ህልዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ዘካየድዎ መደረ
ሓንቲ ካብ ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝገበረቶ መደረ፡ ምኽባር መሰረታውያን መሰላት ደቂ ሰባት ሓደ ካብ እምነ ኩርናዕ መትከል ሕብረት ኤውሮጳን መሰረት ምስ መንግስታት (ንኤርትራ ሓዊስካ) ዝካየድ ፖለቲካዊ ዘተ እዩ። እዚ መሰረት ብምግባር ድማ ጥሕሰት ምኽባር መሰል ደቂ ስባት ብምልዓል ዘሎና ዕቃበታት ንዛረበሎም ኤርትራ ድማ እቶም መሰረታውያን መሰል ደቂ ሰባት ከተኽብር ከም ዘለዋ ንጠልብ። ብተወሳኺ ኤርትራዊ ሽወድናዊ ዜጋ…