ጸብጻብ ኣኼባ ስቶክሆልም

ኣብ ትሕቲ ”ምህናጽ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ንፖለቲካዊ ስግግር” ዝብል ኣርእስቲ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ምስ ገዳይም ተጋደልቲ እቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩን መሓመድ ብርሃን ብላታን ዝመርሖ ኣኼባ መድረኽ ብዕለት 16 ታሕሳስ 2017 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ሽወደን ተኻይዱ ነበረ። ኣኼባ ነቲ ኣብ ፍራንክፈርት ኣብ 20-22 ጥቅምቲ ዚተኻየደ ዋዕላ መቐይሮኣዊ ምትሕብባር ብዝብል ኣርእስቲ ንወከልትን ኣባላትን 42 ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ዘሳተፈ ናይ ክልተ መዓልታት ኮንፈረስን ብናይ ሓባር መዘክር ምርድዳእ ከምዝተዛዘመ ድሕሪ ምብራህ። ካብዚ ቀጺሎም ንናጽነት ዝተኸፍለ መስዋእቲ ብሓደ ሸነኽ በቲ ምልካዊ ስርዓት ዚተፈጸመ ጥልመት ድማ በቲ ሓደ ሸነኽ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕረቡ። ካብዚ ክውንነት ብምብጋስ እቲ ኣብ ሃገርና ክመጽእ ዘለዎ መሰረታዊ ለውጢ ክዉን ዝኸውን ብሓባራዊ ቃልሲ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ጥራይ ክኸውን ከምዝኽእል ብምብራህ ድማ ኣኼባ ተዛዘመ።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ http://eri-platform.org/events/building-national-movement-transition/ ኤዲቶርያል ቦርድ