ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤትክርስቲያን ኤርትራ ኣቡነ እንጦንዮስ ዓሪፎም

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብውሳነ መራሕቲ ስር ዓት ህግደፍ ካብ ስልጣኖም ተቐንጢጦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምጽንሖም ካብዛ ዓለም ብሞት ከም ዝተፈልዩ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።

እዞም ቅዱስ ኣቦ ብቓሎም ከም ዝመስክረዎ ንመራሒ ስር ዓት ህግደፍ ኢድካ ኣብ ቤተክርስቲያን ኣይተ እቱ ብማለቶም፡ እዚ ከም ዓቢ ገበን ተቖጺሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣትዉ ከም ዝተገብረ ዓለም ምሉእ ዝመስከሮ ሓቂ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ምህልላን ጸሎትን ብዙሓት ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ እዞም ኣቦ ካብ ቀይዲ ተፈቲሖም ኣብ ቦትኦም ክምለሱ ክጽበዩ እኳ እንተጸንሑ ፡ እዚ ባህጊ ቅድሚ ምፍጻሞም ኣቡነ እንጦንዮስ ንዘለኣለም ኣብ ዘዕርፉሉ ዘለኣለማዊ ቤቶም ተፋንዮም ኣለዉ። ንሶም ንዝተዋህቦም ሕድሪ ከይጠለሙን ደኺመ ከይበሉን ዝጽዓሩ ኣቦ ከም ምዃኖም መጠን ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህቦ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ከም ሰማእት ክዝከሩ ክነብሩ እዮም። እቲ ዝስዕብ ሕቶ እቶም ነዞም ኣቦ ዝጠለሙን የሕሊፎም ዝሃቡ ዝተረፈ ጕዕዝኦም ብኸመይ ክዛዝምዎ ኮን ይኾኑ?