Home
Welcome to the website of Eritrean Congress Party Strategi Adi
ዝኽሪ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (1943 -2016) PDF Print E-mail
Written by Herui Tedla Bairu   
Sunday, 18 December 2016 15:54

ንነብስሄር ኢሳያስ ተወልደብርሃን ከተፋንዉ ዝመጻእኩም ሰበ-ጽቡቕ ድላይ ካብ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣስቴር ምስ ስድርኣን ኣሕዋቱን ልኡል ምስጋና ይብጻሕኩም።

ነፍስሄር ኢሳያስ ውሉድ ኣቶ ተወልደብርሃንን ወ/ሮ ፍትግ ቀሺ ገብረየሱስን እዩ። ኣሕዋቱ እዝራ፣ ሳራ፣ ኤርምያስ፣ ያቆብ ፍረወይኒን ሳባን ይብሃሉ። ደቁ ድማ ማህሌትን ዳምርን ይበሃሉ።

ነፍስሄር ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ኢትዮጵያ ዓበየ። ምስዮናውያን ሽወደን ሙዚቃዊ ተዋህቦኡ ምስ ተገንዘቡ ንትምህርቲ ናብ ሽወደን ለኣኽዎ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ውሩይ ዝኾነ "ሻንዳል" ተባሂሉ ዝስመ ቤት ትምህርቲ ብመዝሙረ ቤት ክህነት ተመረቐ።

Read more...
 
መርድእ PDF Print E-mail
Written by Editorial Board   
Friday, 16 December 2016 21:08

ኣቶ በረኸት ተኪኤ ወዶም ንነፍስሔር ተኪኤ ማና (እንዳ ፍርጅ) ኣብ መበል 69 ዓመት ዕድሚኡ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሃገረ ሽወደን ስለ ዝዓረፈ ንቀዳም ዕለት 17-12-2016 ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ (ሰዓት 1200) ኣብ ዓዱ ዓዲ ቆንጺ ዞባ ማእከል ኣቃብሩና ይብሉ ኣለዉ።

በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ምጽላል ሃብተማርያም

ምስ ምሉኣት ስድራቤት

 
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኢሳያስ ተወልደብርሃን ጎይትኦም PDF Print E-mail
Written by Editorial Board   
Sunday, 11 December 2016 19:59

ስነስርዓት ፍትሓት ዝፍጸመሉ ቦታን ሰዓትን

ዕለት: ዓርቢ 16 december 2016

ጊዜ: 10:40

ቦታ: Sankt Matteus kyrka

ኣድራሻ: Vanadisvägen 35/hörnet Dalagatan.

ትራንስፖርት: ቱነልባና Odenplan ድሕሪ ምብጻሕ ናብ Västmannagatan ወገን ዘውጽእ ተኸቲልኩም ድሕሪ ምውጻእ ብየማን ሸነኽ Dalagatan ትኽ ኢልኩም Sankt Matteus kyrka ትበጽሑ።

 

ስነ ስርዓት ሓመድ ድበ

ቦታ: Norra begravningsplatsen Solna kyrkväg (nära Karolinska Sjukhuset). Platsen ligger vid Grind 1.

ጊዜ: 12.45

ትራንስፖርት: ካብ Odenplan ቱነልባና ናብ Sankt Eriksplan ድሕሪ ምብጻሕ ኣውቶቡስ ቁጽሪ 3 ሒዝኩም Karolinska Sjukhuset ትወርዱ። Solna kyrkväg ብምኽታል grind 3 ሓሊፍኩም ሓመድ ድበ ዝፍጸመሉ ቦታ(grind 1) ትበጽሑ።

 

ስድራ ቤት

 

 

 

 
ዕረፍቲ ኢሳያስ ተወልደብርሃን ጎይትኦም PDF Print E-mail
Written by Editorial Board   
Wednesday, 30 November 2016 16:40

 

እቲ ኣብ ዓለም ህቡብ ደራፋይ ኦፐራ ዝነበረን ውሩይ ኤርትራውን ኢሳያስ ተወልደብርሃን ጎይትኦም ብሰንበት ዕለት 2016-11-27 ኣብ ሽወደን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ኤስተር ተወልደብርሃን ምስ ደቃ፡ ኩሎም ስድራቤትን ፈተውትን ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ንክኾኑ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ክሳብ ሰንበት (ዕለት 2016-12-03 ከምኡ ውን ዕለት 2016-12-04) ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ክትኮኑ ብትሕትና ይሕብሩ።

Read more...
 
ንጥፈታት ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ስትራተጂ ዓዲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ PDF Print E-mail
Written by Editorial Board   
Monday, 28 November 2016 18:10

ብዕለት 18 -20 ኦክቶበር 2016 ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ስትራተጂ ዓዲ ብውክልና ሕሩይ ተድላ ባይሩን ብተሳታፍነት ኣባል መሪሕነት ብርሃነ ተስፋዝግን ዝተኻየዱ ንጥፈታት እዞም ዝስዕቡ እዮም:-

ቻታም ሃውስ ኣብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ኣድህቦ ብምግባር መንግስታት፣ ወከልቲ ትካላትን መራሕቲ በርገሳዊ ማሕበራትን ኣብ ክፉትን ስቱርን ክትዓት ብምስታፍ፡ ኣብ ዓለምና ማዕርነት ደቂ ሰባት ብምስፋን ምዕባሌ ንምውሓስ ዝነጥፍ ትካል እዩ። በዚ ትካል ዝተገብረ ዕድመ መሰረት ብዕለት 18 ኦክቶበር ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራውያንን ተኽእሎ ንዘተን ሓድነት ብዝብል ኣርእስቲ መደረ ከቕርብ እንከሎ ጀይሰን ሞስሊ ከም ተዛታዪ (conversant) ብምዃን ቀረበ። ነዚ ዝተኻየደ መደረ ከም ኣደ መንበር ኮይና ዝመርሐት ድማ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ወይዘሮ ሜሪ ሃርፐር ነበረት። ኣብዚ ተሳቲፎም ዝነበሩ ኤምባሲታት ንምጥቃስ ዝኣክል ኤምባሲታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ጋዜጠኛታት፣ ተመራመርትን፣ ኤርትራውያን ሊቃውንቲን ተረኺቦም ኔሮም። ካብ መንግስቲ እንግሊዝ ድማ ወኪል ሆም ኦፊስ ኣብዚ ኣኼባ ተረኺባ ነበረት።

Read more...
 
Eritrea: UN Commission of Inquiry Calls for Leaders to Face Justice PDF Print E-mail
Written by VOA   
Saturday, 12 November 2016 10:01

A U.N.-backed commission assigned to investigate human rights violations in Eritrea is calling for a tribunal or a special court system to hear allegations of crimes by Eritrean leaders.

A U.N. report alleged last June that the leaders of the Eritrean government have committed crimes against humanity over more than two decades.

Read more...
 
ሓድሽ መጽሓፍ ብዛዕባ ኤርትራ PDF Print E-mail
Written by Editorial Board   
Monday, 17 October 2016 22:34

ሽሕ`ኳ ብቃና ድምጻዊት ሄለን መለስ፡ `ኣንታ ሑሩይ ንበር፡ መታን ታሪኽ ኤርትራ ክምርመር` እንተዘይበልና፥ እዛ ሓዳስ መጽሓፉ ዳርጋ ክንድኡ ዝኸውን ተኽእሎታት ኣለዋ። መንእሰይ በረኸት ካሕሳይ፡ ምስ ተኸታተልቲ ኣሰና ፋውንዳሽን ኣፋሊጡዋ ከምዘሎ፡ ምሁርን ገዲም ተቓላሳይን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣብ ገድልን መንግስትን ኤርትራ ጎሊሑ ዝረኤ ኣስተዋጻኦ ነይርዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክሳብ ሕጂ ከይተሓለለ ንደሞክራሲያዊት ኤርትራ ዝዓዪ ሕብራዊ ዜጋ ኢዩ።

ኣቶ ሑሩይ ብዛዕባ ትሕዝቶ መጽሓፉ ኣስተምህሮ ክህብ ስለዝኾነ፡ ኩሉኹም ትግደሱን መጽሓፍ ክትገዝኡ ትደልዩን ኣብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትመጹ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ቦታ፣ Initiatives of Change 24 Greencoat Place, Victoria, London SW1P 1RD

 

ሰሉስ 18/10/2016 ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን ካብ ሰዓት 18:00 ክሳብ 20:30 ምሸት

 

ዓርቢ 20/10/2016 ብቋንቋ እንግሊዝ ካብ ሰዓት 18:00 ክሳብ 20:30 ምሸት

 

Agenda for Reconciliation (AfR) and Eritrean Education and Publication Trust (EEPT)

 

ብደሓን ምጹ!

 

 
ርእይቶይ ብዛዕባ መጽሓፍ ኣቶ ሑሩይ ተድላ ባይሩ – ብ በረኸት ካሕሳይ. PDF Print E-mail
Written by በረኸት ካሕሳይ   
Monday, 17 October 2016 22:31

'Eritrea and Ethiopia: A front row look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution ('ንጹር ጠመተ ኣብ ጉዳይ ግርጭታት ኤርትራን ኢትዮጵያን: ተኽእሎ ሰላማዊ ፍታሕን) ዘርእስታ መጽሓፍ ብ ኣብ ስቶክሆልም፣ ስዊድን ዚቕመጥ ገዲም ተጋዳላይ ሑሩይ ተድላ ባይሩ ብቋንቋ እንግሊዝ እተጻሕፈት ኢያ። ብኣገላልጻ ጸሓፊ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሰፋሕ ብዙሕ ጻዕሪ እተገብረላ ኮይና፡ንጉዳያት ተርእዮታት ግጭታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1941 ክሳብ 2011 ዘጠቓለለት፡ ንሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ውድባት ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያን፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ መን ዓብለለ ብዝብል ቁሩቁስ ዘካየደኦ ዘይሓላፍነታዊ ኵናት-ሓድሕድን ብመጽናዕቲ እትድህስስ ኣብ ናይ ሓቂ ነዊሕ ውልቃዊ ተመክሮን ዕቱብ ትንተናን እተመርኰሰት ኢያ። ዑምቀትን ትሕዝቶን እዚ ህያውን ሓቅነቱ ዘይተጀለሐን መጽሓፍ፡ ላዝኡ ከየጥፋእኩ፣ ግዜይን ዓቕመይን ከም ዘፍቀደለይ፣ ይሕግዝ ኢዩ ዝብሎ ገለ ኣገደስቲ ንክትዕ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት፣ ፍሉይ ርእይቶ-ሓሳባትን (perspectives) ከምኡ’ውን ብጥንቃቐ ዝተቐመጡ ርጡባት ዝመስሉ መደምደምታታት ጸሓፊ፣ ብነቐፌታዊ ጽሑፍ መልክዕ ነቲ ትንተናን ግንዛበን ንምግምጋም ብማለት ብቋንቋ ትግርኛ ርእይቶይ የቕርብ ኣለኹ።

Read more...
 
The Changing Nature of Eritrea’s Opposition Politics PDF Print E-mail
Written by CHATHAM HOUSE   
Thursday, 13 October 2016 19:52

Participants

Herui Tedla Bairu, Chairman, Eritrean Congress Party
Jason Mosley, Associate Fellow Africa Programme
Chair: Mary Harper, Africa Editor, BBC News

18 Oct 2016 -

12:00 to 13:00
Chatham House, London

Overview

The Eritrean political opposition has long been divided by factors such as geography, ethnicity, religion and competition. There have been several attempts to unify opposition parties under an umbrella organization. Yet, efforts to transform and establish a political platform and alternative to the government in Asmara remain fractured.

Read more...
 
ህዝባዊ ኣኼባ PDF Print E-mail
Written by ኤርትራዊያን ደለይቲ ፍትሕን፡ ደሞክራሲን፡ ከተማ ስያትልን ከባቢኣን   
Wednesday, 12 October 2016 14:12

ብምኽንያት ጉዕዞ ሰላማዊ ሰልፊ ከተማ ኒው ዮርክ

ኩልና ኤርትራውያን ከም ንፈልጦ 27 2016 ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ከም ዓሚ ሎሚ ዓመት እውን ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ እዩ።

 

እዚ ኣገዳሲ ሕጂ ንጠልቦ ኣኼባ፡ ብብዝሒ ክንሳተፎ ዘሎና እዩ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ብወገን ህግደፍ ኣንጻር እዚ ሰላማዊ ሰልፊ

እዚ ሚልዮናት ገንዘብ እንዳፍሰሰ ንኸፍሽሎ ምድላዋት ይገብር ኣሎ።


ስለዚ ኩሉ ደላይ ፍትሕን፡ ደሞክራሲን፡ ኣብ ምዕዋት'ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ግዲኡ ከበርክት ኣሎዎ። ተሳታፍነትና ብብዝሒ ምርግጋጽ፡ ንምዝታይ። ንሰንበት 16 ጥቅምቲ 2016 /ፈረንጂ፡ ልክዕ ሰዓት 400 PM ድሕሪ ቀትሪ፡ ህዝባዊ ኣኼባ ንጽውዕ ኣሎና።


ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ፡ ኣብ ኣዳራሽ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ስያትልን ከባቢኡን እዩ (ERITREAN COMMUNITY IN SEATTLE AND VICINITY) 2402 E SPRUCE ሰዓት 400 ድሕሪ ቀትሪ

ብድሓን ምጹ።


ኤርትራዊያን ደለይቲ ፍትሕን፡ ደሞክራሲን፡ ከተማ ስያትልን ከባቢኣን።

 
Special Report: We were forced to work for Western-run mine, say migrants who fled Eritrea PDF Print E-mail
Written by Reuters   
Thursday, 06 October 2016 16:21
By Allison Martell and Edmund Blair | TORONTO/ASMARA

Bemnet Negash never got to say a proper goodbye to his family. In February 2006, government officials arrived at his school in the highlands of Eritrea and put him and his classmates on a bus to a military training camp. He was 20 years old, and still at school because a childhood illness had interrupted his education.

Read more...
 
«StartPrev12345678910NextEnd»

Page 4 of 39
Copyright © 2017 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.
 

Our Undertaking

The Eritrean Congress Party Strategy Adi is a political vehicle whose main mission is to translate the principles of the Strategy Adi into an Eritrean reality. The name of our website is: "The Eritrean Congress Party Web Page" (ECPWP). The mission of our website is to spread and deepen the crucial message embodied in the Strategy Adi. The key historical concepts embedded in our Strategy Adi are: a) Adi, b) Highi Indaba, c) Baito, and d) Zega.

read more


GetFirefox

logo-wordmark-vertical_small

If you can't

read Tigrinja

try Firefox