ጋዜጣዊ መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ምግሃስ መሰል ኤርትራውያን ዜጋታት

ብዕለት 8 -6-2016 ሚስተር ማይክ ስሚዝ ኣቦ መንበር መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ምግሃስ መሰል ኤርትራውያን ዜጋታት ዝሃቦ መግለጺ ይብል ”ቅድሚ ዓመት ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ብዙሓት መሰላት ከም ዝግሃሱ ኣፍሊጣ ነበረት ካብዚ ብምብጋስ Human Rights Councle (ንመሰል ደቂ ሰባት ዝጣበቕ ቤት ምኽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት) ኣብ ኤርትራ እዚ ምግሃስ መሰላት ክሳብ እቲ ዝኸበደ ክሲ ማለት crime against Humanity (ገበን ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰባት) ዝበጽሕ ገበን እንተኾነ ንኸነጻሪ ድማ መዘዘና።  ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ምግሃስ መሰል ኤርትራውያን ዜጋታት ብዝተዋህባ ሓላፍነትን ብዝገበረቶ መጽናዕቲ ኣብ ኤርትራ ብሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣዝዩ ከበድቲ ምግሃስ መሰል ክሳብ ብ crime against Humanity ዝጥቀሱ ገበናት ይፍጸሙ ምህላዎም ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ። ካብቶም ዝፍጸሙ ዘለዉ ገበናት ንዜጋታት ኣብ ባርነት ምእታው፣ ምእሳር ፣ ምጭዋይ፣ መግረፍቲ፣ መቕተልቲ ፣ ግብረስጋዊ ዓመጽን ካልኦት ኢ-ሰብኣዊ ዝኾኑ ገበናት ይርከብዎም። እዛ ኮሚሽን ድሕሪ’ቲ ቅድሚ ዓመት ዘቕረበቶ ጸብጻባ ንዝነበረ ኩነታት ንምስናድን ምምርማርን ዘይሻራዊ መርገጽ ሒዛ ክትሰረሕ ጸኒሓ እያ። እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ድማ እቲ ምግሃስ መሰል ኤርትራውያን ዜጋታት በመራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ፈጺሙ ደው ከምዘይበለ እዩ። እዞም ዝካየዱ ዓመጻት ብሕቡእ ዝካየዱ ኮይኖም  ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት ከይተረፈ ከቢድ ራዕዲ ፈጢሩ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፍለጥ ፕሮግራም ንዜጋታት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና፣ ጉልበታዊ ምዝመዛ፣ ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከምኡ ድማ ንግብረስጋዊ ዓመጽ ኣቃሊዕዎም ከምዝርከብ እውን ተፈሊጡ ኣሎ። በፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ ዘቤታዊ ባርነት (domestic servitude) ኣቃሊዕውን ዝርከብ ዘሎ ፕሮግራም እዩ። እዚ ኮይኑ ከበቅዕ ስርዓት ህግደፍ ነዚ ጉዳይ ክገትእ ይኹን ለውጢ ከምጽእ ተገዳስነት ብዘይምርኣዩ ንኤርትራውያን ዜጋታት ብባርነታዊ ምቑራን (enslavement) ተሓታቲ ምዃኑ ተበጺሑ ኣሎ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ኣልቦ ዕስክርና ብምዃኑ ኣብ ኣገልግሎት ዝኣተዉ ዜጋታት ካብ ዕስክርና ዝሰናበቱሉ ዕድል ፈጺሙ ዝትዓጽወ ኮይኑ ድማ ንረኽቦ። መግለጺ ዘይርከቦ ጃምላዊ ማእሰርቲ ዜጋታት ኣብ ምልእቲ ሃገር ብቐጻሊ ዝካየድ ገበን እዩ። ካብዞም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ዜጋታት ዝሃብዎ ምስክርነት ብጉዳይ ማእሰርቶም ኣብ ነጻ ኣብያተ ፍርዲ ቤት ከምዘይቀርቡ፣ ንመእሰሪኦም ዝኾነ ምኽንያት ከምዘይውሃቦምን ክገልጹ እንከለዉ ስርዓት ህግደፍ ንምንታይ ንኤርትርራውያን ዜጋታት ዝኣስርን ንዝኸፍአ መግረፍትን ከም ዘቃልዖም ንስድርኦም ይኹን ንትካላት ኣብያተ-ፍርዲቤታት ዝህቦ ሓበሬታ የልቦን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝረኸብናዮ ጸብጻብ ካብ ሱዳን ንኤርትራ ዝተጠረዙ ዜጋታት ልክዕ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምብጽሖም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም እዩ። ካብዞም ግዳያት ማእሰርቲ ዝኾኑ ኤርትራውያን ቤተሰባት ዝተረኽበ ሓበሬታ ካብዞም ኣብ ወትሃደራዊ ኣገልግሎት ክገብሩ ዝጸንሑ ዜጋታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ፣ ተሰነይን ሓሽፈረ ዝኣመሰላ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይሳቐዩ ኣለዉ። እዚ ድማ ብ crime against Humanity (ገበን ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰባት) ዘኽስስ ገበን እዩ።    ብወገን ሃይማኖታዊ እምነታት ብጀካ ሰዓብቲ ኣርባዕተ ኣብያተ ቤተክርስትያናት ኣብ ካልኦት ሃይማኖት ዝኣምኑ ዜጋታት እምነት ሃይማኖቶም ክስዕቡ ከምዘይፍቀዶምን ከምዝእሰሩን ክፍለጥ እንከሎ ኣብ ልዕሊ ውሑዳት ኣህዛብ (minority) ንኣብነት ኩናማን ዓፋርን ብሃውሪ (arbitrary) ኣብ ዝካየድ ማእስርትን ቅትልትን ተቓሊዖም ይርከቡ። ካልእ በዚ ዝተጠቕሰ ገበን ዘሕትትን ብመራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ገበን ድማ ዝኾነ በደል ኣብ ዘይብሎም ሰላማውያን ሰባት ዝካየድ ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ ግብረስጋዊ ዓመጽን ቅትለትን እዩ። እዚ ገበናት ብሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ መራሕቲ ሰራዊትን መራሕቲ ጸጥታዊ ትካላት እዩ። መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ዝተጠቕሰ ገበናት ዝፈጸሙ ሰበስልጣን ኣስማት ብምስናድ ብሕጊ ንስለ ክሕተቱ ጸብጻባ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምቕራብ ኣብ ምድላው ትርከብ። ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝካየድ ዘሎ ምግሃስ መሰል ደቂ ሰባት ደው ከብልን ንገበነኛታት ኣብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ድሌት ይኹን ትካላዊ ዓቕሚ (institutional capacity) ከምዘይብሉ ተረጋጊጹ ኣሎ። በዚ መሰረት መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ዝተጠቕሰ ገበናት ኣብ ምፍጻም ዝርከቡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝኣከበቶ ጸብጻብን ኣስማት እዞም ሰበስልጣንን ኣብ ቅድሚ ዓለም ለኻዊ ፍርዲ ቤት ቀሪቦም ብዝፈጸምዎ ምግሃስ መሰል ደቂ ሰባት ንስለ ክሕተቱ ናብ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ቤት ምኽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ከተቕርብ እያ። ብተወሳኺ እዛ ኮሚሽን ኣብዚ ዝተጠቕሰ ገበን ኢድ ዘለዎም ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው፣ ካብ ኤርትራ ናብ ካልኦት ሃገራት ንኸይገሹን ብኣስማቶም ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት ዝተቐመጠ ገንዘብ ንኸየንቀሳቕስዎ ንስለ ክእገድ ንኹለን ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምሕጽንትኣ ተቕርብ። ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ግህሰት መሰል ደቂ ሰባት ሕጂ’ውን እንተኾነ ደው ንምባሉ ኣርብዓ ለበዋታት ዝሓዘ ሰነድ ናብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተላኢኹ ኣሎ።”። ብማለት ጸብጻቡ ኣቕሪቡ ኣሎ። ምንጪ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት http://webtv.un.org/watch/commission-of-inquiry-on-eritrea-press-conference-geneva-8-june-2016/4930296361001 ትርጉም ኤዲቶርያል ቦርድ ካብዚ ዝቐረበ ጸብጻብ ንሕና ከም ኤርትራውያን ዜጋታት ብመጀመርያ ክንግንዘቦ ዝግባእ እዛ ዝቖመት ኮሚሽን ብዘየዳግም ኣገባብ፦ – እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ገደብ ዘይብሉ ገበን ብመራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ይወርድ ምህላዉ፤ – ነዞም ሰበ ስልጣን ስርዓት ህግደፍ ዝርዝር ኣስማቶም ብምስናድ ናብ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ጸብጻባ ሰኒዳ ንምቕራብ ውሳነ ምውሳዳ – እዞም ንህዝብና ኣጽኒቶም ንሃገርና ድማ ናብ ምብትታን ብምስጣሕ ንሳቶምን ቀረብቶምን ግን ኣብ ውሑስ ሃገራት ድሮ ብዘስገርዎ ገንዘብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክነብሩ ዝነበሮም ሕልሚ በዚ እዛ ኮሚሽን እተቕርቦ ዘላ ለበዋታት በኒኑ ዝተርፈሉ እዋን ርሑቕ ከም ዘይኮነ ኣብ ዝግሃደሉ ዘሎ እዋን እታ ጠሊማትና እትብሃል ዝነበረት ዓለም ሎሚ ግን በዛ ዝቖመት ኮሚሽን ክሒሳትና። እቲ ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ሕጂ ድማ ብመራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝቕጽል ዘሎ ገበን ዓለም ይኣክል ትብል ኣላ። እንተኾነ ዓለም ኣቓልቦኣ ዝሃበትና ግን ስቕ ኢልካ ዝተበጽሐ ዓወት ዘይኮነ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ሃገራውያን ተቓለስቲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐን ዘሎን ገበን ንምቅላዕ ደኺምና ከይበሉ ብጽሑፍ፣ ብሰላማዊ ሰልፍን ካልኦት ኣገባባት ቃልሲ ተስፋ ብዘይምቑራጽ ስለዝተቓለሱ እዮም እሞ፡ እቶም ንስለ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ዝተቓለሱን ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ዜጋታት ጻማ ዝረኸቡሉ ብይን እዩ። ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ኣብ ኤርትራ ኣለዉ ተባሂሉ የማነ ገብር ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተሓተሉ እዋን ዝሃቦ መልሲ ”ኣብ ኤርትራ እሱራት የብልናን” ምባሉ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ካብቲ ሒዞሞ ዘለዉ መንገዲ ጥፍኣት ክምለሱ ዝኾነ ዕላማ ከምዘይብሎም ዘረጋግጽ ሓቂ እዩ። ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሎሚ ንስለ ዽሕነት ህዝብናን ሃገርናን ሓድነትና የድሊ ኣሎ። እቲ ክመጽእ ዘለዎ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ መንግስቲ ብምትካል ስልጣን ናብቲ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ምርካብ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ በብዓዱን ኣውራጅኡን ክመርሑኒ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ካብ ዝመረጾም ዜጋታት ንህዝቢ ዘገልግልን ብህዝቢ ዝቖመን ባይቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝቖመሉ እዋን፡ ስልጣን ኣብቲ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ተረኪቡ ክንብል ንኽእል። ስለዚ እቶም ኣብ ካልኣይ ሳልሳይ ክስርዑ ዝግብኦም ፍልልያት ኣብ ቅድሚት ብምስራዕ ኣብ ጓል መንገዲ ካብ ምእታው ተቖጢብና ኣብቶም ሃገራውያን ጉዳያት ብምትኳር ሃገርና ሓርነታ ክትለብስ ሕጂ’ውን ናይ ኩልና ኤርትራውያን ዜጋታት ዕማም ብምዃኑ ነዚ ዕማም ብውሕልና ንምዝዛም ዕዮ ገዛ ይጽበየና ኣሎ።

Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.