ብሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ንዓውደ መጽናዕቲ ዝቐረበ

1. መእተዊ

· ኣብ ሰውራዊ ታሪኽና ንቓልሲ ነጻነት ዝዓናቕፉ ጽንኩር ኩነታት ምስ ዘጋጥሙና ህዝቢ ኤርትራ “ሃገራዊ ዋዕላ ዝብል” ጭርሖ የልዕል፤ እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ቀሪቡ ዘሎ ጠለብ ሃገራዊ ዋዕላ እምበኣር መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተሰረተ ባህሊ እዩ።

· ብሰንኪ ውሽጣዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ግዳማዊ ውግኣትን ዝወደቑና ሃገራዊ ዕንወታት ንጠለባት ሃገራዊ ዕርቅን ድሕነትን ፍሉይ ጠመተ ክንህቦምን ብቐዳምነት ክንሰርዖምን ኣድላዪ እዩ። እዞም ዝተጠቕሱ ጠለባት ንኹሎም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ንሕቶታት ህዝቢ ኣልዒሎም ሃገራዊ ክትዕ ንኸካይዱ ድፍኢት ሂብዎም።

· መሰረታዊ መበገሲ ወፈራ ዕርቂ ነቶም ብጋህዲ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ውድባት ዝተራእዩ ዘይምቅዳዋት ብህጹጽ ፈቲሕካ ዕድመ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝሓጽረሉ መንገድታት ምንዳይ እዩ።

· ንሃገራዊ ዕርቂ ኣገዳሲ ዝገብሮ ካልእ ምኽንያት ንፖለቲካውን ባህላውን ቁስልታት ምፍዋስ ተስፋ ስለ ዝግበረሎም እዩ፤ ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝቀላቐል ካልእ ሕቶ “ልዝብን ሃገራዊ ዕርቅን ምስ ስርዓት ኣስመራ ምውህሃድ” ዝብል እዩ። ገለ ተሓለቕቲ ኣብ መንጎ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ተቓወምቲ ሓይልታትን ብቐዳምነት ዕርቂ ክግበር ይግባእ ይብሉ። እዚ ዓይነት ዕርቂ ብቻርተር ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ኣብ ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባኡ ተነጺጉ እዩ፤ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብኹሉ ኣገባብ ቃልሲ እምበር ብዕርቂ ጥራሕ ከም ዘይቅየር ንጹር እዩ፤ መትከል “ብኹሉ ኣገባብ ቃልሲ” ብስምረት ሓይልታት ተቓውሞምን ዘተኣማምንን ቀጻልን ሓገዝ ገንዘብ ምስ ዝስነ ዓወት ክረጋገጽ ይኽእል።

· ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንሓድነት ህዝብን ሃገርን ዝጠምሩ ማሕበራዊ ፈትልታት ስለ ዝበተኾም ሕቶ ሃገራዊ ድሕነት ንሕቶ ዕርቂ ተኪእዎ ኣሎ። ዝሕለን ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ምስ ዝዕወት ብሓደ ሸነኽ መትከል ሃገራዊ ዕርቂ ይትግበር ብኻልኣይ ሸነኽ ድማ ቃልሲ ኣንጻር ዲክታቶርነት ክድንፍዕ ይኽእል፤ ጻውዒት ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ መበል 18 ፈስቲቫል ከሰል ብህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራን በርጌሳውያን ማሕበራት ተቐባልነት ረኺቡ እዩ።

2. ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግብኦም ረቛሒታት

· ህዝባዊ ስልጣን ክረጋገጽ ዝኽእል ኣብ ሕገ-መንግስቲ (ቅዋም) ዝተመስረተ ብዝሃ-ሰልፍታት ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ፤ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ መንጎ ደሞክራስያውያን ሰልፍታት ንምይይጥ ሰፊሕ ዕድል ክኽፍት ይኽእል።

· ኣብ መንጎ ውድባት ዘለዉ ተጻብኦታት (ኣብ ከም ናትና ዝኣመሰለ ተነካኢ ሕብረተሰብ) ኣሉታዊ ጽልዋ ከንብሩ ስለ ዝኽእሉ መርሆ ሃገራዊ ዕርቂ ካብ ህንጸት ደሞክራስያዊ ስርዓት ተነጺሉ ክርኤ ኣይግባእን፤ ሃገራዊ ስኒት ምስ ደሞክራስያዊ ሕገ-መንግስትን ብዝሃ-ሰልፍታትን ተሰንዩ ዝምዕብል ተርእዩ ደኣ እምበር ከመ-ቅጽበታውን ንጹልን ተርእዩ ኣይኰነን፣

· ቀዳማይ ዕማም ሃገራዊ ዋዕላ ንኹሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ብዘዕግብ ኣገባብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝውገደሉ ፕሮግራም ምስንዳእ ኮይኑ ካልኣይ ዕማሙ ድማ ንተቓወምቲ ሓይልታት ዝጥርንፍ ቅርጻ ምስንዳእ እዩ። ዝህቀን ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ ቅዋም ክነድፍ መሰል የብሉን፤ እንተዀነ ግን ሃገራዊ ዋዕላ ነዞም ኣብ ታሕቲ ብቕደም-ተኸተል ተዘርዚሮም ዘለዉ ነጥብታት ክማያየጠሎም ይኽእል።

3. ከም ሞዴላት ከገልግሉ ዝኽእሉ ስርዓታት

ናብ ህዝቢ ቀሪቦም ኣስተዋጽኦ ከበርክቱ ዝኽእሉ ሞዴላት እስከ ንጥቀስ። እቲ ክትዕ እንዳ ማዕበለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ብዘይካ ኣብዚ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብነታት ካልኦት ሞዴላት ክምዕብሉ ይኽእሉ እዮም፣

ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ

ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ዝሓቘፈ ጽላል ነበረ። እዚ ጽላል’ዚ ኣብ 5ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ንፖለቲካዊ ቻርተሩን ውድባዊ ቅርጻኡን ኣማዕበለ። ነቲ ብጅግንነታዊ ቃልሲ ዝተጠርየ ነጻነት ልኡላውነትን ሓድነት ህዝብን ምዕቃብ ማእከላዊ ዕላማኡ ምዃኑ ድማ ኣረጋገጸ። ከምኡ’ውን ማዕርነት ሃይሞኖትን መሰል ብሄራትን ኢማእከላዊ ምሕደራን ኣብ ቻርተር ሃ.ም.ኤ. ብንጹር ኣስፈረ። ትግርንያን ዓረብንያን ወግዓዊ ቋንቋታት ኤርትራ ምዃኖምን ብሄራት ኤርትራ ቋንቋታቶም ከማዕብሉ መሰል ከም ዘለዎምን እውን ኣብ ቻርተር ሃ.ም.ኤ. ሰፈረ፤ ንውድባዊ ቅርጻ ብዝምልከት ሃ.ም.ኤ. ክልተ ዝተጣመራ ማእከላት መሪሕነት ኣቕወመ፤ ንሳቶም ከኣ ላዕለዋይ መሪሕነትን ፈጻሚ ሰክረታርያን ነበሩ። ላዕለዋይ መሪሕነት ንኹሎም ኣባላት ውድባት ከም ዝውክል ፈጻሚት ሰክረታርያ ድማ ብወከልቲ ነፍስ-ወከፍ ውድብ ከም ዝቐውም ተገብረ፣ ኩሎም ኣባላት ፈጻሚት ሰክረታርያ መሉእ ጊዜኦም ውፉያት ክዀኑ ተወሰነ። ኣመራርጻ መሪሕነትን ግዜ ኣገልግሎትን እውን ተሓንጸጸ። ኪዳን ኣብ መሰረት ምሕዝነት ዝተነድቀ እምበር መተካእትኡ ኣይኰነን፣ ብቁንጹብ ኣዘራርባ ሞዴል ሃገራዊ ምሕዝነት ወይ ኪዳን ክልተ መለለዪታት ኣለውዎ። ንሳቶም ድማ ሀ) ጽላላዊ ቅርጻን ለ) ኣብ ውሽጦም ድማ ደሞክራስያዊ ጥርናፈን እዮም፣

ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር

ንሞዴል ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ብዝምልከት፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተሞክሮ ተቓወምቲ ሰልፍታት ቻይና ኣንጻር ወራር ጃፓን ብቑዕ መረዳእታ እዩ፤ ብሻንጋይሽክ ዝምራሕ ዝነበረ ሃገራዊ ሓይልን ብማኦ ድዜዱንግ ዝምራሕ ዝነበረ ሰልፊ ኮምኒስትን ንወራር ጓና ሓይሊ ሓቢሮም ክምክቱ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ይትከሉ ድኣ እምበር ድሕሪ ምውጋድ ሓባር ጸላኢ ሓደ ካብዞም ክልተ ሓይልታት ክሳብ ዝዕወት ብዘይ ንሕስያ ከም ዝጣፍኡ ርዱእ ነበረ።

እዚ ሞዴል’ዚ ክልተ ተጻባእቲ ውድባት (ምእንቲ ውድቀት ሓባር ጸላኢ ክብሉ ይጠርነፉ ድኣ እምበር) ድሕሪ ዓወት ኣንጻር ሓባራዊ ጸላኢ ዝምድናኦም ብሓድ-ሕድ ኲናት ወይ ዕልዋ መንግስቲ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ጎነጻዊ ኣገባባት ከም ዝትካእ ይሕብር።

ስሙር ሃገራዊ ግንባር

ክልተ (ወይ ካብኡ ንላዕሊ) ምእንቲ ነጻነት ዝቃለሱ ውድባት ምሉእ ዓቕሞም ኣብ ሓደ ጠርኒፎም ኣንጻር ሓባር ጸላኢ ክቃለሱ ምስ ዝስማምዑ ንሞዴል ስሙር ግንባር ከም ኣግባብ ቃልሲ መሪጾም ክብሃል ይክኣል። ብ1978 ምስ እዚ ኣብነት’ዚ ዝማሳሰል ስምምዕ ኣብ ሞንጎ ህ.

.ሓ.ኤን/ተ.ሓ.ኤን ተፈሪሙ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ኣብ መወዳእትኡ እዚ ተሞክሮ’ዚ ብሓድ-ሕድ ውግእን ውድቀት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ተደምደመ።

ሃገራዊ ባይቶ

ሞዴል ሃገራዊ ባይቶ ንውድባት ኤርትራን ስደተንያታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ኣብ ትሕቲ ሓደ ሕጋዊ ባይቶ ምስ ዝጥርነፍ ግዝያዊ መንግስቲ ንምትካል የመቻችእ፤ ምምስራት ሃገራዊ ባይቶ ሕጋውን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዓለምለኻዊ ጸፍሕታትን ንምጒንጻፍ ይሕግዝ፤ ሞዴል ሃገራዊ ባይቶ ምስ ተመሳሰልቲ ባይቶታት ዓለም ርክባት ክፈጥር ኣይጽግሞን እዩ። ከምኡ እውን መንግስቲ ኣብ ስደት ክቐውም ምቹእ ባይታ ይፈጥር።

ሞግዚታዊ መንግስቲ

መሰረታዊ ዕላማ መንግስቲ ኣብ ስደት ሃገራውን ዓለምለኻዊ ሕጋውነትን ካብ ዲክታተራዊ ስርዓት ምምንጣል እዩ። ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ስደተንያታትን ቤርጌሳዊ ማሕበራትን ዘይሳተፍዎ መንግስቲ ካብ ናይ ዲክታቶር ኣፍወርቂ ኣይፍለይን እዩ።

ሞዴል ውድብ ሓርነት ፍልስጤም (PLO)

ውድብ ሓርነት ፍልስጤም ንዝተፈላለያ ውድባት ፍልስጤም ኣብ ትሕቲ ሓደ ፖለቲካዊ ጽላል ዝጠርነፈ ሓይሊ እዩ። እዚ ሞዴል እዚ ካብ ሞዴል ሃገራዊ ባይቶ ብሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ይፍለ። ንሱ ድማ ውድባት ፍልስጤም ኣብ ዙርያ ‘ፈታሕ’ (እታ ዝዓበየት ውድብ) ስለ ዝተጠርነፉ እዩ፤ እዚ ሞዴል’ዚ ንነኣሽቱ ውድባት ካብ ደሞክራስያዊ ተሳትፎ ይንጽልን ንፖለቲካዊ ስልጣን ድማ ካብ ሰበ-ብረት ናብ ህዝቢ ምርካብ ድላይ ስለ ዘይብሉን ድኹም ሸነኽ ኣለዎ።

ዘተ ስኒት

መሰረታዊ ዕላማ ዘተ ስኒት ነቶም ኣብ መንጎ ተቓጸጽቲ ውድባት ብታሪኻዊ ኣመጻጽኦም ዝተጠርዩ ፍልልያት ንምድምሳስ ዝዓለመ እዩ፤ ንዕላማ ስኒት መንጸፍ ምስ ዝዝርጋሓሉ ተጣበቕቲ ደሞክራስያ ኣብ ትሕቲ ሓደ ስትራተጂ ተጠርኒፎም ዝቃለስሉ መገዲ ክትልሙ ይኽእሉ፤ ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ነዞም ዝስዕቡ ኣርእስትታት ኣብ ዘተ ስኒት ከልዕሉ ይኽእሉ፦

– ሕቶ ስኒት

– ሕቶ ሃገራዊ ድሕነት

– ሕቶ ዲክታቶራዊ ስርዓት ብደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካእ

– ሕቶ ምጥራይ ህዝባዊ ደገፍ

– ሕቶ መጻኢ ዕድል ኤርትራ

4. ምስንዳእ ሃገራዊ ዋዕላ

ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ሞንጎ ፖለቲካዊ ውድባትን ቤርጌሳዊ ማሕበራትን ወከልቲ ስደተንያታትን ብዝብጻሕ ስምምዕ ይትግበር፤ ካብኡ ንንየው ኣንጋዲ ኣካል ይቐውም፣

ኣንጋዲ ኣካል

ንጉባኤታትን ዋዕላታትን ሰሚናራትን ምክያድ ኣጸጋሚ ምዃኑ ኩላትና ንግንዘቦ ጉዳይ እዩ፤ ፈስቲቫል ከሰል ንሃ.ም.ኤ. ብመሰረት ቻርተሩ ሃገራዊ ዋዕላ ከዳልው ከም ዝመዘዞ ፍሉጥ ነበረ፤ ካብዚ ተበጊስና ሃገራዊ ዋዕላ ብሃ.ም.ኤ. ክሰናዳእ ወሲንና ነበርና፤ ሕጂ ድማ ብኪዳን ይሰናዳእ፣

ኣንጋዲ ኣካል ነዞም ዝስዕቡ ኣካላት ከቕውም ይኽእል፦

– ኣሰናዳኢት ሽማግለ

– ሰክረታርያት ዋዕላ

– ሽማግለ ምርጻ

– ምምራጽ ቦታ ዋዕላ

– ሽማግለ ገንዘብ

– ሽማግለ ሓበሬታን ዜናን

– ሽማግለ ጸጥታ

ተሳትፎ

ሃገራዊ ዋዕላ ንኹሎም ተቓወምቲ ሓይልታት የሳትፍ። ንሳቶም ድማ ፖለቲካዊ ውድባትን ቤርጌሳዊ ማሕበራትን ስደተንያታትን እዮም፤ ኩሎም ውድባትን ሰልፍታትን ብዝተዋህቦም ውክልና ኣብ ጉባኤ ይሳተፉ፤ ሃገራዊ ዋዕላ መንጸብረቕታ ቅርጻ ሕብረተሰብና ከም ምዃኑ መጠን ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን ጾታውን ረቛሒታት ኣብ ግምት ክእተዉ ይግባእ፣

ኣሰናዳኢት ሽማገለ

ቀንዲ ስራሕ ኣሰናዳኢት ኮሚቲ ምስንዳእ ጉባኤ እዩ። ስራሕ ሰክረታርያ ምምሕዳር ዋዕላ ይኸውን። ዕማም ሽማገለ ምርጻ ብመሰረት መምሪሒታት ኣንጋዲ ኣካል ጽፉፍ መስርሕ ምርጻ ይትግበር።

ቦታ ዋዕላ

ቦታ ዋዕላ ብኣንጋዲ ኣካል ይውሰን፣

ሽማግለ ሓበሬታን ዜናን

ንኣቓልቦ ሃገራውን ዓለምለኻውን ተገዳስነት ክምስጥ ዝኽእል ጋንታ ሓበሬታን ዜናን ምስራዕ አገዳሲ እዩ፤ ብሓደ ሸነኽ ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ዓለም ቲ.ቪ.ን ኢንተርኔትን ራድዮን ጋዜጣታትን ዝተመርኰሰ ጽዑቕን ቀጻልን ወፈራ ሓበሬታ ምቅላሕን ብኻልኣይ ሸነኽ ድማ ንመርዛዊ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ምእጓልን ተልእኾ ጋንታ ዜና ይኸውን፣

ጉዳይ ጸጥታ

ምስራዕ ጋንታ ጸጥታ ኣብ ዓወት ሃገራዊ ዋዕላ ማእከላዊ ግደ ኣለዎ፤ ጋንታ ጸጥታ ንህይወት ጉብኤንያታት ይከላኸልን ሓበሬታ ይእክብን የጻርን ይግምግምን፣ ጀዋሲስ ህግደፍ ኣብ ጉባኤ ሰሊኾም ከይሳተፉ ምጽራይ ሓላፍነት መራሕቲ ሰልፍታትን ውድባትን እዩ፣

5. ሰነዳት ሃገራዊ ዋዕላ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ብግዜ ዝተግደበ እዩ፤ ኣብዚ ጽሑፍና ንኹሎም ዛዕባታት ዋዕላ ምዝርዛር ባታኡ ኣይኰነን፤ እንተኾነ ግን ሰነዳት ዋዕላ ብጥንቃቐ (ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ተዘጋጅዮም) ኣብ ጉባኤ ምስ ዘይቀርቡ ጉባኤ ክናዋሕ ይኽእል፣

ስትራተጂ ዓወት

ሰነዳት ዋዕላ ኣብ ንጹር ስትራተጂ ዓወትን ጽኑዕ ህንጸት ሓይሊ ተቓውሞ ዝተኰሩ ክዀኑ ይግባእ፣

ድሕሪ ውድቀት ዲክታቶራዊ ስርዓት

ሃገራዊ ዋዕላ ሓዲስ ደሞክራስያዊ ሕጋውነት ምሕንጻጽ ሓላፍነት ኣለዎ፤ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ዝተስማምዑሎም ሓዲስ ሕጋውነት ምስ ዘይስነድ ከክንዲ ኣብ ብዝሃ-ሰልፍታት ዝተመስረተ ደሞክራስያ ዝትከል ሓዲሽ ‘ግዝያዊ መንግስቲ’ ዝስሙ ወተሃደራዊ ዲክታቶርነት ከይምስረት ንሰግእ፣ ካብዚ ስግኣት ተበጊሱ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ሃገራዊ ባይቶን ሞግዚታዊ መንግስትን ክቐውሙ ይላቦ፣

መስርሕ ዋዕላ

ኣሳናኢት ሽማግለን ካልኦት ኮሚቲታትን ስርሖም ብግቡእ ምስ ዝፍጽሙ ጉባኤንያታት ብቕሳነት ኣብ ፕሮግራም ዋዕላ ከተኩሩ ይኽእሉ፤ ኮሚቲ ጸጥታ ንቦታ ዋዕላ ካብ ደገኣውን ውሽጣውን ሓደጋታት ምስ ዝከላኸል፡ ከምኡ እውን ኮሚቲ ዜናን ሓበሬታን ንኪደትን ውጽኢትን ዋዕላ ከምቲ ዝድለ ምስ ዘማልእ፤ ንዓወት ዋዕላ ጥጡሕ ባይታ ተነጺፉ ክብሃል ይከኣል። ስራሕ ዋዕላ ብከምዚ ዝስዕብ ይሰላሰል፦

– ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጸብጻባ ድሕሪ ምቕራብ ካብ ሓላፍነታ ትወርድ

– ሰክረታርያ ዋዕላ ትምረጽ

– ኮሚቲታት መጽናዕትን ምይይጥን ይቐውሙ

– ሰነዳት መጽናዕትን ምይይጥን ድሕሪ ክትዕ ይጸድቕ

– ሽማግለ ምርጻ ይቘውም

– መራሕቲ ይምረጹ

– ሰክረታርያ ዋዕላ ካብ ሓላፍነት ትወርድ

– ሓድሽ መሪሕነት ሓላፍነቱ ይረኻኸብ

………………………………………………………………………………………………………………………………

ካልኣይ ጽሑፍና፦

መትከላት ቻርተር

መትከላት ቻርተር ካብ ቅዋማዊ ሕቶታት ተነጺሮም ክቕመጡ ይግባእ። ማለት ንመትከላት ቻርተር ካብ መትከላት ሕገ-መንግስቲ ምፍላይ ከድልየና እዩ። መትከላት ሕገ-መንግስቲ ህዝቢ ይውስኖም፣ መትከላት ቻርተር ድማ ፖለቲካዊ ውድባት ይውስንዎም።

ፖለቲካዊ ውድባት ስለ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ መትከላት ክቃለሱ ይግባእ፣

· ሃገራዊ ነጻነትን ልኡላውነትን ሓድነት መሬት ኤርትራን ስምረት ህዝባን ክዕቀብ

· ኣብ ሰላምን ስኒትን ስምረትን ዝተሞርኰሰ ሕብረተሰብ ክህነጽ

· ኣብ ደሞክራስን ፍትሕን ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ስርዓት ክቐውም

· መሰላት ብሄራት ክሕለዉ

· መሰል ብሄራት ኤርትራ ቋንቋታተን ከማዕብላን ከዘውትራን

· ማዕርነትን መሰላትን ሃይማኖታት ሕሉዋት ክዀኑ

· ኣብ ጸፍሕታት ዓድን ኣውራጃን ሃገርን ዝተመስረተ ኢማእከላውነት ክትከል

· ኤርትራ ምስ ኩለን ጐረባብታ ብሰላምን ምትሕብባርን ክትነብር

· ምስ ጐረባብታን ካልኦት ዓለምለኻዊ ኣካላትን ዝኣተወቶም ውዕላት ክኽበሩ

· ዲክታቶርነት ብደሞክራስያዊ ስርዓት ክትካእ

· ሃገራዊ ዋዕላ ክዕወት

· ንኹሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝጥርንፍ ሞግዚታዊ መንግስቲ ክቘውም

· ሞግዚታዊ መንግስቲ ሕገ-ሰልፍታትን ሕጊ ምርጻን ክነድፍ

· ቅዋማውን ኣብ ብዝሐ-ሰልፍታትን ዝተመስረተ ስርዓት ክትከል

ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ

Eritrean Congress Party

Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.