ካብ ቤት ጽሕፍት ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኣሜሪካ መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ንሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ንመፍታሕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዋላ እንተኣመጐሰ ብኣንጻሩ እቲ ምእሳር ኤርትራውያን ካብኦም ክሳብ ዓሰርተሸውዓት ዝበጽሑ ካልኦት ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም ዜጋታት ይቕጽል ብምህላዉ ዘለዎ ዕቃበታት ገሊጹ። በዚ ኣጋጣሚ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ድሮ ኣሲርዎም ዘለዉ ዓሰርተሸውዓት ጋዜጠኛታት፣ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነታቶም ዝትኣስሩ፣ ጉጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ ከምኡ ድማ ካልኦት ዜጋታት ንኽፈትሕ ጻዊዕቱ የቕርብ። ምፍታሕ ኣብ ማሕዩር ዘለዉ ኤርትራውያን ፈላሚ ስጉምቲ ኮይኑ ኣብ ምውሓስ መሰል ደቂሰባትን ምኽባር መሰላት ኤርትራውያን ዜጋታት ንከኽብር ዳግማይ ጻዊዒት ኣቕሪቡ። 29 ጥሪ 2015 ቤትጽሕፍ ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኣሜሪካ |
Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.