ሓደ ካብቶም ንፍትሒ ብትብ ዓትን ብዘይምሕላልን ዝተቃለሰ ኤርትራዊ ዜጋ ዓሪፉ

ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ዝነበረ ብርሃነ ኣብርሀ ካብ መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓልይታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ድሕሪ ምጽንሑ መእሰሪኡ ከይተገልጸን ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ከይተራእየን ከም ብዙሓት ዜጋታትና ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። እቲ ንምሕደራ ስርዓት ኢሳያስ ብትብዓት ብምንቃፍ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኤርትራ ጎዲሉ ዝበሎን ክእረሙ ዝግብኦም ኣገሰድስቲ ጉዳያት ብምግላጽን ከልተ ንወለዶታት ኤርትራ ቅርሲ ዝኾነ መጽሓፍቲ ድሮ ኣሕቲሙ ዘበርከተን ዜጋ ድማ እዩ።

ኣብ ሃገርና ኣብዚ ዘበነ ስርዓት ህግደፍ ቅዋም ይተግበር፣ ዶብና ይተሓንጸጽ፣ ናይ ሕልናን ፖለቲካ እሱራትን ይፈትሑ፣ ባይቶ ኤርትራ ኣኼባታቱ ኣብ እዋኑ የካየድ ወዘተ ዝበሉ ዜጋታት ገበነኛታት ኮይኖም ይቑጸሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክበልዩን ካብዛ ዓለም ብሞት ክፍለዩን ምዕዛብ ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ። እንተኾነ እዞም ጀጋኑ ኤርትራውያን ዘልዓልዎም ሕቶታት ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃኖም ንዘልኣለም ተደፊኖም ክነብሩ ዘይኮነ ኣብ እዋኖም ክትግበሩ እዮም። ታሪኽ ድማ ዘይምሕር ዳኛ እዩ እሞ፡ ነቶም ሕጂ ምስጢራት ዝመስሉ ዘለዉ ፍጻመታት ጽባሕ ንግሆ ተራ ናይቶም በጃ ህዝቦም ዝሓለፉን ዝሓልፉ ዘለዉ ዜጋታት ጥራይ ዘይኮነ ተራ ናይቶም ዓመጽትን ተሓባበርቶም እውን ብመርትዖታት ክቐርብ እዩ።