ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ንሕድሕድ ኲናት ትቃላዕ

ሰልፍና ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክሕብሮ ዝጸንሐ፡ ናይ ዝኾነ ኣካል ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ዝግበር ኢድ ኣእታውነት ዘይሕጋውን ዘይቅቡልን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጉዳይ ጎረባብቲ ዝካየድ ኢድ ኣእታውነት እንተኾነ እውን ዘይሕጋውን ዘይቅቡልን ምዃኑ ከነስምረሉ ጸኒሕና ኢና። እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዚካየድ ርክባት እንተኾነ እውን ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ሕጋጋት ብምኽባር ከምኡ ድማ ክልተ መንግስታትን ባይቶታት ሃገራቶምን ብዝፈልጥዎን ዝቕበልዎን ኣገባብ ዝጸደቕ ስምምዓት መሰረት ጥራይ ይኸውን። ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ርክባት (ብውሕዱ ዶክተር ኣብይ መራሒ ካብ ዝኾነሉ ዕለት) እዞም ክልተ መራሕቲ ብቐጻሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት እናኸዱ ስምምዓት ክፈራረሙ ጸኒሖም እዮም፡ እንተኾነ እንታይ ተዘራሪቦም ኣብ ምንታይ ዝተመርኮሰ ስምምዓት ከ በጺሖም ዝብል ሕቶ፡ ካብዞም ክልተ መራሕትን እቶም ከሰማምዕዎም ዝጸንሖ ኣካላት ወጻኢ ዝፈልጥ የለን። እዚ ማለት እዚ ኪካየድ ዝጸንሐ ስምምዓት ንልምዓት ድዩ ንጥፍኣት፤ ህልውና ሃገር ኣውሒስካ ንኽልቲኤን ሃገራት ብዝጠቅም ኣገባብ ዝተኻየደ ስምምዕ ድዩ ወይስ ሃገር ኣብ ዕዳጋ ዘውርድ እንፈልጦ ነገር የብልናን። እቲ ምንታይ ክሳብ ሎሚ ዝነገረና ኣካል ብዘይ ምህላዉ እዩ። እሞ ጉዳይ ሃገር ዝኣክል ከም ናይ ሓደ ውልቂ ሰብ ተቖጺሩ ሓደ ወልቀ መላኺ ዊን ከም ዝበሎ ብዝበጽሖ ስምምዓት ዚፍጠር ኵነት ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ከም ዘይከውን ግን ኣዳቒቕካ ምፍላጥ ይግባእ። እስከ ቁሩብ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ገለ ፍጻመታትን ነቶም ፍጻመታት ዚምልከት ክውሃብ ዝጸንሐ መልስታት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ክንጠቅስ። ውግእ ኤርትራን የመንን ኣብ ዝተወልዓሉ እዋን እዚ ውለቀ መላኺ ”ኣነ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን ደኺመ ቀም ኣቢለ ድሕሪ ምጽንሐይ እያ ብዓልቲ ቤተይ ዝሓበረትኒ” ዝመስል መልሲ ክህብ እንከሎ። ብምስባብ ናይ ዶብ ግጭት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወልዐ ደማዊ ውግእ እንተኾነ እውን ”ክሳብ እዚ ውግእ ዝጅምር ኣፍልጦ ኣይነበረንን” ዝብል ናይ ምሕጫጭ መልስታት እዩ ክህብ ዝጸንሐ። ክሳብ ለይቲ ሎሚ እንተኾነ እውን እዚ ብስም ናይ ዶብ ምስሕሓብ ዝተኻየድ ውግእ ንምንታይ ተጀሚሩ? ክምኡ ዓይነት ሓደጋታት ክመጽእ ዝኽእል እንተኔሩ ኽ ወይ ንዕኡ ንምፍታሕ ወይ ድማ ንምክልኻሉ ንምንታይ ምድላዋት ዘይተኻየደ? ድሕሪኡ እንተኾነ እውን እዚ ውግእ ብኸመይ ተኻይዱ መን እንታይ ሓላፍነት ኔርዎ እንታይ ተራኸ ተጻዊቱ ብሓጺሩስ ገምጋም ይገበር ምባል ከም ገበን ተቖጺሩስ ክሳብ ሎሚ ኣባላት ብስም ጉጅለ 15 ዝፍለጡ ዝነበሩ ላዕለዎም መራሕቲ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ኣብ ማእሰርቲ ቤታት ይበልዩ ምህላዎም ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ንምዃኑ ክእሰር ዝግብኦ እቲ ሃገር ንሓደጋ ዘሳጠሐ ዶስ እቲ ጉድለታትና ንፈትሽ ዝበለ ኣካል? ነፍሲ ወክፍ ኤርትራዊ ዜጋ ምስ ሕልንኡ ተዘራሪቡ ክምልሶ ዝግባእ ሕቶ እዩ።   ኣብ 2020 እንተኾነ እውን ዶክተር ኣብይን ዲክታተር ኢሳያስን ክትዓዳደሙን ክበጻጽሑን የሕሊፎሞ፡ ካብኡ ሓሊፎም ዶክተር ኣብይ ”ኤርትራ ሰላም ዘለዋ ሃገር እያ” ኢሉ ክምስክር እንከሎ ዲክታተር ኢሳያስ ብወገኑ ”ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ እዩ ነዚ ዘይፈልጥ ከኣ ነቲ ክውንነት ዘይተረድአ እዩ፤ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳይ ይምልከተና እዩ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ድማ ስቕ ኢልና ኣይንርእን ኢና ወዘተ” ክብል ሰሚዕናዮም ኢና። እዚ ንለባም ኣምተሉ ንዓሻ ደርጕሓሉ ከም ዝብሃል ኣብ ዝፍጥር ውሽጣዊ ግርጭት ኢትዮጵያ ዲክታተር ኢሳያስ ኢዱ ከም ዘእቱን ነቶም ዝተረፉ መንእሰያት ኤርትራውያን ሕጂ እንተኾነ እውን ኣብ ዘይምልከቶም ውግኣት ክጥጥቖምን መዝሓል ጥይት ክገብሮምን ዝኾነ ስክፍታ ከም ዘይብሉ ዘተንብሃልና ሓቅታት ምዃኑ ኸ ክንርድኦ የጸግመና ዶ? ምሕዝነት ዶክተር ኣብይን ዲክታተር ኢሳያስን ”ዓርኪ ሰባር ነቓዕ” ከም ዝብሃል ዶክተር ኣብይ ክፋእን ዕንወትን እምበር ካብ ዓቢ ሓዉ (ዲክታተር ኢሳያስ) ድኣ እንታይ ክምሃር። እንሆ ኸኣ ዘይተደላይን ዘሐዝንን ውግእን ግርጭታትን ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ክባራዕ ንርኢ ኣሎና። ዜጋታት ካብ ገዛእ ዓዶም ውጹ ክብሃሉ እንከለዉን ብቐጻሊ ንጹሃት ክጭፍጨፉ ኣብ ዝርከብ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ህዝበይ ዝብሎን ዘመሓድሮን ህዝቢ ኢትዮጵያ እኳ ክከላኸል ኣይከአለን ሕጂ ድሚ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ውግእ ብምእዋጅ ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከሳጥሓ ይርከብ ኣሎ። እብዚ ብግቡእ ክስመረሉ ዘሎ ነገር ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ከም ምዃና መጠን ንክብርታትን ልኡላውነት ሃገርና ምስ ዝኣምኑን ዝቕበሉን ክንላዘብ ነቶም ጌና ክሳብ ለይቲ ሎሚ ልኡላውነትና ዘይተቐብሉን ሃገሮም እንዳደመየት ብምውናን ኣፍ ደገ ባሕሪ ሃገርና ዝሓልሙ ኣካላት፤ ምክልኻልን ምምካትን ግዴታ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ምዃኑ ዘይምስሓት። ልዕሊ ኩሉ ንልኡላውነት ሃገርና ዝጻባእን ኣሕሊፉ ክህብ ንዝደልን ኣካል፤ ነቲ ኣብ መንጎና ክህሉ ዝኽእል ፍልልያት ኣወንዚፍና ብሓባር ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘቕንዐ ምጽባእ ይኹን ንልኡላውነትና ኣሕሊፉ ክህብ ዝደናደን ሓይሊ ብሓባር ክንገጥሞም ሃገራዊ ሓላፍነት ከም ዘሎና ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ምስ ክህልዉና ዝኽእሉ ፍልልያት ንኹልና ሓንቲ ኤርትራ እትብሃል ሃገር ከም ዘላትናን ቀጻልነት ህላወ እዛ ሃገርና እንብላ ኤርትራ ድማ ዋሕስ ናይ ኩልና ምዃና ንባዕሉ ልቡና ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ግርጭት ብሰላም ዓሪፉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብሰላም ክነብር ትምኒትና እዩ። ኣብዚ እውን ብልቦና ክንርእዮ ዝግብ ኣና ነገር እንተልዩ ካብ ውግእን ግርጭትን ዝኸስብ ሃገር ይኹን ጎረቤት ሃገር የለን። ኢትዮጵያውያን ደለይቲ ሰላም ነዚ ኣብ ሃገሮም ዝባራዕ ዘሎ ሕድሕዻዊ ኲናት ደው ክብል እጃሞም ክጻወቶ ይግባእ። እዘን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ነናተን ጸጋታት ዝወነና ከም ምዃነን መጠን፡ ነዚ ጸጋታት ብግቡእ ኣብ ረብሓ ህዝቦም እንተድኣ እውዒሎሞ እዚ ብድኽነትን ግጭትን ዚፍለጥ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ሰላምን ምዕባለን ዞባ ዘይኮነሉ ምኽንያት የልቦን። ነቲ ዘይብልካ ጸጋታት ድማ (ከምዚ ገለ ተረፍ ደርግ ዝኾኑ ጉጅለታት ብቐጻሊ ዝሰብክዎ) ኣፍ ደገ ባሕሪ የብልና እሞኸ ደኣ ነዚ ዘይብልና ጸጋ ንምውናን ልኡላዊ ሃገረ ኤርትራ ነንበርክኽ ወይ ንውረር ዝብል ሕልሚ ናብ ዝያዳ ጥፍኣትን ብርሰን ክም ዘብጽሕ እኳ እንተዘይተረድኦም ብኹሉ ወገን ልኡላውነት ሃገራት ብምኽባር፡ ከም ጎረባብቲ መጠን ተኸባቢርናን ተደጋጊፍናን ክንነብር ከም ንኽእል ጥራይ ዘይኮነ እዚ ኣገባብ ንረብሓ ኩሉ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንረብሓ እታ ንዘበናት ዝተሰቓየት ኣፍሪቃ ብምዃኑ፡ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ክጽዕሩሉ ዝግባእ ቅዱስ ዕላማ እዩ። እንተ እቲ ሃገራት ንውረር ዝብል ስነ ሓሳብ ግዚኡ ዘሕለፈን ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘይክእል ሕልሚ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ንኹሉ ዝጎድእ ስነ-ሓሳብ ከም ምዃኑ መጠን ንኸምዚ ዓይነት ስነ-ሓሳብ ዜሳስዩ ናይ ፖለቲክ ጥሩፋት ደው ምባል እውን ሓላፍነት ናይ ኩሉ ደላይ ሰላም ዝኾነ ወገን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዘይሓላፍነታዊ ኢድ ኣእታውነት ዲክታቶር ኢሳያስ ካብ ሕጂ ክንቃወምን ደው ከነብልን ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣሎና፡ እዚ ካብ ምግባር ምስ ንበኩር ግን ዋግኡ መስዋእቲ ኣእላፋት ዕሸላት ደቅና ከኸትል ካብኡ ሓሊፉ እውን ሃገርና ንዝኸፍአ ሓደጋ ምቅላዕ ክኸውን ስለ ዝኸእል ብድጋሚ ኣይፋል ንውግእ! ኣይፋል ንኢድ ኣእታውነት ኣብ ጉዳይ ጎረቤት ሃገር! ብማለትን ኣብ ጎኒ እቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ኴና ኣሎናልካ ክንብሎ ንጽባሕ ይጽንሓልና ዘይብሃል ዕዮ ገዛ ከም ዘሎና ንገንዘብ:: ዲምክራስያዊትን ቅዋማዊት ሃገር ንምውናን ንቃለስ! ዓዋት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ! ኤዲቶርያል ቦርድ