ቃል ሓዘን

ገዲም ተጋዳላይ ስዩም ኣስገዶም ገብረዝጊ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤሪትራ ተሰሪዑ ይነጥፍ ነይሩ። ስዩም ኣስገዶም ሓደ ካብቶም ኣብ ጊዚኡ ዝዓብዩ ዝነበሩ ብሉጻት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ስለ ዝነበረ ድማ ጋንታ ሓማሴን ( ኣስመራ) ካብ ጋንቱኡ ገዚኣ ተጻውቶ ነበረት። ኩነታት ገድሊ ኣዚዩ ኣብ ዝሓየለሉ እዋን ከም ፊዳኢን ኮይኑ ዝስርሕ ዝነበረ ኣብ ሜዳ እውን ኣብ መሳርዕ ገድሊ ተጸንቢሩ ኣብ ኩሉ ጸፍሕታት ይነጥፍ ነበረ። ድሕሪቲ ኣብ ገድሊ ዘጋጠመ ጸገማት ናብ ስደት ኣምረሐ። ስዩም ኣስገዶም ኣቦ ክልተ ውሉዳት (ሄርሞንን መርያምን) ኢዩ።

ገዲም ተጋዳላይ ስዩም ኣስገዶም ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዓሪፉ፡ ንሰሉስ ዕለት 25/05/2021 ድማ ኣብ ሃገረ ስዊደን ኣብ ከተማ ስቶኮሎም ሓመድ ኣዳም ክለብስ ኢዩ።

ብሞት ገዲም ተጋዳላይ ስዩ ኣስገዶም ዝተሰም ዓና ሓዘን መሪር ምዃኑ እናገለጽና በዚ ኣጋጣሚ ንመዋቲ መንግስተ ሰማያት ንስድራቤት ድማ ጽን ዓት ንክህብ ንምነ።

ካብ ኣባላት ስልፊ ጉባኤ ኤርትራ