ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ንመራሕ ስርዓት ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዝምልከት ኣብቲ ብ 11 ሓምለ 2014 ንንባብ ዘብቅዖ ሕታሙ ሰፊሕ ሓተታ ኣቕሪቡ ኔሩ። እንሆ ትርጉም ሓተታ ብትግርኛ ንነበብትና ይቐርብ።
እዚ ብኣዝዩ ክቱር ኣንነትን (narcissism) ተጠራጣሪ ምዃኑን ዝልለ መራሒ ኣዝዩ ጨካንን ብዝኾነ ነገር ብቐሊሉ ዝቑጣዕን እዩ። እዚ ንኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዝኣሰረ ውልቀመላኺ ብቅሩጽ ፍርሂ (paranoia) ዝሳቐ ኮይኑ መንግስቲ ኣሜሪካ ብሚሳይል ከይቀትልዎ ካብ ዘለዎ ፍርሂ ኣብ ጭንቀት ዝነብር ውልቀሰብ እዩ። እንተኾነ ስቓይ ኤርትራ ጌና ዝተወድአ ኣይመስልን። እዚ ዲክታቶር ብቓሉ ጌና ኣርብዓ ክሳብ ሓምሳ ዓምት ክነብር ዝትስፎ ኮይኑ ክሳብ ብሂወት ዘሎ ድማ ካብ ስልጣን ክወርድ መደብ ከምዘይብሉ ይገልጽ።
ሓደ እዋን ካብ ኬንያ ንኤርትራ ኣብ ምጉዓዝ እንከሎ ምስ ስድራቤቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የዕሪፉ ነበረ፡ ኣብቲ እዋን ድማ ምስ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኢትየጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ተራኺቡ ነበረ። ዋላኳ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብርክት ዝበላ መካይን የዐጂቡ ምጋሽ ዝፈቱ እንተኾነ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ብዝተገብረሉ ዕድመ ብፍልይቲ ጀት ናብ ኣስመራ ንምብራር ሕራይ ብምባል ተሰማምዐ። እዚ ፍጻመ ኣብ 1996 ማለት እቲ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ሂወት ዝበልዐ ናይ ዶብ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ክልተ ዓመታት ምዃኑ እዩ፡ እንተኾነ እታ ኣብታ ኣብ ጉዕዞ ዝነበረት ጀት ናይ ምንዳድ ሓደጋ ስለ ዘጓነፋ ናብ መዕረፍ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሳ ንኽትዓልብ ተገደደት። ሓደ ኣብታ ጀት ካብ ዝነበሩ ዝሃቡ ምስክርነት ድማ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ኣብታ ነፋሪት ዘጓነፈ ናይ ባርዕ ሓደጋ ቀዳማይ ሚኒሰት መለስ ዜናዊ ሂወቱ ንኸሕልፍ ኮነ ኢሉ ከም ዝፈጸሞ ጌሩ ከሰሶ። ድሕሪ እዚ ፍጻመ ክልተ ዓመት ናይ ዶብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተወልዐ። ብዊኪ ሊክስ ዝወጸ ምስጢራዊ ሰነድ ከም ዝሕብሮ ድማ ኣሜሪካዊ ኣምባሳደር ሮናልድ ኬ. ማክማለን ናብ መንግስቲ ኣሜሪካ ካብ ዘሕለፎ ጸብጻባት መሰረት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ሳዳም ሑሴን ዝኸፍአ መራሒ ምዃኑne ንኤርትራ ብንሱ ዝቆጻጸሮን ጽኑዕን ኣገባብ ከም ዘምሓድራ ይገልጽ። ሓደ ጥሮታ ዝኣተወ ዲፕሎማት ሓንቲ ካብ ሃገራት የዕራብ ዝነበረን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንኢሳያስ ክረክብ ዝኽኣለን ንጋዜጣ ኤክስፕረሰን ብዝሃቦ ጸብጸብ ድማ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዝውሰድ ውሳነታት ብኢድ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዝፍጸም ገሊጹ።
ኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብ መቑሕ ስርዓት ህግደፍ ብዘይ ዝኾነ ፍርዲ ተዳጒኑ ይርከብ ኣሎ። ብጉዳይ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዝምልከት ኢሳያስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ልክዕ ክምቶም ካልኦት ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ድሕሪ ምእታዎም ሃለዋቶም ዘጥፍኡ ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ እንተኾነ’ውን ንመንግስቲ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ከምዝምልከት ሓቢሩ። ኣብ 2001 ክልተ ኤርትራውያን ዜጋታት ኮይኖም ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ተቖጺሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ድሕሪ ምእሳሮም፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ንምፍትሖም ዝገበሮ ጻዕርታት ኮንቱ ኮይኑ ተሪፉ እዩ። ሓንቲ ኣሜሪካዊት ተዋናዪት ኣብ መጀመርያ 2008 ብዛዕባ ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ዜጋታት ኣልዒላ ምስተዛረበቶ ዝረኸበቶ መልሲ ”እሞ ካብ ማእሰርቲ ኣውጺአ ንማሕነቕቲ እንተዝፈርዶም ዶ ምሓሸ፧” ብምባል እዩ ዝመለሰላ። ልክዕ ከምቲ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዝገበርዎ ንፓይለት ደጀን ዓንድሕሸል ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ናብ ስርሑ ብምኻድ ሻሂ ድሕሪ ምግባዞም ናብ ማእሰርቲ ቤት ዳጎንዎ። ክሳብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ማእሰርቲ ዘምልጥ ድማ ኣብቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ ጸንሐ። ደጀን ዓንዲሕሸል ምስቲ መደበሩ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኾነ ማዕከን ዜና ኣሰና ዝገበሮ ቃለ መሕትት እቶም ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝሰርሑ ዝነበሩ ክልተ ኤርትራውያን ድሮ ከም ዝሞቱ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ስርዓት ህግደፍ ብምምላጥ ኣብ ፈረንሳይ ኢዱ ሂቡ ዝነበር ዘሎን ኣብ ጸጥታ ናይቲ ስርዓት ዝሰርሕ ዝነበረ ስዒድ ሳልሕ ምስ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ”ሓደ እሱር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዝመውት ወይ ዝቕተል እቲ ስርዓት መታን ብጉዳይ እዞም እሱራት ብቐጻሊ ኣብ ሜድያ ከይልዓል ናይ ብሂወት ዘይምህላዎም ምልክታት ንደገ የመሓላልፍ እዩ” ክብል መስኪሩ እዩ።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ (ካብ ነጻነት ኤርትራ ንነጀው ማለት እዩ) ብመሰረት ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከም ዘለዉ እዩ። እዞም ናይ ፖለቲካ እሱራት ድማ ኣብ ሕቡኣት ኣብያተ ማእሰርትን ኮንተይንራትን ይሳቐዩ ኣለዉ። ከባቢ ክልተ ሚእቲ ዝኾኑ ዲፕሎማሰኛታትን ካልኡት ፍሉጣት ዜጋታትን ክሳብ ኣብ ክሊ ኢሳያስ ኮይኖም ዘምሓድሩ ዝነበሩ ዜጋታት ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም ዕቑባ ሓቲቶም እዮም። ሓደ ካብኣቶም ድማ ናይ ዜና ሚንስተር ዝነበረ ዓሊ ዓብዱ ኣብ ኣውስትራልያ ተሓቢኡ ይነብር ኣሎ።
ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ እናሓመቐ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን ቁጠባ እታ ሃገር እውን ባይታ ዘቢጡ ይርከብ ኣሎ። ኣብዚ ዘበን ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብድኽነት ዝልለያ ሃገራት እያ። ከባቢ ሰማንያ ሚእታዊት ህዝቢ ኤርትራ ብማሕረስ ዝነበር ኮይኑ ቁጠባ እታ ሃገር ድማ ብጽኑዕ ቁጽጽር እቲ ዝርዓት ይምሓደር። ትሕተ ቅርጻ እታ ሃገር ብሕልፊ ድማ ኣብ ገጠራት ኣብ ዝትሓተ ደረጃ ይርከብ። ኣብ 2008 ኣምባሳደር ማክማለን ኢሳያስ ኣብ ዝዓበየላ ገጠር ጸሎት ብምኻድ ከም ዘስተብሃሎ እዛ ገጠር ከም ኩለን ገጠራት ኤርትራ ብፍጹም ድኽነት እትልለ ምዃና እዩ። ናብ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝልኣኾ ጸብጻብ ይብል ”እዛ ገጠር ካብ ካልኦት ገጠራት ኤርትራ ዝኾነ ሓለፋታት ከምዘይተገብራላ፡ ዋላ እውን ኤሌትሪክ እንተኣተወ ማይ ይኹን ኣገልግሎት ሽንቲ ቤት ዘይብላን ኣብ መንገድታት እታ ገጠር ድማ ኣዝየን ዝዓበራ ከብትን የእዱግን ይውዕልሉ። ካብ ስእነት ምንጪ ጸዓት ዝኣክል ነባሮ እዛ ገጠር ዒባ ከብቲ ይጥቀሙ” ብማለት ጸብጻቡ ኣቕረበ።
ኣብቲ ብዊኪሊክስ ኣብ ቃልዕ ዝወጸ ምስጢራዊ ሰነዳት ዝተረኽበ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቆልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ስድርኡ ኣብ ኣውራጃ ትግራይ ብዝነበሮም ሕርሻ ቡን ይካየዱ ምንባሮም እዩ። እንተኾነ ድሕሪ እዋን እቲ ሕርሻ ቡን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ኣተወ። ኣቦ ኢሳያስ ብዙሕ ግዜ ካብ ስድራቤት ይገሹ ብምንባሮም ኢሳያስ ዝበዝሕ መዋእሉ ብኣዲኡ ጥራይ ተኣልዩ ከምዝዓበየ እዩ። ኣምባሳደር ማክማለን ይብል ”ኣዲኡ ስዋ ብምጽሟቕ ከምዘዕበይኦ ሕጂ ኽኣ ንሱ ቀንዲ ናይ መስተ ግዙእ ኮይኑ ይነበር ከምዘሎ” ምስክሩ ሂቡ።
ኢሳያስ ንቛንቋ ዓረብ ብግቡእ ዝመልኽ ኮይኑ ሓያል ናይ ምጽሓፍ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ይፍለጥ። መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ግዜ ሱሳታት ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንምቕሳም ናብ ቻይና ተላኢኹ ነበረ። ኣብ ቻይና ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ድማ ሰዓቢ ማኦ ዜ ዱንግ ኮነ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ በቲ ቻይና ኣብ ኤኮኖምያዊ ጉዕዞኣ ዝገበረቶ ለውጢ ሕጉስ ከምዘይኮነ ንኣምባሳደር ቻይና ገሊጹሉ እዩ።
ንኢሳያስ ካብ ስልጣን ንምዕላው ብሕልፊ’ኳ ብመራሕቲ ሰራዊት ፈተነታት ተኻይዱ እዩ፡ እንተኾነ ኢሳያስ ክሳብ ሕጂ ካብዚ ፈተነታት ከምልጥ ክኢሉ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝሓለፈ ጥሪ ብመራሕቲ ሰራዊት ዝተኻየደ ኣድማ ንቲቪ ስተሽትን ብምቁጽጻር ኣብ ኤርትራ ለውጥታት ክትኣታቶን እሱራት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍትሑን ጠሊቦም ነበሩ። ካብ ስርዓት ህግደፍ ነዚ ፍጻመ ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ኣዕጋቢ መልሲ ዋላ ኣይውሃቦ እቲ ዝተኻየደ ኣድማ ፈተነ ዕልዋ ከምዝነበረ ግን ይጥርጠር።
ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ምስ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑን ኣብ ሽወደን ምስ ዝነብሩን ዝገበሮ ቃለ ምልልስ ይብሉ ”ሰራዊት ንስርዓት ህግደፍ ዘይኮነ ንኢሳያስ ጥራይ እዩ ክኣሊ ዝደለየ” ዝብል መልሲ ሂቦም።
እቲ ንኢሳያስ ኣገዳሲ ዕርዲ ኮይንዎ ዝጸንሐን ዘሎን ብቅሩጽ ፍርሂ (paranoia) ዝሳቐ ምዃኑ እዩ። ካብ ፍርሂ ዝተላዕለ ንኣመሓደርትን መራሕቲ ሰራዊትን ብቐጻሊ ናይ ስልጣንን ቦታታት ምቅይያርን ይገብር ብኣንጻሩ ንዕኡ ዝካላኸል መርበብ ስለያን ጸጥታን ብቐጻሊ ኣብ ምሕያል ይርከብ። ኣምባሳደር ማክማለን ከምዝጠቕሶ ”ኢሳያስ ብተሌፎን ምዝራብ ኣየዘውትርን እዩ፡ መታን ዕልዋ ወይ ድማ ፈተነ ቅትለ ንምክልኻል ብቐጻሊ ዝሓድረሉ ቦታታት ይቕይር። ኣብ ኣብያተ መግቢ ንኽምገብ ኣብ ዝቕረበሉ እዋን ፒያቲ ምስ ናይ ጸጥታ ሓለውቱ ይቕይር እዚ ኸኣ ንኸይምረዝ ካብ ዘለዎ ስግኣታት እዩ። ኢሳያስ ብዛዕባ ዝበልዖ መግቢ፣ መደቀሲኡ፣ ሓለውቱ ምሉእ ቁጽጽር ኣለዎ። ኮታ ዝኾነ ንድሕነቱን ስልጣኑን ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ምልኡ ቁጽጽር ኣለዎ ” ክብል ይገልጾ። ካብቶም ዓቀብቲ ሰላም ዝነበሩ ኣዘዝቲ ዘዕልልዎ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ መንበሪ ቤቱ እንከሎ ብሚሳይል ከይቀትልዎ ስግኣታት ከምዘለዎ እዩ። ካልእ ሰነዳት ዊኪሊክስ ብባህርያት ኢሳያስ ዝምልከት ዘቃልዕዎ ጉዳያት እንተልዩ፡ ኢሳያስ ብንኣሽቱ ነገራት ዝቑጣዕ ምዃኑ እዩ። ሓደ ነዚ ጉዳይ ካብ ዘረጋግጹ ፍጻመታት ኣብ ጥሪ 2008 ዝተረኽበ ፍጻም ብዝምልከት ኣምባሳደር ማክማለን ዝሃብዎ ቃለ ምስክር እዩ። ኢሳያስ ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዕዱም ኮይኑ ዝመጻሉ እዋን እዩ ዝነበረ፡ ኣብቲ እዋን ምስ ኣማኻሪኡ ብዘይምርድዳእ ኣዝዩ ነዲሩ ክዛረብ ይጅምር። እዚ ከኣ ኣማኻሪ ንብዓልቲ ቤት ኢሳያስ ዘምጻላ ፍረ ኮሚደረ ዝምልከት ኮይኑ ወይዘሮ ሳባ ፍረ ኮሚደረ ድሕሪ ምዝርኣ እቲ ዝቦቐለ ኮሚደረ ኣብ ክንዲ ከም ልሙድ ግዝፍ ዝበለ ዝኸውን ኣዝዩ ደቀቐቲ ኮይኑ ብምፍራዩ እዩ። ኢሳያስ ነዚ ኣመልኪቱ ዘይዕግበቱ ንኣማኻሪኡ ድሕሪ ምሕባር ወዮ ኣማኻሪ እቲ ኮሚደረ ደቀቕቲ ኮይኑ ዝፈረየ ካብቲ ፍረ ምዃኑ (ዝተፈላለየ ግዝፊ ዘለዎ ኮሚደረ ዘብቁል ፍረታት ብምህላዉ) ድሕሪ ምሕባሩ፡ በዚ መግለጺ ብዘይምዕጋቡ ኣዝዩ ዝነደረ ኢሳያስ ነቲ ዝተገብረሉ ዕድመ ራሕሪሑ ምኻዱ እዩ።
ክሳብ ሕጂ ኢሳያስ ስልጣን ንኽገድፍ ዘምልክት ዝኾነ ነገር የልቦን፡ ሽግር ኤርትራ እንተኾነ’ውን ጌና ዝተወድአ ኣይመስልን። ነዚ ኸኣ ባዕሉ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣረጋጊጽዎ እዩ። ኣብ 2008 ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ንኽገብር ዝኸደ ኣባል ፓርላማ ጀርመን ምስ ኢሳያስ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ኢሳያስ ምሉእ ጥዕና ከምዘለዎን ጌና ንኣርብዓ ወይ ሓምሳ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘለዎ መደብን ድሌትን ኣብሪህዎ እዩ
ምንጪ ሓበሬታ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ጋዜጠኛ Kassem Hamadé
11 july 2014 ትርጉም ኤዲቶርያል ቦርድ