ዓለም ሰሚዓዶ???????

ኣውያትናን! መርድእናን ዓለም ሰሚዓዶ?????

ብኽያትናን!! ቃንዛናን!! ሓዘንናን!! ተነጊሩዶ???

ዝሓለፈ ኩሉ!!! ሽግራና!! ኣርዲእኩሞዶ???

ጸገምና በዚሑ!!በየናይ ጀሚረ በየናይ ክውድእ

መንእሰይ ሃገርረይ! ኣብ ዝኸዶ ይብል ድፍእ

መሲሉና ዝተቃለስና!! ካብ ሽግር ንኽወጽእ

እናሓደረ ዝግንፍል፡ ድቕድቕ ጸላም ዘይጠፍእ

ንገሩለይ ንዓለም፡ ብርሃን ሃገረይ ንኽመጽእ

ህዝበይ!!ሕበርሞ! ንጻላኢና ከነብሎ ድፍእ።

ዓው ኢልካዶ!! ተነግረ ኣብ ሳሕል ዝሓለፈ

ሂወት ጀጋኑና ኣብዘይ ግዜኡ ዝተኾልፈ

ኣብ ኣስመራ ምስ ተኣትወ፡ ኣብ ጸላም ዝሓለፈ

ናይ ስንኩላን!!! ተነጊሩሎምዶ! ሓደ ከይተረፈ።

ኣብ ዒራዒሮ ዘሎ!! ዝተፈጸመ ኣብ ዊዓ

ወዶም ጓሎም፡ ኣብ ኮንተይነር ክቕጻዓ

ተሓቢኡ ከይተርፍ፡ ኩለን ሃገራት ይስማዓ

ምረት ናይ ወላዲ ከይኣክል፡ ኣደታት ክነብዓ

ወራዙት ሃገርይ ተዋረዳ፡ ጸገመን ከይተሰምዓ

ኣብ ስደት ኮነ፡ ኣብ ዓደን ተሪፈን ብዘይ ቖልዓ።

ህጻናት ሃገረይ ትምህርቶም ምስኮነ በባትረ

ተስፋ ምስ ቀበጹ፡ ትምኒቱም ምስ ሓረረ

ንገሩሎም፡ ንስደት ክሰግር ኣብ ዶብ ዝተገብረ

ህጻንዩ! ከይበልካ ክቑሎቡ፡ ብጥይት ብዓረረ

ዝዓበዩን ዝነኣሱን፡ ተረሸኑ ብዘይሰዳድ ወረ።

ሃለውት ሃገር ሓሲሙ፡ ተሳእነ ዋላ ጥረምረ

ሃጽ በለ ንስደት፡ በለ ይኹን ካብ ዕረ!!ዝመረረ።

መናእሰይ ዓደይ ረኸብቲ መከራ

ብወልዶም ዘይተወድኤ መሰል ኮነ ሓራ

ወለዶም ተቓሊሶም፡ ጎይዮም ከምጽኡዋ ባንደራ

ጥራሕ ነጻነት ኣይኮነን፡ ዘድልዮ ህዝቢ ኤርትራ

ሕግን፡ ስርዓትን፡ ቕዋምን እዩ ንሕዝቢ ዘንብራ

ቅዋም ምስ ጠፍኤ፡ ህዝብና ኣብ ግዳም ሰፈራ።

ሽሻይ ከሎ ኣብ ሃገርና

ኣማዕዲና፡ ክንርኢ ተፈሪድና

ምስ ልብና ከለና፡ ደቑርና

እናርኤና ዓይንና፡ ዓወርና

እናሰማዕና ኣእዛንና፡ ጸመምና

በገዛእ ሃገርና፡ ጓኖት ኮና

ደሚሕት ቸቸ፡ እናበሉ ኣብ ሃገርና

ሳኣን ቅዋም ፡ንነብረ ተዋሪድና።

ህዝብና የውርደሉ ዕርቂ

ሓቢርና ክንዝቲ ክንፈልጥ ሓቂ

ብሰላም ክነብር ከነለልዮ ንጸይቂ

ኣብ ትሕቲ ሕጊ የልቦን ሰራቒ።

ይኣክል ዝሓለፈ ጸገም

ይወዳእ እቲኹሉ መርገም

መግዛእት ዓመጽቲ ይገዘም

መንደፍ ዝመልሓሶም ይለጎም።

ዓዲ ጀጋኑዶ ኣብዚ ምወደቐ

ጅግንነት ኣጥፊእካ! ስደት ትድቅደቐ

ኣብ ኢድ ረሳይዳዶ! ጎበዝ ምሓቐቐ

ኣብ ኢድ በደውንዶ! ኩሊት ምተዞቐ

ኣብ ሊብያዶ ብጋለዶ! ክሳዱ ምደቐቐ

ይኣኽለና!! ይኣኽለና!! በቃ!! ምምጽዳቐ።

ኣብ ጀነቫ ዝወዓልኩም ብሓበራ

ቀላጽምኩም ኣጽንዑወን፡ ደጊመን ይትረራ

ኣደልዲኩም ዕተሩወን፡ ዓትዕትወን ይስመራ

ገና ቀጻሊ እዩ!! ቃልስና ኣሎገና ብኹምራ።

ማፍያ ህግደፍ ታሪኾም እዞም ሓተላ

ኣምበሳደራቶም ነንስቶም ዘእትዉ ናብ ሸላ

ኣዘኽተምቲ ደቆም፡ ነንስቶም ዘብልዑ ብሽላ

ስጋ ሰብ ዝቐለቦም፡ መጸይቲ ደም ድራኩላ

ዓላምኦም ከጽንትዋ ሃገና፡ ወራሲ ዘይብላ።

ረጋቢት ጀንቫውን!! ኣብ ኩሉ ብረራ

ንህዝብና ንገራኦ፡ ቀልጢፍክን ፍትሒ ኣበስራ

ቕዋምን ሕግን ክዓስል ኣብ ኣስመራ

ክሕደትን! ጥልመትን! ጠፊኤን ክሓራ

ዝተሰደ ክንምለስ፡ ነናብ ዓዱ ምስክብራ

ተወዲኡ ሽግር ኢልና፡ ክንዝምረላ ንኤርትራ።

ውድቀት ንማፍያ ህግደፍ

ሕጊ ይንገስ!!!!!!

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ዘቢሄረ ሰራየ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያን 26 ሰነ 2015