ሂውማን ራይትስ ዎች፡ ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ኣየርአየትን ክብል ነቒፉ
written by BBCዓለም ለኸ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሂውማን ራይትስ ዎች፤ ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ ዓመታዊ ጻብጻብ፡ ኤርትራ ሕጂ’ውን ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ምምሕያሽ ኣየርአየትን ክብል ነቒፉ። ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕርቂ ምውራዱን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ምልዓሉን ስዒቡ፡ ኣብታ ሃገር አወንታዊ ለውጢ ክረአ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ ይብል። “እንተዀነ፡ ወላ እዚ ለውጥታት…