ዶክተር ኣልጋነሽ ፍስሃ ብስርሓ ኣፍልጦ ብምርካብ ተሸላሚት ኮይና

ዶክተር ኣልጋነሽ ፍስሃ (ጋንዲ) ኤርትራውያን ይኹኑ ካልኦት ኣፍሪቃውያን ኣብ ምሕጋዝ ካብ ትነጥፍ ዓመታት ዘቑጸረት እኳ እንተኾነት ነዚ ቅዱስ ስራሕ ጌና ብዘይ ምሕላል ትቕጽሎ ኣላ። ካብቲ ርኡይ ዘካየደቶን ተካይዶ ዘላ ስራሕ ከኣ ነቶም ጸግዒ ዝሰኣኑ ዕሸላት ደቅና ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ኣጻምእ ሰሃራ ካብኡ ሓሊፋ እውን ኣብ ትሕቲ ጭውያን ማእሰርትን ዝጸንሑ ዜጋታትና ከተፍትሕ ከምኡ ድማ ዕቑባ ከተሕተት ዕዙዝ ተራ ትጻወት ዘለ ኣብነታዊት ዜጋ እያ። ኣብዚ ብስም ጋንዲ ዝፍለጥ ትካል ግብረ ሰናይ ተካይዶ ዘላ ስራሓት ኣፍልጦ ብምርካብ ድማ ኣብ ከተማ ሮማ ሽልማት ብምርካብ ተዓዋቲት ኮይና ኣላ። እዚ ዶክተር ኣልጋነሽ ዝረኸበቶ ሽልማት ብቐንዱ ነቲ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኩሉ መዳያት ማሕበራዊ ሂወት ዘለዋ ተራ ኣጉሊሑ ዘርኢ ብምዃኑ፡ በዚ ዶክተር ኣልጋነሽ ዝረኸበቶ ሽልማት ንሳ ጥራይ ዘይኮነት ኩለን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝትዓወታ ምቑጻር ዘኽእል ኮይኑ ሕጂ እውን ህዝብና ካብዚ ዘለዎ ስቓይ ተላቒቑ ብልዕልና ሕግን ቅዋምን እትምሓደር ሃገር ንምውናን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ነዚ ናይ ዶክተር ኣልጋነሽ ቅዱስ ስራሕ ብምኽታል ተር አን ክጻወታ እዚ ዘሎናዮ መድረኽ ዝጠልቦ ታሪኻዊ ሓላፍነት እዩ። ኤዲቶርያል ቦርድ

Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.