ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ
ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክዝከር ዝጀመረሉ ዓመት ብርግጽ እኳ እንተዘይተፈልጠ ኣብ ከባቢ 1908 ግን ከባቢ 15 000 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ ደቂ ኣንስትዮ መስል ምስታፍ ኣብ ምርጻ ንኽውሓሰለን፣ ናይ ደሞዝ ምምሕያሽ ክግበረለንን ዝሓጸረ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክግበረልን ጠለባተን ኣቕረባ። ብ1910 ክላራ ዘትኪን ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንኽብዓል ሓሳብ ኣቕረበት፡ ኣብቲ ካብ 17 ሃገራት…