ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ንፈስቲቫል ኤርትራ ክትህቦ ዝጸንሐት ደገፍ ስሒባ

ባህላዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ስካንዲናቭያ ካብ 1990ታት ኣትሒዙ ኣብ ያርቫ ፈልተት ዝብሃል ናይ ሕርሻ ቦታ ክካየድ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ፈስቲቫል ንስርዓት መንግስት ኤርትራ ዝድግፉ ብምዕዳም ድማ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ። ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ነዞም ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ናይ መብራህትን ማይን ኣገልግሎት ክጥቀሙ ኣፍቂድሎም ከም ዝጸንሐ ድማ ይፍለጥ።

ኣብዚ ዓመት እዚ ግን ኣካየድቲ ያርቫ ፎልክ ንበዓል ባህሊ ዝኸውን ቀጽሪ ከይካረዩን ኣገልግሎት መብራህትን ማይን ከይረኽቡን ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ማለት ድሕሪ’ቲ ዓሚ ዘጓነፈ ናዕቢ ዝተሓወሶ ሓያል ተቓውሞ መንእሰያት እዚ ክውሃብ ዝጸንሐ ሓገዛት የብቅዕ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ብተወሳኺ ኣባል ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራት ዝኾነት ወይዘሮ ካሪን ዋንግርድ ትብል “እቶም ካብቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ሃዲሞም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ዝሓተቱ ምሉእ ውሕስነት ክስምዖም እደሊ” ብማለት ነቲ ብልኡኻትን ደግፍቲ ስርዓት ህግደፍ ክካየድ ዝጸንሐ ዘይሕጋዊ መስርሕ ከም ትቃወሞ ብንጹር ኣፍሊጣ ኣላ።

ተመሳሳሊ መርገጻት ድሮ ኣብ ኖርወይ ዝተወስደ ኮይኑ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ እንተኾነ እውን ከምዞም ዝተጠቕሱ መርገጻት ክውሰዱ ትጽቢት ከም ዝግበር ብርክት ዝበሉ ምንጭታት ይሕብሩ።

ምንጪ ሓበሬታ ዳገንስ ኒሀተር (ጋዜጣ ሽወደን)

8-3-2024

ትርጉም ኤዲቶርያል ቦርድ