ብሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ንዓውደ መጽናዕቲ ዝቐረበ

1. መእተዊ · ኣብ ሰውራዊ ታሪኽና ንቓልሲ ነጻነት ዝዓናቕፉ ጽንኩር ኩነታት ምስ ዘጋጥሙና ህዝቢ ኤርትራ “ሃገራዊ ዋዕላ ዝብል” ጭርሖ የልዕል፤ እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ቀሪቡ ዘሎ ጠለብ ሃገራዊ ዋዕላ እምበኣር መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተሰረተ ባህሊ እዩ። · ብሰንኪ ውሽጣዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ግዳማዊ ውግኣትን ዝወደቑና ሃገራዊ ዕንወታት ንጠለባት ሃገራዊ ዕርቅን ድሕነትን ፍሉይ ጠመተ ክንህቦምን ብቐዳምነት ክንሰርዖምን ኣድላዪ እዩ።…