ጋዜጣዊ መግልጺ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ (ስትራተጂ ዓዲ)

ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ (ስትራተጂ ዓዲ) ንኣባላቱ ይኹን ንሰልፉ ድሕር ከይበለ ከምዝከላኸል ንደለይቲ ፍትሒ የፍልጥ። ብመንገዲ ፓልቶክ ኣብ ልዕሊ  ኣባል ሰልፊ  ጉባኤ ኤሪትራ (ስትራተጂ ዓዲ) ወሪዶም ዘለዉ ክስታት ከበድቲ ኢዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ፡ ምንጭታት ናይቶም ክስታትን፡ ነቶም ተሰንዚሮም ዘለዉ ክስታትን ከጽንዕ ስልፍና ሓላፍነት ኣለዎ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ብውሽጣዊ ኣገባብ ሰልፍናን መስመራት ሰልፍናን ሓቅነትን ዘይሓቅነትን ናይዞም ክስታት መጽናዕቲ ክንገብር ኢና ውጽኢት መጽናዕትና ድማ ንደልይቲ ፍትሒ ከነፍልጥ ኢና። ክሳብ ሽዑ ግን ብትዕግስቲ ተጸበዩና። ዝኽሪ ንስዉኣትና ዘንጊ ሓቂ ትቐጥን ድኣ እምበር ኣይትስበርን ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ጉባኤ ኤሪትራ(ስትራተጂ ዓዲ)

Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.