ጣልቃ ምእታው ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ህዝቢ የመንን ጠንቅታቱን

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳያት ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዝርከባ ሃገራት ኢዱ ከተኣታቱ ጸኒሑን ኣሎን። ሓደ ካብቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ እዚ ስርዓት ክቐርብ ዝጸንሐ ክስታትን ከም ሳዕቤኑ ድማ ንእገዳ ዘቃልዖ ጉዳይ ነቶም ብእስላማዊ ጥሩፍነት ዝኽሰሱን ብኣልሸባብ ዝፍለጡን ኣኽረርቲ ምንቅስቓስ ሶማል ብምሕጋዙ እዩ። እምበኣር ኪኖ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝበና ዘካየዶ ዘሎ ገደብ ኣልቦ ምግሃስ መሰል ደቂ ሰባትን ከምኡ’ውን ኣብ ጉዳይ ካልኦት ጣልቃ ምእታው ኣብ መወዳእትኡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ተኻየደ። እምበኣር ኣብዚ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይብሉን ኩልና ኤርትራውያን ክንግንዘቦ ዝግባእ ጉዳይ እንተልዩ እገዳ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ድኣ እምበር ኣብ ልዕሊ ሃገርና ወይ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘይምዃኑ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ ቀረባ እዋን በዚ ስርዓት ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ንኽልዓል ናይ ደገፍ ሰነድ (petition) ምልኡ ብምባል ጎስጓሳት የካይድ ምህላዉ ብዝተፈላለያ ኤርትራውያን ማዕከናት ዜና ከቃላሕ ጸኒሑ ኣሎ፡ በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ዜጋ ሃገርና ብዊንታ ውሑዳት ዘይኮነ ብሕግን ስርዓትን ክትምሓደር ህዝብና ድማ ኣብ ገዛእ ሃገሩ መሰሉ ተሓልይሉ ንኽነብረ እንወስዶም ስጉምትታት ነዚ ባህጊ ህዝብና ክዉን ዝገብር ድኣ’ምበር ንዕኡ ዝጻባእ ንስለ ከይከውን ጥንቓቐን ኣስተብህሎን ከድልየና እዩ።

እዚ ጣልቃ ኣእታውነት ስርዓት ህግደፍ ሕጂ’ውን ብምቕጻል አብ ጉዳይ የመን ኢዱ የእቱ ምህላዉ እዩ። እዚ ስርዓት ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ጎኒ እቶም ንስርዓት የመን ብምቅዋም ብረታዊ ጎንጺ ዘካይዱ ዘለዉን ብሑቲ ዝፍለጡ ሰዓብቲ ሽዓ ዝኾኑ ደቂ የመን ከም ዘይጸንሐ ሕጂ ድማ ኣንጻሮም ብምቛም ኣብ ጎኒ እቲ ብስርዓት ሱዕዲ ዓረብ ዝምራሕን ኣንጻር እዞም ሑቲ ዝቃለሱ ዘለዉ ነቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መንግስቲ የመን ዝድግፉን ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኾና ሰዓብቲ ሱኒ ምስልምና ምውጋኑ እዩ። እዚ ንሓድሕድ ኩናት የመናውያን ከም ጎረቤት ህዝቢ ዘሕዝን ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ኣብዚ እዋን እንተተኻኢሉ ከም ጎረቤት ሃገር ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ህዝባ ምሕጋዝ ድኣ’ምበር ብኣንጻሩ ሓዊ ኣብ ምስዋርን ንህዝብና ኣብ ዘይምልከቶን ነዊሕ ጠንቂ ዘለዎ ጉዳይ ኢድካ ምእታው ምስ ምንታይ ይቑጸር? ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ነጻነት ንገዛእ ርእሱ ከም ጊዝያዊ መንግስቲ ካብ ዘቑጽር ልዕሊ ዕስራ ዓመት ኣቑጺሩሉ ዘሎ እዋን ብዘይ ቅዋማዊ ምሕደራን ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራን ሃገርና ናብ ዝኸፍኤ ሓደጋ ከቃልዓ ዝኽእልን ጌና ብግቡእ ዘይተሓበረን ስምምዓትን ክሳብ መሬት ኤርትራ ንወትህደራዊ ዕላማታት ኣብ ጥቕሚ ንምውዓሉ ኣብ ምክራዩ ብጅካ ካብዚ ብክራይ መሬት ህዝቢ ኤርትራ ዝርከብ ዘይተፈልጠ ብዝሒ ገንዘብን ኣብ ረብሓ ህዝብናን ህገርናን ዘይውዕል ገንዘብ ተጠቀምቲ እዞም ውሑዳት መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ድኣም’በር ህዝብና እንታይ ረብሓ ክህልውኦ ይኽእል? ነዚ ፍጻመ ጣልቃ ምትእትታው ብዝምልከት ሓደ ካብ ማዕከናት ዜና BloombergBusiness 5 Nov 2015 ይብል ” ሱዕዲ ዓረብን ሃገራት ኢማራትን ኤርትራ ኣብ ጉዳይ የመን ንኽትሕግዝ ይኸፍልኣ ኣለዋ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ስርዓት ህግደፍ ብጅካ ንወድብ ዓሰብ ከም ወትሃደራዊ መዓስከር ምክራዩ 400 ካብ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ የመን ንምስታፎም ኣዋፊሩ ምህላዉ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ከልዕሎ ዝግባእ ሕቶ ኣብቲ ንናጽነት ሃገርና ክዉን ንምግባር ዝተኻየድ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ዝተሰውኡ ፤ ብድሕሪ ናጽነት ሃገርና ብስም ናይ ዶብ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ዝተሰውኡ፤ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ዝሃልቁ ዘለዉ፤ ዕቑባ ንክረኽቡ ሃገሮም ራሕሪሖም ኣብ ዝሃድሙሉ ዘለዉ እዋን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዕሸላት ደቅና ኣብ ኣጻምእ ሰሃራ፣ ጭውያ ራሻይዳን ቅንጸላ ዳዕሽ ከምኡ ድማ ቀላያት ማእከላይ ባሕሪ ዝሃልቁ ዘለዉ ስለዝውሓዱና ድዩ ንህዝብናን ሃገርናን ኣብ ዘይምልከት ውግእ ጌና ዜጋታትና ኣብ ውግእ የመን ምስታፎም ዝድለ ዘሎ? ካብዚ ጠንቃም ጣልቃ ኣእታውነትከ እንትርፎ ኣብ ዘይተደላዪ ኣህጉራዊ ግጭት ኢድካ ብምእታው ዝመጽእ ሓደጋታት እንታይ ረብሓ ኣሎና? እዋኑ እዋን ቲፎዘነት ዘይኮነ ኩልና ኤርትራውያን ኣብ እምንትናን ርድኢትናን ክህልዉ ዝኽእሉ ፍልልያት ብዘየገድስ ደቂ ሓንቲ ሃገር ምዃናን ሓንቲ ኤርትራ እትብሃል ሃገር ከምዘላትና ምስትብሃልን ህልዌኣ ንምውሓስ ኩልና ብሓላፍነት ክንዋሳእ ህጹጽን እዋናዊ ጉዳይ ምዃኑ እዩ።

ኤዲቶርያል ቦርድ