መግለጺ ካብ መደናገሪ ኣዋጅ

ብስም ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣደናገርትን ካብ ሓቂ ዝርሓቑ ኣዋጃትን ክወጹ ምጽንሖም ኩሉ ተኸታታሊ መርበብ ሓበሬታታት ክዕዘቦ ዝጸንሐ ሓቂ እዩ። ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ናይ ስምረት ጉባኤ ንምክያድ ይቀራረብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ንውክል ኢና ካብ ዝብሉ ውልቀሰባት ዝወጸ መግለጺ ኔሩ፡ ጸኒሑ ድማ ብስም ሓኪም ዝወጸ ኣዋጅ ነበረ። ሕጂ ድማ ብዕለት 9 መስከረም 2009 ሓደ ኣዝዩ ዘስደምም ኣዋጅ ከም ዝተጻሕፈ ክንዕዘብ ከኣልና።

ነዚ ጽሑፍ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብስም ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ዝወጹ ዝነበሩ ኣደናገርቲ ኣዋጃት ሕጂ’ውን ሸለል ተባሂሉ ክሕለፍ ምተኻእለ እንተኾነ ግን ካብ ዝኾነ ምድንጋራት ንምግታእ ግብረ መልሲ ንምሃብ ተገዲድና ኣሎና።

መርገጽ ሰልፍና ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብጽሑፋቱ ከረጋግጾ ከምዝጸንሐ ሞግዚታዊ መንግስቲ ንምትካል ኩሉ ህዋሳት ኤርትራ ናይ ግድን ክሳተፉ ኣለዎም ዝብል መርገጽ ኮይኑ ካብዚ መርገጻትና ወጻኢ ከምዚ ዓይነት መንግሰቲ ተኺልና ኣሎና፤ ኩሎም መራሕቲ ኣባላት ካቢነ መንግስቲ ኮይኖም ኣለዉ፤ ኩሎም ጀነራላት ዲክታቶር ኢሳያስ ድማ ጀነራላት ናይዚ መሰጋገሪ መንግስቲ ኮይኖም ኣለዉ፤  ናይ ሕሳብ ኣካውን ከፊትና ብምህላውና ኣብኡ ገንዘብ ልኣኹ” ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ እውን ወጺኡ ኣሎ። እዚ ዘስደምም ጽሑፍ እዚ ብስም ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ብ 11 መስከረም 2009 ኣብ ገርገር.ኮም ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ናይ መደናገሪ ኣዋጅ ኣውጺአ ዝብል ዘሎ ውልቀስብ ኣቐዲሙ ኣብዚ ኣቝመዮ / ኣቝምናዮ ዝብሎ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ንምስታፍ ንኪዳን ሓቲቱ ግን ኪዳን ከም ዝነጸግዎ ይፍለጥ። በዚ ውልቀሰብ እዚ ናይ ምስታፍ ዕድመ ንኣባላት መሪሕነትን ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ እውን ቀሪቡሎም ነጺጎሞ እዮም። እዚ ውልቀሰብ ክሳብ ሕጂ ከም ወኪል ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ኣብ ካናዳ ክዋሳእ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኹሉ ፕሮግራም ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ብምጥሓስ ኣዋጅ ብምውጽኡ፡ ብኣዋጁ ካብ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ከም ዝወጸ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ

14 መስከረም 2009