ኣብ ዝተፈለለየ ከባቢታት ኤርትራ ጽዑቕ ግፋ ከም ዘሎ ተፈሊጡ

Written by BBC
ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ጽዑቕ ግፋ ክካየድ ከምዝቐነየን ገና ይቕጽል ከም ዘሎን ምንጭታት ካብ ኤርትራ ገሊጾም። እቲ ግፋ፡ ኣብ ከረን፡ ሓጋዝ ኣቑርደት ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ከባቢታት ኤርትራ ከምዝተኻየደ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም። ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነፈሲ ወከፍ ኣባይቲ እናፈተሹን ኣብ ጎደናታት ንዝረኸቡዎም መንእሰያትን ይገፉ ምህላዎም እቲ ምንጭታት ይሕብር። ኣብ ሓጋዝ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራዊት ምክልኻል ኣብቲ ጎደናታት ደድሕሪ ነብሶም ከድሕኑ ዝፍትኑ ዝነበሩ መንእሰያት እናጎየዩ በባትር ክኹብኩቡዎም ከምዝተራእዩ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ምኽንያት እቲ ግፋ ዋላ እኳ ብንጹር እንተዘይተፈልጠ፡ ብፍላይ ኣብ ከረን ኣብ ኣብ መናድቕ ”ይኣክል” ዝብል ጽሑፋት ከምዝተለጠፈን፡ እቲ ግፋን ምናልባት ምስኡ ዝተኣሳሰር ከይከውን ዝብል ግምት ከምዘሎ ምንጭታትና ኣረዲኦም። ብኻልእ ወገን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ፡ መንእሰያት ንሳዋ ‘ኣይንወርድን’ ኢና ይብሉ ከምዘለው፤ ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ሓያሎ ምምሕዳራት ንስድራ ቤታታት ኣኪቦም “ደቅኹም ንሳዋ እንተዘይወሪዶም ብጥረ ገንዘብ ክትቅጽዑ ኢኹም” ዝብል መጠንቀቕታ ይወሃቦም ከምዘሎ ይግለጽ። ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት መንግስቲ ነተን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝውነና ማእከላት ጥዕና ምህጋሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣስመራ “ይኣክል” ዝብል ጽሑፍ ኣብ መናድቕ ይጸሓፍን ጽዑቕ ግፋ ይካየድ ብምህላውን ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሩሉ ምህላው እቲ ምንጭታት ይሕብር። ብኻልእ ወገን እውን ብሰንኪ ምዕጻው ዶባት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ጅቡትን ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ብምውሳኹ ህዝቢ ይማረር ምህላው ኣረዲኦም።