ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኖርወይ ዕቕባ ይሓቱ ከም ዝጸንሑ ተፈሊጡ

ህዝቢ ኤርትራ ብምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ተበሳቢሱ ዝፈትዋ ሃገሩ ራሕሪሑ ኣብ ፈቐድኡ የመርሕ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሽግር ኤርትራውያን ካብተን ኣቓልቦ ብምሃብ ስደተኘታት ኤርትራውያን ካብ ዝቕበላን ዘአንግዳን ዘለዋ ሃገራት ስካንዲናቭያ ሓንቲ ኖርወይ እያ። እንተኾነ ካብቶም ኣደዳ ግፍዕን ሞትን ዝድሓኑን ዑቕባ ዝረኸቡን ኤርትራውያን ዋላ ኣብ ስደት ዝነብርሉ ሸግራቶም ብምልላይ ፍታሕ ንኸየናድዩ ካብኡ ሓሊፎም ድማ ንምዝመዛ ስርዓት ህግደፍ ንክቓልዑን ኩሉ ንጥፈታቶም ንኽከታተሉን ልኡኻት ስርዓት ህግደፍ ኣብተን ዑቕባ ዝህባ ዘለዋ ሃገራት ዑቕባ ብምሕታት መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምርካቦም ስለያዊ ስርሓቶም የካይዱ ኣለዉ።

ከምቲ ወዲ ድሙስ ነይገድፍ ግብረ እሙ ዝብሃል እዞም ልኡኻት ድማ ኤርትራውያን ብማሕበራት ተጠርኒፎም ኣብ ስድት ንዘጓንፎም ሽግራት ንኸይፈትሑ ኤርትራውያን ማሕበራት ኣብ ምብታን፤ በብዝኣምንዎ እምነት ጸሎት ንኸየብጽሑ ካህናትን ዲያቆናትን ተመሲሎም ንቓልሲ ደለይቲ ፍትሒ ዘልምስ መርዛም ስብከታት ኣብ ምዝርጋሕ፤ ንጥፈታት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣለዉ። ነዚ ብዝምልከት ጋዜጠኛታት ኖርወይ ብዝገበርዎ መጽናዕቲ ንሓደ ኣብ ኖርወይ ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ ብዛዕባ ሓደ ዑቕባ ዝረኸበን ደጋፊ ስርዓት ህግደፍን ዝኾነ ዝሃቦ ምስክርነት ብኸምዚ ኣገባብ ሰኒዶሞ ኣለዉ “እዚ ቀንዲ ስርሑ ኢለ ዝኣምን ነቲ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ህዝቢ ተኣኻኺቡ ሓድነት ከይፈጥር ከም ሰላይ ኮይኑ ዝሰርሕን ናብቲ ስርዓት ሓበሬታ ዘቀባብል እዩ። እምብኣር እቶም ካብ ሃገርና ደፊኦም ዘውጹና ናብዚ ክመጹ እንተጀሚሮም ንዓይን ነቶም ከማይ ዝመሰሉን ንስርዓት ህግደፍ ዘይንድግፍ ኣብ ሂወትና ስግኣት ኣሎና ማለት እዩ” ክብል ምስክርነቱ ሂቡ ኣሎ። እዚ እብ ኖርወይ ዑቕባ ሓቲቱ ጌና ደገፉ ንስርዓት ህግደፍ ዝቐጽል ዘሎ ብሰበስልጣን ኖርወይ ብዛዕባ ንጥፈታቱ ስለምንታይ ተባሂሉ ምስ ተሓተ ደጋፊ ስርዓት ህግደፍ ዘይምዃኑ ከመሳመስ እዩ ዝፈተነ።

ካብዚ ኩሉ ስደተኛ ኤርትራዊ ክምሃሮ ዘለዎ ጉዳይ፡ ተደናጊርካ ይኹን ረብሓታት ክረክብ ይኽእል ይኸውን ብማለት ብስርዓት ህግደፍ ተባሪረ ብማለት ዕቑባ ድሕሪ ምሕታት ነቲ ስርዓት ኣብ ምድጋፍ ምስ ዝርከብ ናይ ፍቐድ ምስሓብን ነቲ ተዋሂቡ ዝጸንሐ ናይ ዑቕባ መሰል ምስኣንን ከስዕብ ከምዝኽእል እዩ። ሰለዚ ብቐንዱ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ዝገበረ ስርዓት ምድጋፍ ስቓይ ኤርትራውያን ምንዋሕ ብምዃኑ ካብዚ ተግባር ምቑጣብ ካብኡ ሓሊፉ ድማ እዚ ተግባር ንዘይተደልየ ሽግራት ዘሳጥሕ ብምዃኑ ንዝወስድዎ ውሳነታት ብምሕሳብን ምስትብሃልን ድኣም’ብር በቶም ውሑዳት ልኡኻት ናይቲ ስርዓት ንኸይከውን ምጥንቃቕ ዘድልዮ ጉዳይ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

ነዚ ዜና ብዩቲዩብ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ንምክትታል ይክኣል

https://www.youtube.com/watch?v=8scf-OZ2kls

ምንጪ ሓበሬታ ማዕከናት ኖርወይ ትርጉም ኤዲቶርያል ቦርድ