ህቡብ ስነ ጥበባዊ ዑስማን ዓብደልረሒም ብዕለት 7 መስከረም 2024 ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።
ዑስማን ዓብደልረሒም ብ1948 ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ተወሊዱ ኣብ ብርክት ዝበላ ባንድ ብምስታፍ ብዙሓት ዜማታት ዘፍረየ ስነጥበባዊ እዩ ዝነበረ። ዑስማን ካብ ዘቕረቦም ዜማታት ንፍቕሪ፣ ንጽባቐ ሃገርና ከምኡ ድማ ንህዝቢ ዝጉስጕሱን ተስፋ ዝህቡን ዜማታት ብምፍራይ ኣብ ታሪኽ ስነጥበብ ሃገርና ዓቢ ኣስተዋጽኦ ብምግባሩ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ክዝከር ክነብር እዩ።
ሞት ንኹልና ዘይተርፍ ትዕልድልቲ ኮይኑ እንሆ ዑስማን ዓብደልረሒም ብሞት ካብ ተፈልየና ንዑስማን ናይ ዘልኣለም ዕረፍቲ ንስድራቤት ድማ ጽንዓት ይሃብ።