ድሓን ኩን!!! ፍቁር፡ ሓወቦይ ብርሃነ

ሃይለ ገብረ ትንሳኤዘብሄረ ሰራየኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 31 ታህሳስ 2020መልቀስድሓን ኩን!!! ፍቁር፡ ሓወቦይ ብርሃነ!!!!ወየ!!!ወየ!!!ወየ!!!!ወየ ኣነ!!!ወየ ኣነ ወየ ኣነ!!እዚ ፍቁር ሓወቦይ ሞይቱ!!ኣርኪብዎም፡ ነቶም ኣቦታቱኣርኪብወን፡ ነተን ኣደታቱኣርኪብዎም፡ ንዝፈትዎም ኣሕዋቱኣርኪብዎም፡ ዘፍቅሮም ኣዕርኽቱኣቐዲሞም፡ ከይዶም መዓልልቱኣይንበር እዩ፡ በንኻ ከተዘንቱ።ወየ!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!!ሃለቃ ብርሃነ ብዓል ዳምባዓደ ቦኻ ዝተኸበት ብእምባዓዲ ማስ ኣቶኻ ሽሻይ ጸባገልገለ መስቀል ዝመልኦ ዕንባባ።ሃለቃ ብርሃነ ብንእሱዳዊት ተሓንገጠ ኣብ ንእሱናብ ገዳም ከደ ገስጊሱበርኻ ለሰ፡ ጠሓሒሱእንዳ ኣቡነ ብሩኽ፡ ምስል ልግሱትምህርቱ ቀጸለ ኣብርሲስ ርእሱኣቡነ ማሪቆስ ምስ ተመልሱንኣስመራ ወሰድዎ፡ ቆቢዕ ኣብ ርእሱመነኩሳት ቢዘን ኣብ ዝርያኡ ፈሰሱ።ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!ሃለቃ ብርሃነ ወዲ ኣባ ማርቆስዝዓበዩን ዝነኣሱ ኩሎም ቆመስሃለቃ ብርሃነ ወዲ ኣባ ቡላኣብ ማእከል ዝርከብ ከም ታኸላኣብ ኩሉ ዝውለድ፡ ዝባን ኮነ ቖላወዲ ኣድከም ምልጋእ ኣብ ማእከላመውስቦኡ ከልካሊ ዘይብላ።ወየ!!!ወየ!!!ወየ!!!ፍቁር ሓወቦይ ክነግረሉ ናቱወዘሮ ኣብርሄት፡ ዝሰበይቱኪዳን ዝኣሰረ ኣብ ንእስነቱኣብ ጸገምን፡ ኣብ ሓጎስን መላዝብቱደኸመኒ ከይበለት፡ ኣብ ጸሓይ ዕርበቱገዲፍዋ ከይዱ፡ እምንቲ ብጸይቱዓለም ወዲእዋ፡ ምስ ጽኑዕ እምነቱ።ወዘሮ ኣብርሄት ድርብ ዝቕናታዘይት ሰንፍ ካብተ ነዓዕልታንኹለን ትበልጸን መሓዙታብብልሓ ትፍለጥ ካብ ኣሕዋታቃል ኪዳና፡ ጽኑዕ ክስብ መወዳእታዓለም ርኢኽያ ላዕላ ታሕታወድ ሰብ ይኸይድ በብተርታተመስገን ምባል እዩ መዛዝምታ።ሓወቦይ ኣንዊሑ መገዲቀባርይ ረኺብካዶ ኣብ ዓዲከይ ነፋኑወካ፡ ኣርሒቕና ዓዲተካል ዘበን፡ ዘይቅረቦ መኣዲዘበነ ዓጸቦ፡ ሽግር መራጎዲ።ሓወበይ ቕጭን ካብ ቀደሙኣብ ምኻዱ ቁሩብዩ ሓሚሙኣብ ዓለም ዝግበር ኩሉ ዛዚሙ።ኪድ በል ኣምላኽካ ካብ ጸውዓካሰዓትካ ኣኺሉ፡ ኣብ ዓለም ምንባርካሓወቦይ ክርስቶስ ኣብ ገነትይቀበልካምርቓ ግደፍ፡ ንኹሉ ቤተ ሰብካብሕጂዶ፡ ከይ ርከብ እቲ ጥዑም ዕላልካ።ዝፈትወካሃይለ ገብረትንሳኤኢንድያናፖሊስ ኢንድያና