ጋዜጣዊ መግለጺ

ምልካዊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ንጉዳይ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ” ጉዳይ ኢትዮጵያ ይምልከተና እዩ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ድማ ኢድና ኣጣሚርና ኣይክንርእን ኢና” ብማለት ጣልቃ ናይ ምእታው ባህግታቱ ብጋህዲ ገሊጹልና እዩ። ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ኢድካ ምእታው ማለት ከኣ ዘይተደልየ ኣዕናዊ ተርእዮታት ከኸትል ከም ዝኸል መግለጺ ዘየድልዮ ሓቂ ምዃኑ ማንም ሰብ ዘይስሕቶ ጉዳይ እዩ። እዚ ብዕድል ህዝቢ ኤርትራን ልኡላውነት ሃገርናን ክጣላዕ ዝኾነ ስክፍታ ዘይስምዖ ውልቀ መራሒ ኵኖ እቲ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ኢድካ ናይ ምእታው ድሌታቱ ጋህዲ ምግባሩ፡ ጸላእቲ ብወገን ጎልጅ ወይ ብወገን ደንከል ኪመጹኒ እዮም ብማለት ነቲ ዝጸንሐ ውሱን ንግዳዊ ንጥፈታት ፈጺሙ ከም ዝዕጾ ጌርዎ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ነበርቲ ጋሽ ባርካን ከባቢ ደንከልን ድማ ንዝኸፍአ ናይ ጥሜት ሓደጋ ኣሳጢሕዎም ይርከብ ኣሎ። ካብዚ ብምብጋስ:- ብሰንኪ ኣዕናዊ ኣካይዳ ምሕደራ እዚ ስርዓት ንሃገርና ከም እንደገና ኣብ ውግእን ዘይተደልየ ጥፍኣትን ክሸማ ንዝደሊ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ብትሪ ንቃወም ብሰንኪ ጸላእቲ ክመጹኒ እዮም ዝብል ምስምስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንነበርቲ ጋሽ ባርካን ደንካልያን ንዝኸፍአ ናይ ጥሜትን ህልቂትን ሓደጋ ዘቃልዐ ስርዓት ብትሪ ንቃወም እዚ ብጋህዲ ንመራሒ ጎረቤት ሃገር ”ስልጣነይ ኣረኪበካ ኣለኹ” ብማለት ልኡላውነት ሃገርና ዳግማይ ናብ ባርነት ንምምላስ ዝህንደድ ዘሎ ወልቀ-መላኺ ብምምካት፡ ህዝብና ካብ ህልቂት ሃገርና ድማ ካብ ዘይተደልየ ምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት ንምድሓንን ሓላፍነት ክንወስድ ሃገራዊ ጻዊ ዕትና ነቕርብ!!! ብደም ስውኣትና ዝተረኽበ ናጽነትና ብወልቀ-መላኺ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይነእቱን! ኤርትራዊ ወዲ መሬት ዝትኮቦ ዘይኮነ ዚግብኦ መሰል ኣውሒሱ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ንኽነበር ንቃለስ! ኤዲቶርያል ቦርድ 24-6-2020