ገዲም በዓል ሞያን ተጋዳላይን ወዲ ገብሩ ዓሪፉ

ወዲ ገብሩ በዓል ዓቢ ራኢ ከም ምንባሩ መጠን ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ንዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ዘበራብሩን ንህዝቢ ሓቦ ዘስንቑን ደርፍታቱ ብምቕራብ ኣብ ሕልና ኩሉ ኤርትራዊ ተሰሪጹ እዩ። ብድሕሪ ናጽነት እንተኾነ እውን ደኺመ ከይበለ ሓድነት ህዝብና ዘውሕስን ንፍትሕን ራህዋን ዝእምት ደርፍታቱ ብተኸታታሊ ከቕርብ ዝጸንሐ ዜጋና እዩ። ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሎሚ ናቱ ግደ ኣብ ዘድልየና እዋን ካባና ምፍላዩ ኣዝዩ ዘሕዝን ተረኽቦ ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ ብተሳትፉኡን ዝነበሮ ግደን ወዲ ገብሩ ኣብ ዝኽሪ ኩሉ ኤርትራዊ ክነብር እዩ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንተኽልንኪኤል ገብሩ ኣብ ገነቱ ይቀበሎ ንስድራቤት ድማ ጽንዓት ይሃብ።