ኣብ ኦሪገን ጠፊኦም ብዛዕባ ዝተባህሉ ኤርትራውያን ኣትሌታት

BBC ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ንምስታፍ ናብ ኣሜሪካ ግዝኣት ኦሪገን ተላኢዀም ዝጸንሑ’ሞ “ጠፊኦም” ካብ መንጐ ዝተባህሉ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣትለታት፡ እቶም ሰለስተ ንውድድር ናብ ካልኦት ሃገራት ከም ዝኸዱ ተገሊጹ።

ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንምስታፍ ካብ ዝተላእኩ ጕጅለ ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ናብ ሃገሮም ከይተመልሱ ኣብ ኣሜሪካ ዝተረፉ ኣትለታት ኣለው ዝብሉ ጸብጻባት ይወጽኡ ኣለው።

እንተዀነ፡ ኬፒቲቪ፡ ሪጅስታር-ጋርድን ኬዚን ዝተባህሉ ማዕከናት ዜና እቶም ጠፊኦም ተባሂሎም ዝነበሩ ኣትሌታት ከም ዝተረኸቡ ንፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኦሪገን ብምጥቃስ ጸብጺቦም።

ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ፡ ፈደሬሽን ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣድራሻ እቶም ኣትለታት ረኺበ ኢለ ናብ ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኦሬገን ሪፖርት ገይሩ ኣሎ።

ይዅን’ምበር፡ ድሕረ ገጽ ፖሊስ ግዝኣት ኦሬገን፡ ሽም እቶም ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣትሌታት ኣብ ዝርዝር ዝጠፍኡ ውልቀሰባት ኣስፊሩዎ ይርከብ።

እቶም ዝጠፍኡ ዝተባህሉ ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝዀኑን እቲ ሓደ ኣሰልጣኒ ከም ዝዀነን ከኣ ይሕብር።

ወዲ 44 ዓመት ኣሰልጣኒ በርሀ ኣስገዶም፡ ፊልሞን ዓንደ፡ ሃብቶም ሳሙኤል፡ መርሃዊ መብራህቱን የማነ ሃይለስላሰን ሽሞም ኣብ ዝርዝር ጠፊኦም ዝእለሹ ዘለው ውልቀሰባት ሰፊሩ ይርከብ።