ናይ ሓዘን መልእኽቲ

ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ብዝተፈላለየ ደረጃ መሪሕነት ክቃለስ ድሕሪ ምጽንሑ ድሕሪ ናጽነት እውን ንውሱን ዓመታት ከም ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሽወደን ብምዃን ዘገልገለ ዜጋ እዩ። ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ መሳርዕ ደምበ ተቓውሞ ድሕሪ ምስላፉ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ብምዃኑ ክገልግልን ክቃለስን ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣምባሳደር/ተጋዳላይ ኣድሓኖም ገብረማርያን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ ንመዋቲ መንግስተ ሰማያት ንስድራቤት ድማ ጽን ዓት ይሃብ ንብል

ኣባላት ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ – ስትራተጂ ዓዲ