መልቀስ!!!

By Haile Gebretensae

ድሓን ኩን!!! ክቡር ወዲ ክቡራት!!!!!

ኣኽበሮም ገብረመስቀል እምባየ!!!!!!!

ሎንዶን ፡ ዓዲ እንግሊዝ

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!

ወየ ኣነይ!!!! ወየ ኣነየ!!!!ወየ ኣነየ!!!!

ኣኽበሮም፡ ኣኽበሮም፡ ኣኽበሮም!!!

ከም ሽሙ  ንኹሉም ዘኽብሮም

ንዝጠመየ!! ደጋጊሙ ዝዕንግሎም

ንዝዓረቑ ዘምዉቕ ዝኸድኖም

ንዝጸምኡ ርውየቶም፡ ዘጽግቦም

ንዝተሰነፉ ዘደልድል ምርኩሶም

ንተስፋ ዝቖረጹ ሓቦ ዝኾኖም

ቕርሺ ንዝበለ ደሪቡ ዝህቦም

ንዝገይሽ ዘስንቕ ዘሕቑፎም

ንዝምከር ኣዕሚቑ ዝመኽሮም

እንክምድር ዘስሕቕ ንኹሎም።

ወየ!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!!

እኽበሮም ጃዊ፡ ወዲ ኻሕሱ

ወለድኻ ብወፈራ ዘሕርሱ

ቀማሚጦኦም ዝረኤ ተኾልሲሱ

እንኪዓቢ ጻዕዳ ጣፍ ተኸስኪሱ

ቆፋፉ እንዳቦኻ መሊኡ ፈሲሱ

ወላዲኻ ዝሓመመ ዝፍውሱ

ፍሽኽታ ዝኣመሉ ስሓቕ ቁርሱ።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!

ወዲ እምበይተይ! ማህለት ዋዕሮ

እዘን መጓቲት በዓልቲ ኣእምሮ

ክዕልላ ንዳስ ዘምቅራ ዘዕምሮ

ወዳጀ ሰበይቲ፡ ንዓለም ዝዘሮ

ቀራቢት መዓርን  ጸባን ብዘይ ስፍሮ።

ጠዓመ!!! ጠዓመ!!! ማይዘይ ሓለፎ

ወዲ ዓዲ ዃላ፡ ፡ ካብ ማይ ላፎ

ካብ ማይ ጻዕዳ ኢኻ፡ ምሉእ ቆፎ

ትሕዝቶኻ ዝዙም፡ ዘይሽረፎ

ጉድልት ዘይብልካ ንኹሉ ትሓልፎ

ሽሻይካ ምሉእ ምንም ዘይቕረፎ

ንኹሉ ተርክበሉ ትሓልፎ ትተርፎ።

ወየ!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!

እክበሮም ሓወይ ጥዕም ቃሉ

ከዕለካ ኸሎ ህድእ ኢሉ

ክምድር ከሎ ፍሽኽታ ኣመሉ

ብርሃን ገጹ ነይሩ ተዓዲሉ

ጎያያይ ነይሩ ንኹሉ ዘርክበሉ

ዓንጋል ዉጽዓት ኢዱ መሊኡሉ

ለባም ናይ ለባምት ንኹሉ ዘርክበሉ

ዓለም ኣይጥዑሙን፡ ንስኻ ዘይብሉ።

ኣኽበሮም ተጋዳላይ  ብንእሱ

በርኻ ዝወርድ ዱር ቀስቂሱ

ኣብ ጎቦ ዝሓድር እምኒ ዝትርኣሱ

ንኽቃለስ ካብ ቀደም ገስጊሱ

ህዝቡ ንኽረብሕ ደጋጊሙ ተቓሊሱ።

ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!

ኣኽበሮም ሓወይ ካብ ነቐለ

ብሂወት ከሎ ክንደይ ዝዓለለ

ክዘልል ፍሽኽ ፍሽኽ እናበለ

እንክዕጠቕ ዉራይ ዘማዕለለ

እናጎየየ ደኸመኒ ከይበለ

ዓለም ኣርኪባቶ እናዘለለ

ከይዱ ድሓንኩኑ፡ ከይበለ

ክርስቶስ ይቀበልካ ኣብ ዝጠለለ

ጽንዓት ይሃበና ንቤተ ሰብ ዘበለ

ይርእየነ ኣኽበሮም እናዘለል

ታሪኹ ጽቡቕ ፈሊኻ ዝልለ።

ፍቁር፡ ሓውካ

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ዘብሄረ ሰራየ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና  30 መጋቢት 2021