ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን

መእተዊ ኣብ ደያስፖራ ዝርከቡ ዜጋታትን ከምኡ እውን ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ካብቶም ንሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ገጢሞሞ ዘለዉ መዋጥራት ከላቕቑ ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ። እዚ ኣብ ስቶኮሆልም ተጸዊዑ ዘሎ ኣኼባ ሓደ ዕላማ ጥራይ እዩ ዘለዎ ንሱድማ ፥ “መዋጽእ ካብ ወጥሪ ሃገራዊ ባይቶ” እዩ።ናይዚ ኣኼባ መሪሕ ስነ-ሓሳብ ተበግሶ ስለ ዝዀነ መጸውዒኡ “ኣኼባ ተበግሶ ስቶክሆልም” እዩ። ቦታ መንበርን መኣከብን ዝኣንገደና Initiative of Change ዝበሃል ማሕበር እዩ። እዚ ማሕበር ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ Oxford University፣ መስረትቱ ሊቃውንቲ ኣመሪካውያንን እንግሊዝን ነበሩ፣ ቀንዲ ዕላማ እዚ ምንቅስቓስ ነቲ ብውግእ ዝዓነወ ኤውሮጳ ኣብ ጎደና ሰላም ምምራሕ ነበረ። እቲ ቀዳማይ ስጒምቲ ንጀርመንን ፈረንሳን ኣብ ስኒት ምምራሕ ስለ ዝተዓወተ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ከምርሕ ከኣለ። ሎሚ ማሕበር Initiative for Change ኣብ ዓመት-ዓመት ሊቃውንቲ ዓለም ዝሳተፍዎ Caux ዝብሃል ዓቢ ትካል ኣብ ሃገረ-ስዊስ ይውንን። ኣኼባ ተበግሶ ስቶኮሆልም ካብ ዕለት 29 ነሓሰ ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 31 ክሰላሰል እዩ። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ተሳተፍቲ ኣኼባ ተበግሶ ሓፈሻዊ ዳህሳስ ኣብ ሰለስተ ኣርእስትታት ክካየዱ እዮም፡ ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥ 1) ዓለመለኻውን ዞባውን ጽልዋታት ኣብ ኤርትራ 2) ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ክቐርቡ ንጽበዮም ማእከላውያን ዛዕባታት 3) መዋጽእ ካብ ወጥሪ ባይቶን እዮም። ኣብ ካልኣይ መዓልቲ እዞም ኣርእስትታት ብመልክዕ መጽናዕቲ ከነዕምቖም ኢና። መጽናዕቲ ኣኼባ ተበግሶ ሰለስተ ክፋላት ኣለውዎ። ቀዳማይ ክፋል ጽልዋታት ዓለመለኻውን ዞባው ምዕባለታት ኣብ ኤርትራ ከለሊ ይፍትን። ምስኡ ኣታሓሒዝካ ቀሪቡ ዘሎ መጽናዕቲ ንውሽጣዊ ኩነታት ኤርትራ ይግምግም። ካልኣይ ክፋል ንማእከላዊ መትከላት ደሞክራስያዊ ለውጢ ይድህስስ። ኣብ ሳልሳይ ክፋል ድማ መዋጽእ ካብ ወጥሪ ሃገራዊ ባይቶ ዝኣርእስቱ ፍታሕ ንኤርትራዊ ልዝብ የቕርብ። ከም ውጽኢት ሓፈሻዊ ገምጋም ተሳተፍቲ ኣኼባ ካብቲ ዝቐረበ መጽናዕቲ ብትሕዝቶ ኣይፍለይን እዩ። >>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>  ቀዳማይ ክፋል 1. ዓለም ለኻዊ ጽልዋ ኣብ ደምበታት ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ቈይሙ ዝነበረ ክልትኣዊ ዓለመለኻዊ ሚዛን ሓይሊ ምስ ፈረሰ ፡ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ቡሽ፡ እንኮኣዊ ዓለመለኸዊ ስርዓት (One World Order) ክትከል ፈተነ ተገቢሩ ነበረ። እዚ ኣመሪካዊ ፈተነ ስለ ዝፈሸለ፡ ዓለመለኻዊ ዝምድና (International Relations) ኣብ ብዝሃ ደምበታት ሓይሊ (Multiple Centers of Power) ተሳጊሩ ኣሎ። ብቐዳማይ ደረጃ፡ ኣብ ህልዊ መድረኸ፡ መደበራት-ዞባዊ ሓይልታት (Regional Power Centers) ኣብ ኣሜሪካን ቺናን ሩስያን ኣውሮጳን ዝቈጻጸርዎም ደምበታት ቈይሙ ይርከብ። ብኻልኣይ ደረጃ ግደ ህንድን ብራዚልን፡ ብፍላይ ንቑጠባዊ ቅልጽም ብዝምልከት፡ ሚዛን ሓይሎም እንዳ ዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ብዝሃ ደምበታት ሓይሊ ካብ ክልተኣውን (Bi-polar) እንኮኣውን መደበር ሓይሊ (Single Power Center) ዝተፈልየ እዩ። ኣብ ብዝሃ ደምበታት ዝተመስረተ ዓለመለኸዊ ዝምድና ኣብ ዞባዊ ዕብለላን ኣብ ሽርክነት ኣብ ውሽጢ ዞባዊ ደንበታትን ዝተመስረተ እዩ። እቲ ብግዙፍ ዝርኤ ዝምድና ዞባዊ ደንበ ብሓደ ሸነኽ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤውሮጳን ክኸውን ከሎ፡ ብኻልኣይ ሸነኽ ድማ እቲ ዝምድና ኣብ መንጎ ሩስያን ቺናን እዩ ክብሃል ይከኣል። ብግዴኦም ድማ ደምበታት ዞባዊ ሓይሊ ንመደበራቶም ምእንተ ከሐይሉ ቀላጽሞም ኣብ ኣስያን ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ክዝርግሑ ይርአዩ። ንምሳለ ንዞባና ብዝምልከት፡ ሩስያን ቺናን ብሓደ ሸነኽ በቲ ካልኣይ ድማ ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣብ ሱርያ ክወዳደሩ ይርኣዩ። ኣብ ዓለምለኸኣዊ ዝምድና ጥቕሚ፡ ብኹሎም መዕቀኒታቱ፡ ማእከላዊ ግደ ይጻወት። ዞና ማእከላዊ ምስራቕ ብዝተፈላለዩ ኢድዮሎጊታት ዓረብነት (ከምኒ ናስርያ ቀውምያ ባዕስያ) ኣናተባህለ ዝጠራነፍ ዝነበረ ሎሚ ብዝተፈላለዩ ኢድዮሎጊታት ሃይማኖት ክስሓሓብ ይርኤ። ንምሳለ ኣብ ሱርያን ለባኖንን ብኢራን ዝድገፍ ዓለዊ/ሺዓ ዝንባለ እምነት ምስ ሱናዊ እምነት ኣብ ኲናት ኣትዮም ኣለዉ። ኣብ ግብጺ እቲ ዝጸንሐ መሪር ቃልሲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኣስላምን ብሰራዊት ምስሪ ዝውከል ናስርያን ይካየድ ኣሎ። ኣሕዋት ኣስላም እምነታዊ ደውላ ክፈጥሩ ይህቅኑ ናስራውያን ድማ ብሰራዊት ምስሪ ተወኪሎም ዓልማናዊ መንግስቲ (Secular State) ክትኽሉ ይህቅኑ። ሰዳትን ሑስኒ ሙባረክን እውን እንተዀኑ ናስራውያን ከም ዝነበሩ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ግብጺ ናስራውያን ኣንተ ተዓዊቶም ጉዳይ ግድብ ኣባይ ብዘተን ምርድዳእን ክድምደም ይኽእል ይኸውን ዝብል ትዕዝብቲ እንዳ ደፍኤ ይኸይድ ኣሎ። ንሱዳን ብዝምልከት፡ ኣብ ምስሪ ናስራውያን እንተ ተዓዊቶም፡ ንሱዳን ዘመሓድር ፖለቲካዊ ስልጣን (ኣሕዋት ኣስላም) ጸገማት ከጋጥምዎ ይኽእሉ ይዀኑ። ፖለቲካዊ ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ እንተዀይኑ ግደ ሃይማኖታዊ ኢድዮሎጊ ኣንዳ ደኸመ ይኸይድ ኣሎ። ናህሪ ግብረሽበራዊ ወፈራ እውን እንተዀነ ከም ቀድሙ ኣይኰነን። ኣብ ሱርያ እውን ናህሪ ተቛወምቲ ሓይልታት ከምቲ ኣበጋግስኡ ኣይኰነን። ከምቲ ሓይሊ ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ድኽመት ቁጠባ፡ ካብ ዒራቕ ክስሕብ ዝተገደደ፡ ሕጂ እውን ካብ ኣፍጋኒስታን ክስሕብ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምዕብልናታት ንጉዳይ ሃገርና ብኸመይ ይጸልውዎ? ኣመሪካ ቅድም ካብ ዒራቕ ድሒራ ድማ ካብ ኣፍጋኒስታን ካብ ሰሓበት ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ከም ቀደሙ ሃሰውሰው ምባሉ ኣይተርፎን እዩ ቢልካ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ምናልባትነት ኩልና ሃገራውያን ኤርትራውያን ብመጽናዕትን ፖለቲካዊ ወፈራን ተቐሪብና ምጽናሕ ከድልየና እዩ። ካልኣይ ረቛሒ ንውሽጣዊ ስምረትና ዝምልከት እዩ፣ ንሱ ድማ ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ተኣጒዱ ዘሎ ሃይማኖታውን ዓልማናውን ጥምጥም ንውሽጣዊ ስምረትና ምእንተ ከይጸሉ በርቲዕና ክንቃለስ ይግባእ። 2. ዞባዊ ጽልዋ ኢትዮጵያ ሀ. ጉዳይ ዶብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሞት ቀዳማይ ምኒስተር መለስ ዜናዊ ዓቢ ሓዘን ኣስዒቡ ነበረ፤ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ክጥመት እንከሎ ድማ ዓቢ ፖለቲካዊ ሃጓፍ ከየስዕብ ተፈሪሁ ነበረ። እንተዀነ ኢሃደግ ኣብ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣንን ዕዉታት ጉባኤታትን ሰልፍታትን ብምክያድ ብስርሑ ኣመስኪሩ እዩ። ንነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ብዝምልከት መርገጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጹርን ደጋፍን እዩ። ኣብ ዞባና ሰላም ክትከል እንተዀይኑ ጉዳይ ዶብ ክፍታሕ ይግባእ። ንዶብ ብዝምልከት መርገጽና፡ ብይን ዓለመለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳኔ ንቕበል። ለ. ጉዳይ ግድብ ኣባይ ሃገራት ምንጺ ኒልን ተጠቐምቲ ማይ ኒልን ሱዳንን ግብጽን ክፈላለዩ ዝኽእሉ ጉዳይ ንዓይ ጥራሕ ዝብል ፍልስፍና ምትእትታው ጉብእ ኣይኰነን፡ ከምቲ መሰል ተጠቀምቲ ክሕሎ ዝግብኦ መሰል ሃገራት ምንጺ ኣባይ እውን መሰሎም ክሕሎ ግቡእ እዩ። ኤርትራ እውን ኣብ ወሓዚ ሰቲት ብጽሒት ስለ ዘለዋ ጥቕማ ኣብ “ጸላኢ ጸላእየይ ፈታውየይ” ክምስረት ኣይግብኦን። ኣብ መንጎ ምንጽታት ወሓዝቲ ማይን ተጠቀምትን ምስሕሓብ ምስ ዝፍጠር መርገጽ ኤርትራ ኣብ ሰላምን ዕርቅን ዝተመስረተ መትከል እምበር ኣብ ፖለቲካዊ ሻራ ክምርኰስ ኣይግባእን ዝብል መትከል ኣሎና። ሐ. ዲፕሎማሲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ታሪኽን ጆግራፍን መበቈልን ጥራይ ዝተመስረተ ኣይኰነን። እንታይ ደእ ኣብ ቁጠባውን ካልኦት ሓባራዊ ረቛሒታትን እውን ዝተመስረተ እዩ። ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግባእ ሓቂ መንግስቲ ሱዳን ጽኑዕ ርክብ ምስ ህግደፍ ምእንታን ክፈጥር ንተቓወምቲ ሓይልታት ከም ዝሰጐጐ እዩ። ካልኣይ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግብኦ ሓቂ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ተቓውሞን ንስደተንያታት ኤርትራ መቃለስን መዕቈብን ባይታ ከም ዘበርከተት እዩ። ግዜኡ ምስ ኣተወ፡ ንሕና ኤርትራያውያን እውን ኣንተዀንና፡ ንዝተገብረልና ውዕለትን ጽቡቕ ድላይን ስድሪ ብስድሪ እመት ብእመት ከም እንምልስ ኣይንጠራጠርን። ኣብ ኢትዮጵያ ኰይንና ኣይንቃለስን፡ ኤርትራውያን ስደተንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣይተዓቘቡ ምባል’ዶ ሃገራውነት እዩ? ኣይኰነን። ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ውጽኢት እዚ መስመር እዚ ኣብ “ኢሳያስነት” ከምርሕ ይኽእለ እዩ። ኢሳይስነት ማለት ብደገፍ ጐረቤታዊ ሓይሊ ኣብ ስልጣን ምሕኳር ማለት እዩ። ሕጂ ድማ ኢሳያስነት ስልጣኑ ብጐረቤታዊ ሓይሊ “ዴምህት” እዩ ዝሕለው ዘሎ። ከምቲ ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተክኒካዊ ኮሚቲታት ዶብ ሕጂ ይቚሙ ኣንዳበልና ነተባብዕ፣ ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ድማ ብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ “People to People Diplomacy” መንጸፍ ሰላም ክዝርግሑ ነተባብዕ። ሱዳን ነጻነት ደቡብ ሱዳን ልኡላዊ ነጻነት ደቡብ ሱዳን ሓዲስ ጀዮፖለቲካዊ ኲነት ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ መጻኢ…

ብሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ንዓውደ መጽናዕቲ ዝቐረበ

1. መእተዊ · ኣብ ሰውራዊ ታሪኽና ንቓልሲ ነጻነት ዝዓናቕፉ ጽንኩር ኩነታት ምስ ዘጋጥሙና ህዝቢ ኤርትራ “ሃገራዊ ዋዕላ ዝብል” ጭርሖ የልዕል፤ እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ቀሪቡ ዘሎ ጠለብ ሃገራዊ ዋዕላ እምበኣር መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተሰረተ ባህሊ እዩ። · ብሰንኪ ውሽጣዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ግዳማዊ ውግኣትን ዝወደቑና ሃገራዊ ዕንወታት ንጠለባት ሃገራዊ ዕርቅን ድሕነትን ፍሉይ ጠመተ ክንህቦምን ብቐዳምነት ክንሰርዖምን ኣድላዪ እዩ።…

Exclusive: U.S. thinks Eritrea has joined Ethiopian war, diplomats say

by Reuters,  Phil Stewart, David Lewis WASHINGTON/NAIROBI (Reuters) – The United States believes Eritrean soldiers have crossed into Ethiopia to help Prime Minister Abiy Ahmed’s government battle a rebellious northern force, despite denials from both nations, a U.S. government source and five regional diplomats said. Abiy and Eritrea’s President Isaias Afwerki signed a peace pact ending…

ኤርትራ፡ ናይ ሕጂ ገደደ!!!!!!!

ኤርትራ፡ ናይ ሕጂ ገደደ። እስከ ብኸመይ ክጅምሮ? መትሓዚ ዘይርከበቦ፡ ብኢድካ ዘይትሕዞን ዘይትድህስሶ፡ ብእዝኒ ዝስማዕን፡ ብስእሊን፡ ብዝንቀሳቐስ ኣፍላማትን እዩ። እምበኣር፡ ከምዚ ካብ ኮነ! ኤርትራውነት፡ ብኸመይ ይምዘኑ፡ ኣብዚ ፈታኒ ግዜ፡ ንኽትገልጾ ዘሸግር፡ እዋን እዩ። እስከ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ንመልከት። ብ2018 ኣብ ኢትዮጵያ መንግስታዊ፡ ለውጢ ኣብ ዝተረኽበ ግዜ፡ ቀዳማይ ዕማም ሰላም ምስ ኤርትራ፡ ክገብር እየ። “እንደመረ” ወይ “ንደመር”…

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ‘ንኤርትራ ክህቦ ዝሓሰበ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዩሮ ስሒብዎ’

Written by the BBCኣብ ሆላንድ ዝመደበሩ ትካል ሰባዊ መሰላት ንኤርትራውያን፡ ነቲ ኣንጻር ሕብረት ኣውሮጳ ከፊትዎ ዝጸንሐ ሕጋዊ ክሲ ከምዝሰሓቦ ኣፍሊጡ። “እቲ ውሳነ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ድሕሪ ተኸታታሊ ነቐፌታታት ‘ብሕጂ ጽርግያ የለን’ [‘no more roads’] ዝብል መርገጺ ድሕሪ ምውሳዱ’ዩ ተወሲዱ” ክብል ጠበቓ ናይቲ ተሓላቒ ጉጅለ መሰላት፡ ከነዲ ቫን ደር ላን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ። እቲ ጠበቓ ከምዝበሎ፡…

ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ንሕድሕድ ኲናት ትቃላዕ

ሰልፍና ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክሕብሮ ዝጸንሐ፡ ናይ ዝኾነ ኣካል ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ዝግበር ኢድ ኣእታውነት ዘይሕጋውን ዘይቅቡልን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጉዳይ ጎረባብቲ ዝካየድ ኢድ ኣእታውነት እንተኾነ እውን ዘይሕጋውን ዘይቅቡልን ምዃኑ ከነስምረሉ ጸኒሕና ኢና። እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዚካየድ ርክባት እንተኾነ እውን ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ሕጋጋት ብምኽባር ከምኡ ድማ ክልተ መንግስታትን ባይቶታት ሃገራቶምን…