብድብድቡ ኣንጻር እዚ ሰርዓት ንቃለስ ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን፡ እቲ ንሶም ክብሉና ዝፍትኑ ዘለዉ ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ ዝብል ምሳለ ብምውካስ ይመሰል እቲ ምንታይ ሳግላ ከምዘለዎ ክትበልዖ ምቁር ፍረ ክኸውን እንከሎ ምስትቐልዖ ግን ዘይትጽበዮ ነገር ስለዘጓንፈካ ምዃኑ ዝስሕቶ ሰብ ኣይህሉን፡ እንተኾነ ክውሃቦም ዘለዎ መልሲ (ንሕና እውን ብምስላ ኣቦታትና ክንምልሰሎም) ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ እዩ እሞ ነዚ ሰርዓት ብግቡእ ኣለሊና ንስለ ክንብድሆ ጠንቂ ካብ ሱር መሰረቱ ብግቡእ ክንፈልጥ ይግብኣና፡ እቲ ምንታይ እቲ ሽግራት ከይፈለጥና ብኸመይ ኢና ኣንጻር እቲ ሽግር ክንቃለስ፡ ተቓለሱ እንተ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ጉድ ግን ኣይተቃልዑ ግን እዛ ብርኩታ እምኒ’ላታ ምዃኑ ሕጂ’ውን ኣይክንስሕቶን ኢና። ከምቲ ሓኪም ንሕማም ቅድሚ ምፍዋሱ ምንጪ ሕማም እንታይ ኔሩ ዝምርምር ንሕና ድማ ውልቀምልክነት ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ገጽ ሃገርና ንኽእለ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ውልቀ መላኺ ምቅላስ ጥራይ ዘይኮነ ጠንቅታት ንውልቀምልክነት ብምልላይ ድሕሪ ሕጂ ክመጹ ካብ ዝኽእሉ ውልቀመለኽቲ እንተኾነ’ውን ኣፍልጦን ዓቕምን ብምውህላል ንኽንብድሆም ታሪኽና ድኣ ብግቡእ ንፍለጥ። ካብዚ ቀጺልና ኣብቲ መራሕ ስርዓት ህግደፍ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት ብምስጋር ንዝገበሮ ቃለ-መሕትት ክንድህስስ

ኣብ ማእከላይ ምስራቕን ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቓ ዝተራእየ ህዝባዊ ናዕቢ ኣንጻር ምልኪ ብዝምልከት ዝሃቦ መብርሂ

መግለጺ መራሕ ስርዓት ህግደፍ ፦ ኣብ ማእከላይ ምስራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝተራእየ ናዕቢ ብዕልቕልቕን ሕንፍሽፍን ድሕሪ ምግላጹ ጠንቂ ናይዚ ዕልቕልቕ ኣብ መንጎ ዘለዎምን ዘይብሎምን ኣብ መንጎ ስኡናትን ርኹባትን ዘሎ ጋግ እናረሓበ ምስዝኸይድ ኣብ ረጽሚ የስዕብ እዩ እንተኾነ እዚ ዘሎናዮ መበል 21 ክፍለዘመን ክልተ ረቛሒታት ማለት ውሽጣዊ ረቛሒታትን ካብ ደገ ዝመጹ ዓበይቲ ኮርፐረሽናት ዘርእይዎ ቁጠባዊ ዕብለላ እዩ። ከምዚኦም ዓይነት ዕልቕልቓት እዋኖም ሓልዮም ዝውድኡ እዮም፡ ብወገና ኣብ ሓደ ብርቱዕ ህቦብላ ዘለዎ ከባቢ ክትነብር እንተኾንካ ንዕኡ ብምንባብ ኣድላዪ ምድላዋት ብምግባር እዩ። ብቐንዱ እዚ ኩሉ ዕልቕልቕ ብዓለምለኻውያን ኮርፐረሽን ንዓለም ክዕብልላ ዝደልያ ዝነቀል ምዃኑ ድማ የብርህ።

እቲ ሓቂ – ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተገብረ ቃለ-መሕትት ዝተቐየረ እንተሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ንናይ ካልኦት ሃገራት ስለያዊ መርበባትን ኣህጉራዊ ሓይልታትን ምኽሳስን ምጥቃንን ዝድሃበ ዝነበረ ክኸውን እንከሎ ሎሚ ግን ጠንቂ ሽግራት ብሰንኪ ዕብለላ ዓለምለኻውያን ኮርፐረሽን ምዃኑ ከረድእ ምፍታኑ ዋላ ክሲ ከም ክሲ እንተዘይተረፈ ኣብ ቦታ ተኸሰስቲ ብዓበይቲ ኮርፐረሽናት ምትክኡ ሓደ ዝተለወጠ ነገር ከምዘሎ የድህበልካ። ኣህዛብ ሃገራት የዕራብን ሰሜን ኣፍሪቃን ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ መለኽቲ ስርዓታት ክሳቐዩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ቱኒዝያ መሓመድ ቦኣዚዝ ዝተባህለ መንእሰይ ትምህርቲ ወዲኡ ስራሕ ብዘይምርካቡ፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ብምሻጥ ንነብሱን ስድርኡን ኣብ ምርዳእ ዝነበረሉ እዋን፡ ፖሊስ ናይታ ሃገር እዚ መንእሰይ ነብሱን ስድርኡን ንምእላይ ዝነበረቶ ሓንቲ ዕድል ማለት ፍረታትን ኣሕምልትን ብምሻጥ መነባብርኡ ከይመርሕ ካብቲ ዝሸጠሉ ዝነበረ ቦታ ከባርርዎ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን እታ መነባብርኡ ንኽመርሕ ዝነበረቶ ዕድል ከረድእ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ንኸይሸይጥ ምኽልካሎም ከይኣክል ንዝነበሮ ንብረት ብምብልሻው ካብቲ ቦታ የባርርዎ። እዚ መዓልቲ ብቐትሩ ዝጸልመቶ መንእሰይ ፍታሕ ብምስኣኑ ድማ ብቐጥታ ነዳዲ ኣብ ዝሽየጠሉ ቦታ ከይዱ ነዳዲ ድሕሪ ምግዝኡ ኣብ ቅድሚ ጽሕፈት ቤት ኣመሓዳሪ እታ ዝነብረላ ዝነበረ ከተማ ብምኻድ ላምባ ኣብ ነብሱ ከስኪሱ ክርቢት ብምውላዕ ንዝነበሮ ተቓውሞ በዚ ዘስካሕክሕ ኣገባብ ብምግላጽ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየ። እቲ ፈኸም ዝብል ዝነበረ ተቓውሞ ህዝቢ ቱኒዝያ ድማ ኣብ መወዳእትኡ ተተኲሱ እቲ ፍጹም ውልቀመላኺ ዝነበረ መራሒ እታ ሃገር፡ ሃገር ራሕሪሑ ከምዝባረር ገበሮ። እዚ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ቱኒዝያ ከይተሓጽረ ንሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምስራቕን ብምጽላው ድሮ ብርክት ዝበሉ ውልቀመለኽቲ ካብ ስልጣን ከምዝዕለዉ ድማ ገበረ። ሓደ ካብዞም ውልቀመለኽቲ ምስ መራሕ ስርዓት ህግደፍ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮ ውልቀመላኺ ሙዓማር ቓዛፊ እዩ ዝነበረ። ቓዛፊ ህዝቢ ሊብያ ሓደ መዓልቲ ተንሲኡ ካብ ስልጣኑ ከምዝዓልዎ ከቢድ ስግኣት ስለዝነበሮ ድማ ንመህደሚኡ ዝኸውን ብትሕቲ መሬት ዝተሰርሐን ቢልዮናት ዶላራት ዝወድአን ካናለታት እንተኾነ’ውን ከድሕኖ ኣይክኣለን። እቲ ንመላእ ዓለም ካብ ምፍርራህ ዝዓግተኒ የብለይን ዝብል ዝነበረ ቓዛፊ ኣብ መወዳእታኡስ ከም ከልቢ ብህዝቢ ሊብያ ተጨፍጪፉ ቅድሚ ሞቱ ምሕረት ክሓትት እያ ዓለም ብዓለማ ዝመስከረት ኣብ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ህዝቢ ንኸይርዮ ተኸልከለ። እቲ ምንታይ ህዝቢ ቱኒዝያ ለውጢ ከምጽእ እንተኽኢሉ፤ ከምኡ ድማ ካልኦት ኣህዛባት ለውጢ ከምጽኡ እንተኽኢሎም ንሕና ኤርትራውያን ለውጢ ንኸነምጽእ እንታይ ይጽግመና ኢሉ ህዝቢ ንኸይለዓዓል ካብ ዝነበረ ስግኣት ምዃኑ’ኸ ዝስሕቶ ህዝቢ ይህሉዶኾን፧ መራሕ ስርዓት ህግደፍ ጠፊእዎ ዘይኮነ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ንምድንጋር ኢሉ ዝምሃዞ ድኣም’በር ናዕቢ ህዝቢ ምስ ዓበይቲ ትካላት (ኮርፐረሽን) እንታይ ዘተሓሕዝ ኣለዎ። ዓበይቲ ትካላት መኽሰበን ንኸዕብያን ዕዳጋ ዓለም ንኽግብታን ኣይጽዕራን ማለት ኣይኮነን እንታይ ድኣ እቲ ንሰን ንዕዳጋ ዓለም ክዕብልላ ዘካይድኦ ጻዕሪ ሓደ ነብሱ ዝኽኣለ ኣርእስትን ተርእዮን ክኸውን እንከሎ እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣንጻር ከም እኒ ቓዛፊ ድማ ነብሱ ዝኽኣለ ኣርእስቲ፣ ታሪኻዊ መበገስን ምንጭን ከምኡ ድማ ፍሉይ ትርእዮን ከም ምዃኑ መጠን ከልተ ዝተፈላለዩ ኣርእስትታት ሓዋዊስካ ምቕራብ ብቐንዱ ካብቲ ክመጸካ ዝኽእል ሕቶታት ንምህዳም ዝተማህዘ ስልቲ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ንምዃኑ ነዚ ህዝባዊ ናዕቢ ዕልቕልቕን ናዕብን ኢሉ ድሕሪ ምጥማቕ ጠንቂ ናይዚ ህዝባዊ ናዕቢ እዞም ኮርፐረሽን ብዝገብርዎ ዝጸንሑ ምትእትታው ወይ ድማ ሓያላት ኢና ዝብሉ ኣካላት ብዝገብርዎ ምትእትታው ድኣም’በር ብፍጹም ህዝባዊ ተራን ተሪር ተቓውሞን ኣይኮነን ካብ በለ፡ እቲ ብስም ባሕቲ መስከረም ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ኣብ ጎደናታት ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ሃገርና ብህዝቢ ዘይኮነ በዞም ኮርፐረሽን እዩ ድዩ ክብል፧ ሓደ ካብቲ ህዝባዊ ናዕቢ ተቓውሞ ሀዝቢ ጅግና ወዲ ዓሊ ዝመርሖ ተቓውሞ ኸ በዘን ኮርፐረሽናት ዝተመወለን ዝተመርሐን እዩ ዶ ኣየስምዕን እቲ መልሱ፧ እዚ ካብ ኮነ ኸ እቶም ብምስምስ ምቅዋም መንግስቲ ኢትዮጰያ ኣብ ኤርትራ ተጠርኒፎም ክሳብ አብ ምግፋፍ መንእሰያት ተራ ዝጸንሖምን ስልጣን እዚ ውልቀ መላኺ ኣብ ምሕላው ንጡፍ ተራ ክጻወቱ ዝጸንሑን ዘለዉን ብደምሂት ዝፍለጡ ዕስራሽሕ ዕጡቓት ኢትዮጵያውያን ከ እንታይ ንበሎም፧ ካብቲ ብዙሕ ቃላቱ ምናልባት ኮርፐረሽን ናይ ፍሉይ ጉጅለ ወይ ውልቀሰብ ረብሓታት ዝሕልዉ ሓይልታት ማለቱ እንተኾይኑ ግን እወ ደምሂት ንውልቀምልክነት መራሕ ስርዓት ህግደፍ ክሕልዉ ዝተጠርነፉ ሓይሊ ብምዃን ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክመጽእ ዝኽእል ናዕቢ ንምፍሻል ዝሰርሑ ሰብ ብረት ብምዃኖም እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊት ኤርትራን ፍጹም እምነት ዘይብሉ ውልቀ መላኺ ንሰራዊት ደምሂት ዝደለየ ስም ከጠምቖ ይኽእል እዩ፡ እንተ ሓያል ምልኪ ሓያል ብድሆ ብምፍጣር ንውልቀመለኽቲ ካብ ስልጣኖም ዝጸራርግ ሓይሊ ሕጂ’ውን እንተኾነ ሓይሊ ህዝቢ እዩ’ሞ፡ ህዝቢ ኤርትራ እውን ነዚ ለውጢ ከምጽእ ምሉእ ሓይልን ኣፍልጦን ከምዘለዎ ብምእማን ቃልሲ ኣንጻር እቶም ኣብ መንጎ ህዝቢ ከም ኣሜባ ጸፍዮም ተጠርኒፉ ለውጢ ንኸየምጽእ ሕንፍሽፍሽ ዝፈጥሩ ልኡኻት ብምልላይ ምሒኻ ምውጻእ ነቲ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ዘቃላጥፍ ብምዃኑ ኣብዚ ቃልሲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ እጃሙ ከበርክት ይግባእ።

መግለጺ መራሕ ስርዓት ህግደፍ ፦ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ብምምላስ ዝቐረበ ሕቶ ድማ ንኤርትራ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ምንታይ ትርእያ ዝብል ኮይኑ ዝተዋህበ መልሲ ድማ ”ምዕባለ ከተውሕስ እንተኾንካ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቀጸላታት ሕብረተሰብ ወይ ዞባታት ዘሎ ጋገ ክጸብብ ኣለዎ። ብጉዳይ ውሕስነት ምዕባለ ክትዛረብ እንተዀንካ ድማ ብቐንዱ ማይ ክትሕዝ ኣሎካ፡ ማይ ከይሓዝካ ዋላ ጽርግያ እንተሰራሕካ ምዕባለ ከተውሕስ ኣይትኽእልን።” ብዛዕባ ውሕስነት ምዕባለ ክትዛረብ እንተኾነካ ጽላት ብጽላት ክትዛርብ ትኽእል” ድሕሪ ምባሉ ጸኒሑ ነቲ ዝበሎ ብምፍራስ ”ንጉዳይ ውሕስነት ምዕባለ ክትዛረብ እንተዀንካ ጽላት ብጽላት ዘይኮነስ ኣርእስቲ ብኣርእስቲ ክትዛረበሎም ክትክእል ኣሎካ” ብማለት ተዋቓዒ መልሲ ድሕሪ ምሃብ፡ ውሕስነት ምዕባለ ማይ እዩ ይብል። አስዒቡ ንዘሎ ሃብቲ ማይ ኣብ ምዕባለ ንምውዓል ጽዓት የድልየካ እንተኾነ ኣብዚ ሃገር ጽዓት ዝብሃል የለን ብማለት ድማ ከም እንደገና ነቲ ምንዕባለ ዘውሕሰና መደባት ዝበሎ ፍሩስ ምዃኑ ብቓሉ ገለጾ።

እቲ ሓቂ ፡ መራሕ ስርዓት ህግደፍ ካብቲ ህዝቢ ኤርትራ ሃንቀው ዝብሎ ሓደ ለውጢ ቁጠባዊ ለውጢ ከምምዃኑ መጠን ነዚ ብዝምልከት ዝሃበና መልሲ ምዕባለ ከተውሕስ መደባት ክህለወካ ኣለዎ፤ መደባትካ ከተዕውት ድማ ማይ ክህልወካ ኣለዎ፤ ንማይ ክትጥቀመሉ ድማ ነቲ ማይ ብግቡእ ኣብቲ ዘድልየሉ ቦታ ከምዝበጽሕ ክትገብረ ኣለካ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ማይ ኣብ መዓላ ንኸተውዕሎ ጽዓት (ሓይሊ ኤሌትሪክ) የድልየካ ኢሉ ነዊሕ ምስተጓዕዝ እንተኾነ ኣብዚ ሃገር ጽዓት ዝብሃል የለን ድማ በለ። እሞ ጽዓት ዝለዘየለ ዋላ እቲ ካብ ምንጭታት ከምኡ ድማ ካብ ዝናብ ዝኣክል ማይ ዋላ እንተተረኽበ ጽዓት ስለዘየሎ ምዕባለ የሎን ማለት ዶ ኣይኮነን፧ ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ዝበሎም ማይ ክህሉ ኣለዎ፤ ጽዓት ክህሉ ኣለዎ፤ ጽርግያታት ክህሉ ኣለዎ፤ ናይ ደገ ኣውፈርቲ ክህልዉ ኣለዎም፤ ዝናብ ክዘንብ ኣለዎ፤ ርግኣት ክህሉ ኣለዎ እንተዘይኮይኑ ውሕስነት ሰላምን ርግኣትን ኣሎ (ኣረጋጊጽና)፤ ንናይ ደገ ወፍሪ ዘውሕስ ሕግታት ኣሎ (ቅዋም ተተግቢሩ ሃገር ብሕግን ቅዋምን ትካየድ ኣላ)፤ ስሉጥ ትሕተ ቅርጻ ማለት ጽርግያታትን ናይ ባቡር ሓዲድን ኣሎ (ካብ ወርቅን ካልኦት ጸጋታትን ምብሻጥ ብዝተረኽበ እትዋት) ኢሉ ኣይፈልጥን። ነስተውዕል ክህሉ ኣለዎ እዩ ዝበለ! ልቢ እንተልዩና ዕቑር ሃብቲ ሃገርና ተሸይጡ ዶላራት ኣብ ሕቡእ ናይ ባንክ ሕሳባት ብምስጢር እንተተሰጋጊሩ ትሕተ ቅርጻ ሃገርና ብኸመይ እዩ ክህነጽ፧ ብሕጊ ዝጸደቐ ውሱን ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ምግባር ኤርትራውያን ኣብ ትምህርትን ስራሕን ወፊሮም ናብርኦም ካብ ምምራሕ በዚ ውልቀመላኺ ተኸልኪሎም ኣብ ዘለውሉ እዋን እቶም ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥሩ ዝኽእሉ ሰብ ሃብቲ ኤርትራውያን ከምይ ኢሎም እዮም ክፍጠሩ፧ እቶም ኣካዳምያ ዓቕሞም ኣማዕቢሎም ሃገር ኣብ ምህናጽ እጃም ክህልዎም ዝግባእ መናእሰያትና ኸ ብምስምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ በለዩ ሃገር መዓስ ድኣ እያ ክትህነጽ፧ እቲ ዝገርም ቀዳማይ ክፋል ቃለ-መሕትት ቅድሚ ምዝዛሙ ዝሃቦ ቃል ”ዓመት 2015 ወሳኒት ከምምዃና መጠን መጻኢ መደባትና ብዝምልክት ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ እንተሓቲትካኒ ንጹር መልሲ ክህበካ እየ” በለ። እቲ ዝገርም እዚ ውልቀመላኺ ክሳብ ዝደልዎ ንቑሩብ ኣዋርሕ ዋላ እንተኾነ ዘካይዶ ዘይትግበር መብጽዓ እናሃበ ካብ ሜዳ ካብዝኣቱ ጥራይ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ብግዝያውነትን ብዘይ ቅዋማዊ ምሕደራን ንሃገርና ዊን ከምዝበሎ ክመርሕ ከምዘይጸንሐ፡ ንጹር መልሲ ንኽህብ ፍርቂ ዓመት ተጸበዩኒ ምባሉ አየገርምንዶ፧ ንሕና ከምህዝቢ ክንምልሶ ዘሎና ሕቶ ንምንታይ ሓንሳብ ወይ ድማ ክልተ ግዜ ጥራይ ዘይኮነ ብተደጋጋሚ ንዘይትግበሩ መብጽዓታት ክትግበሩ ክንጽበ መሬት ዝዓርበና፧! ሎሚ ዋላ ሓደ ውልቀሰብ ነዚ ዘይትግበር መብጽዓ ኣሚኑ ለውጢ ዝጽበ እንተልዩ ወዲ ዓሻስ ክልተ ጊዜ ይውቃዕ ድዩ ዝተባህለ፧ ከምዚ ዓይነት ውልቀሰብ እንተልዩ እንታይ ክብሃል ኢክኣል፧

መግለጺ መራሕ ስርዓት ህግደፍ ፦ ኣብ ናይ ናጽነት መደረኻ ቅዋም ምንዳፍ ክጅመር እዩ ኢልካ ኔርካ እዚ ብልክዕ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም እውን ኣብ ግምት የእቲኻ ማለት እዩ፡ ክሳብ ሕጂ እንታይ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣሎ ንዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ ዝሃቦ መልሲ ”እቲ ኣብ 1997 ዝተጻሕፈ ቅዋም ብሰንኪ እቲ ግዳማዊ ዕልቕላቓትን ዕንቅፋታትን ከይትኣወጀ መይቱ እዩ፡ ንሕና ኲኖ ምእዋጅ ቅዋም እንርኢ ከምምዃና መጠን ኣብከምዚ ትርኪ ምርኪ ኣትየ ክምልስ ኣይደልን። ኣብዚ ዝሓለፉ ናይ 15 ዓመታት እዋን ብተመኩሮ ብዙሕ ተማሂርና ኢና። ዝያዳ በሲልና ኢና። ኣብ ኤርትራ ንኹሉ ጋግ ዘጽብብ ጥራይ ዘይኮነ ጋግ ንኸይፍጠር ዘውሕስ ስርዓት መንግስቲ ክፍጠር ኣለዎ። ነዚ ዝቖመ ድማ ሓደ ኣካል ኣሎ እቲ ዋና ነገር እቲ ስራሕ እዩ። ብዛዕባ እዚ ምስተሓበረካ ድማ ኢንተርቪው ከተግብር ትኽእል ኢኻ።” ዝብል መልሲ ድማ ሃበ።

እቲ ሓቂ – ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ዝያዳ ተማሂርና ዝያዳ በሲልና ክብል እንከሎ ነየናይ ጉጅለ፣ ወይ ጋንታ ይዛረብ ከምዘሎ ኣየብርህን፡ እንተኾነ ሃገርና ብዊንታኡ የመሓድራ ብምህላዉስ ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ዝያዳ ተማሂረ ዝያዳ ለቢመ እየ ማለቱ ምዃኑ ዝስሕቶ ሰብ ኣይህሉን። እቲ ዝያዳ ዝተማህሮ ነገር እንተልዩ ግን ዕድመ ስልጣኑ ከመይ ጌሩ የናውሕ እንተዘይኮይኑ ኣብ ቅዋማውን ግዝኣተ-ሕግን ምሕደራ ከተኣታቱ ዝተማህሮ ነገር ከምዘየሎ ብቓሉ እቲ ኣብ 1997 ጸዲቑ ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ቅዋም ትርጉም ከምዘይብሉን ከምዝሞተን ብቓሉ ተኣሚኑ እኮ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከይንርስዕ መግዝእ ጊዜ ዝኸውን ብዛዕባ ምድላው ቅዋም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ክንደይ ዘይተባህለ፡ ንምንታይ ቅዋማዊ ምሕደራ ክህሉ ባህጊ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብምንባሩን ብምህላዉን እዩ። ጸኒሑ መሳለዪ ዝኸውን ሓድሽ ቅዋም ንነድፍ ኣሎና ዘይኮነ ክንነድፍ ኢና ድሕሪ ምባል ሕጂ ድማ ዘሀውኽ የብልናን እዋኑ ምስኣኸለ ኢንተርቪው ክገብር እየ ዝብል ካብ ዝኾነ መራሒ ዘይትጽበዮ ናይ ሕጫጨ መልሲ እዩ ዝሃበ። ሕጂ’ውን ናይ ቀረባ ዝሓለፍ ታሪኸ ከይረሳዕና እዚ ውልቀ መላኺ ኣብ ኣል ጀዚራ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ኣብዚ ሃገር ምርጫ ዝብሃል የለን እንተልዩ ድማ ምናልባት ድሕሪ ሰላሳ ኣርብዓ ዓመታት ይግበር ይኸውን እቶም ምርጫ ከካይዱ ዝደልዩ ዜጋታት ድማ ኣብ ወርሒ ከይዶም ይግበሩ፡ ብዛዕባ ስልጣን እንተኾነ ድማ ንዓይ ኮንትራክት ዝሃበኒ ሰብ የለን ክብል መን ዘይሰምዐ። ሎሚ ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ካብዚ ስርዓት ጌና ተስፋ ኣሎኒ ዝብል እንተልዩ፡ ከምቲ እናሰምዐ ዝደቀሰ ነቕኒቕካዮ ነይተስአ ዝብል ምስላ ብቐትሩ ክድቅስ ዝመረጸ እታ ርእሲ ካልኦት ትፈግእ ዘላ መዶሻ ተርኡ ምስበጽሐ ከተበራብሮ ምዃና ምርዳእ ኣኻሊ እዩ።

መግለጺ መራሕ ስርዓት ህግደፍ ፦ ጉዳይ ፍልሰት መንእሰያት ብዝምልከት ብዙሕ ክዝረብ ጸኒሑ’ኳ እንተኾነ ብርክት ዝብሉ መንእሰያት ብተወፋይነት ኣብ ሃገሮም ከገልግሉ ጸኒሑም እዮም ብዛዕባ እዚኦም ዝተሓሰብ መደብ ኣሎዶ፧ ንዝብል ሕቶ ድማ እቶም ካብ ሃገር ዝስደዱ ዘለዉ ብቐንዱ ዝሓሸ ደሞዝ ወይ እቶት ንክረኽቡ ዝስደዱ ዘለዉ ድኣም’በር ካብ ምሕደርኡ ፍትሒ ስኢኖም ይስደዱ ከምዘለዉ ክእመን ዘይምድላዩ ጥራይ ዘይኮ፡ ዝተሰደ ይሰደድ ኣብ ሃገር ዘሎ መንእሰይ እኹል ምዃኑ እዩ መልሲ ዝሃበ። ቀጺሉ’ውን ” እዚ ኩሉ ዝካየድ ዘሎ ሸርሒ ብኣካልን ኣእምሮን ጅሆ ኣቲና ንኽንነብር ዝካየድ ዘሎ ሸርሒ ኮይኑ ብቐንዱ ዓቕሚ ሰብና ንምዝቋቕ ክካየድ ዝጸንሐ እዩ። ዝብል መልሲ ድማ ሃበ።

እቲ ሓቂ – ኣቱም ህዝቢ እዚ ውልቀ መላኺ ንሃገርና ካብ ዝቆጻጸር ኣትሒዙ ማዕረ እትን ዝዓናዋ ትካላት ብኣማኢት ዝቖጸራ ኣብያተ ማእሰርቲ ብምስራሕ ሃገር ብሃገሩ ንምጽናት መንእሰያት ዝዳጉን ዘሎ ንሱ እንደይኮነን፧ ዋላ ክም ኣመሉ እተን ልዕል ኢሉ ዝጠቐሰን ኮርፐረሽን ክንብል፧! ምሕደርኡ ንኤርትራ ኣብ ርሱን መቑሎ ብምቕያር ኤርትራዊ ዜጋ ስድርኡን መነባብርኡን ራሕሪሑ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትየፐጵያ ልእሊ 70000 ኣብ ሱዳን ልዕሊ 80000 ኮታ ኣብ ኩሉ ዓለም ፋሕ ጭንግራሕ ክብል ዝተገደደ ኤርትራዊ ብምሕደርኡ እንዶይኮነን፧ ዋላስ የእድአወይ ሕጹብ ከም ጵላጦስ እዩ ክብል ደልዩ።

እናፈለጥካ ምድቃስ ይኣክል፣ ተታሊልካ ምንባር ይኣክል፤ ምስዚ ስርዓት ተመሳሲለ ረብሓታተይ ክሕሉ ምባል’ውን ይኣክል!!! ኣይፋለይን ንኽታለል መሪጸ፣ እናሰማዕኩ ክድቅስ መሪጸ፣ ሃገር እናጠፍአት ድማ መራሕ ስርዓት ህግደፍ ሊላየ ኢሉ ናይ ሓሶት ምስክር ክኸውን መሪጸ ዝበሉ እንተልዮም ግን መዶሻ እዚ ውልቀመላኺ ይምሃሮም ጥራይ እዩ ክብሃል ዝክኣል፡ እንተ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተሰብ ሽግርና ሽግር ሃይማኖት፣ ሽግር ብሄር ወይ ኣውራጃ ዘይኮነ ሽግርና ሃገርና ብቕዋምን ግዝኣተሕግን ብዘይምምሕዳራ ናይዚ እንኮን ዋና ምንጪ ሽግርና ድማ ውልቀመላኺ መራሕ ስርዓት ህግደፍን ጉጅልኡን ጥራይ እዮም፡ ስለዝኾነ ነዚ ውልቀመላኽን ጉጅልኡን ብቅዋማውን ግዝኣት ሕግን ካብምትካእ ካልእ ዝሓሸ መፍትሒ የብልናን እሞ ነዚ ዕላማ ክዉን ንምግባር እጃምና ዘይነበርክተሉ ምኽንያት ኣሎናድዩ፧ ኤዲቶርያል ቦርድ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ – ስትራተጂ ዓዲ