መእተዊ ገለ ክቡራት ደቂ ሃገር ብዛዕባ ዋዕላ ናይሮቢ ስግኣቶም ከም ዘቐመጡ ይፍለጥ፣ ካልኦት ሰዓብቲ ፖለቲካ ኣናጹ ግን ንመርካቶ ጸለመን ምንእኣስን ምንሻውን ክምበድብድዎ ይርኤ ኣሎ። ክቡራት ደቂ ሃገር ኣብ ፖለቲካ ኣናጹ ሰብ ብፎርማጆ ከም ዝሕበል ኣይትዘንግዑ። ዋዕላ ናይሮቢ እንተዀነ ይደገፍ ብዝተረፈ ግን ዕድል ይውሃቦ! ሃገራዊ ዋዕላ ንምኽሪ መቕድም መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ንሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ናብ ህልው “ሃገራዊ ዋዕላ ንምኽሪ” ስለ ዝዓደመ ምሉእ ምስጋና ይብጻሓዮ። ኣሰናዳእቲ ዝተጠቕሰ ዋዕላ ከም ወኪል ሰልፍና ስለ ዝዓደሙኒ እውን ብተመሳሳሊ የመስግን። ኣብ ዝተላእከልና ዘዋሪ መልእኽቲ ሰለሰተ ዓውደልዝብ (ፓኔላት) ተሰሪዐን ከምዘለዋን ኣብ ነፍሰወከፍን ድማ ሰሰለስተ ተዋሳእቲ ከም ዘለወን ከይተረፈ እውን ተሓቢርና። ብግብራዊ ኣዘራርባ ኣባል ሳልሰይቲ ዓውደልዝብ ኰይነ መጽናዕታዊ–ወረቐት ከቕርብ ስለ ተመራሕኩ እውን ሕጉስ እየ። ሳልሳይ ዓውደልዝብ ሰለስተ ኣርእስትታት ዝሓዘለ እዩ፣ ንሳቶም ድማ እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ እዮም፥ ጠርናፊ ሃገራዊ ራእይ ጠርናፊ ግብራዊ ፕሮግራም ንሓባራዊ ዕላማታት መሰጋገሪ ፖለቲካዊ ከይድታት ድሕሪ ውድቀት ዲክታተራዊ ስርዓት ቀዳማይ ጠርናፊ ሃገራዊ ራእይ ደምክራስያዊ ለውጥን ስኒትን ሀ) ስኒት…
Read More