ሲፒጄ፡ ንኤርትራ ብሳንሱር ኣብ ቅድሚት ሰሪዑዋ
Written by BBC ኤርትራ ብሳንሱር (መመያ) ኣብ ዓለምና ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ምዃና ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ሲፒጄ፡ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ግን ንጸብጻብ ሲፒጄ ኣመልኪቱ ብትዊትር ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣልጀዚራን ሲፒጄን ብዘይ እኹል መጽናዕቲ ንኤርትራ ‘ካብ ሓበሬታ ዕጽውቲ እያ’ ምባሎም ሓሶት እዩ ኢሉ። እቲ ንነጻነት ፕረስ ዝጣበቕ…