ጋዜጣዊ መግለጺ

ዋዕላ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣመሪካ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ንህላዌኣ ዝደናደን ጽንኩር ኩነታት ኣብ ዘላትሉ እዋን፣ ካብ – ይኣክል ናብ ይከኣል – ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፣ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኩሉ ክፍለ ሃገራት ኣሜሪካን ካናዳን ዝተሳተፈኦ ፣ ካብ 8 – 9 ለካቲት 2020 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዕዉት ዋዕላ ኣካይደና። ኣብዚ ዋዕላዚ ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ነብስና ወዲብና ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብና ልዑል ተራ ክንጻወት ወሲና። ነዚ ውሳኔ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፣ ብወለንተአን ኣወሃሃድቲ ክኾና ፍቓደኛታት ዝኽና ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ፣ ነቲ ናይ ነብሰ ውደባ መስርሕ ክጅምርኦ ተወሲኑ። ተሳተፍቲ ዋዕላ ነናብ ቦታና ተመሊስና፣ ናይ ከባቢና ደቂ ኣንስትዮ ክንጥርነፍን፣ ጥርናፈና ከነሐይልን፣ ወከልትና ክንመርጽን፣ ናይ ከተማታትና ወከልቲ ብምልኣኽ ናይ ኩለን ከተማታት ወከልቲ ዘሳተፈ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ጥርናፈ ክንፈጥር ወሲና። ከምኡውን፣ ታሪኻዊ ዋዕላ ኤርትራውያና ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣሜሪክ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ኣሕሊፍና፦     1. ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይኣቱን እዩ ፣ 2. ዶብና መጣልዒ ውልቀ-መላኺ ስለዘይኮነ ፣ ብቕጽበት ክሕንጸጽ፣ 3. ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ብህጹጽ ክፍትሑ፣ 4. ሃገርና ብቅዋምን ልዕልና-ሕግን ክትመሓደር እምበር፣ ብውልቀሰብ ክትምራሕ ኣይነፍቅድን፣ 5. ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ደው ክብል ንጽውዕ፣ 6. ህዝቢ ኤርትራ ነዲሩ ዝጀመሮ ናይ ይኣክል ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክቕጽልን ኩሉ ህዝቢ ክሳተፎን ንጽውዕ፣ 7. ምእንቲ ፍትሒ ዝቃልሱ ሓይልታት ተቓውሞ፣ ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ወዲቑሉ ኣብ ዘሎ ህሞት ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ሓደ ኢድ ኮይኖም ክሰርሑ ተደላይነቱ ህጹጽ ስለዝኾነ፣ ሓቢሮም ክሰርሑ ንጽውዕ፣ 8. እንተ ብፍላጥ እንተ ብዘይፍላጥ ነመላኺ ስርዓት ዘገልግላ ደቂ ኣንስትዮ ምሳና ተጸንቢረን፣ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክቃለሳ ንጽውዕ፣ 9. ኣብ ምእንቲ ፍትሕን ሓርነትን ዝካየድ ቃልሲ ህዝብናን፣ ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ኣተኵርና ክንቃልሰ ኢና፣ 10. ሞያውያን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን በብሞያኦም ተራኺቦም፣ ኣብ ግዚ ውድቀት ህግደፍ ሃገርና ንምህናጽ ዝገብርዎ ምድላዋትን ተበግሶታትን ንድግፍን ነተባብዕን። 11. ምልካዊ ጉጅለ ህዝቢ ክኸፋፍል ዝጥቀሙሉ ሜላታትን ሽርሕታትን ክንነቕሓሉን፣ ኣብ ክንዲ ተመቓቒልና መፍቶቱ ንኸውን፣ ነቲ ሰራም ከፋፋሊን መቓቓሊን ስልትታቱን ሽርሕታቱን ብስሙር ድምጺ ክንነጽጎን ክነፍሽሎን ንጽውዕ። ነጻን ልዑልዊትን ኤርትራ ንዘለዓለም ትንበርንጡፍ ግደን ሓይልን ደቂ ኣንስትዮ ንፍትሒ ሓርነትን ይዓምብብፍትሒ ይንገስ ምልኪ ይፍረስክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና ዋዕላ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሰሜን ኣሜሪካ10 ለካቲት 2020

Eritrea: Human Rights Council Holds Separate Interactive Dialogues On Situations in the Palestinian Occupied Territory and in Eritrea

Written by VallAfricaHuman Rights Council 26 February 2020 The Human Rights Council this afternoon held separate interactive dialogues on the report of the High Commissioner for Human Rights on ensuring accountability for all violations of international law in the occupied Palestinian territory, and on the oral update of the Special Rapporteur on the situation of…

ኣብ ዝተፈለለየ ከባቢታት ኤርትራ ጽዑቕ ግፋ ከም ዘሎ ተፈሊጡ

Written by BBCኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ጽዑቕ ግፋ ክካየድ ከምዝቐነየን ገና ይቕጽል ከም ዘሎን ምንጭታት ካብ ኤርትራ ገሊጾም። እቲ ግፋ፡ ኣብ ከረን፡ ሓጋዝ ኣቑርደት ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ከባቢታት ኤርትራ ከምዝተኻየደ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም። ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነፈሲ ወከፍ ኣባይቲ እናፈተሹን ኣብ ጎደናታት ንዝረኸቡዎም መንእሰያትን ይገፉ ምህላዎም እቲ ምንጭታት ይሕብር። ኣብ ሓጋዝ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራዊት…

መንግስቲ ኖርወይ ሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን ደጊሙ ክረአ ምሕታቱ ንብዙሓት ኣሻቒሉ

Written by BBCዳይሬክተር ኢምግሬሽን ኖርወይ፡ ብምድንጋር ዑቕባ ዝረኽቡ ስደተኛታት ንምቅላዕ ዝሕግዝ ኣሰራርሓ ከተኣታቱን ንሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን ደጊሙ ክርእይን ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ሓቲቱ። እቲ ጉዳይ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ፡ ነቲ ሕጊ ናይ ስደተኛታት ናይታ ሃገርን፡ ሕቶ ዑቕበኦም ቅቡል ክንሱ ኣንጻር እቲ ዑቕባ ንኽረኽቡ ዝቐረብዎ…