ብይን ኮሚሽን ዶብ ኣብ ጉዳይ ካሕሳ (Horn of Africa damages ruling due)

BBC News

Monday, 17 August 2009

ዓለም ለኻዊ ፍርዲ ቤት ነቲ ብ 1998-2000 ብሰበብ ውግእ ዶብ ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ኢትዮጵያን ኤርትራን እንታይ ክክሓሓሳ ከም ዘለወን ክውስን እዩ።

 እዚ ብትማሊ ሰኑይ ዝተዋህበ ናይ መጨረሻ ብይን ውዕል ሰላም ነቲ ልዕሊ 100 000 ሂወት ዘብረሰ ውግእ ዶብ ድማ መደምደምታ ክኸውን እዩ። ብይን ፍርዲ ቤት ዘሀይግ ንክልቲኦም ወገናት ከቐርበሎም ምዃኑ ትሕዝቶ ናይዚ ብይን ድማ ኣብ ቀረባ መዓልታት ክቃላሕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ውሳነ ነቲ ብኽልቲኦም ወገናት ዝተበጽሐ ውዕል ኣልጀርስ ኣብ መደምደምታ ከብጽሖ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ጠጠው ክብል ዝኽኣለ ድሕሪ ቀጠታ ጸቕጢ ፕረሲደንት ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ነበር ቢል ክሊንተን እዩ ዝነበረ።

ጠንቂ ውግእ

ውዕል ኣልጀርስ ድሕሪ ሰራዊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሰፍር ምውሳን፡ ናይ እሱራት ምልውዋጥ ንኽሳለጥ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ነዚ ስራሕ ንምትሕብባር እውን መዘዘ።  

ውዕል ኣልጀርስ ንኽልተ ነጥብታት ብዝምለከት ብይን ከም ዝሃበ ይዝከር፡ ብይን ውዕል ኣልጀርስ ብመጀመርያ ነታ ጠንቂ ውግእ ዝኾነት ቁሸት ባድመ ኣብይ ከም ትርከብ ምውሳን ነበረ። ብይን ናይ ሚያዝያ 2003 ቁሸት ባድመ ኣብ ኤርትራ ከም ትርከብ ብይኑ ሃበ፡ ይኹን ድኣም’በር ነዚ ብይን ብወገን ኢትዮጵያ ምንጻጉ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ጉዳይ ዶብ ክልትኣዊ ዝርርብ ከም ዘድሊ እውን ከም ጠለብ ቀረበ።  

እቲ ካልኣይ ውሳነ ድማ ኣብ ጉዳይ ካሕሳ እዩ። ሳዕቤን ዶባዊ ውግእ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ዝርከባ ገጠራት ከቢድ ማህሰይቲ ኣስዒቡ እዩ፡ እቲ ኣብ ወደባት ኤርትራ ዝነበረ ንብረት ኢትዮጵያ ብኤርትራ ክህገር እንከሎ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበራ ትካላት ኤርትራ ድማ ብኢትዮጵያ ከም ዝትሃገራ ይፍለጥ።  ኮሚሽን ዘሀይግ ነዚ ዝትሃገረ ንብረት ብዝምልከት ደቂቅ መጽናዕቲ ከምዝገበረ ድማ ይፍለጥ።

ውሳን ኮሚሽን ዶብ ብዙሕ ጻዕሪ እኳ እንተገበረ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ግን ሰላም ከምጽእ ኣይክኣለን።  ክሳብ ሕጂ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዓጽዩ ይርከብ፡ እቶም ኣብ ጊዜ ውግእ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝኣተዉ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ጌና ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ምንጪ ሓበሬታ BBC NEWS Sunday, 16 August 2009 23:18 UK

ካብ ቢቢሲ ቃል ብቃል ብ ኤዲቶርያል ቦርድ ዝተተርጎመ