ምምሕዳር ኣሜሪካ ንኤርትራ የጠንቀቕ (Clinton threatens Eritrea action)

Written by BBC NEWS
Friday, 07 August 2009 01:59
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሂላሪ ክሊንተን፡ ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሶማልያ ጣልቃ ምእታው ምስ ዘየቋርጽ መንግስቲ ኣሜሪካ ስጉምቲ ከምዝወስድ ተጠንቅቕ።

ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ድሕሪ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ሸኽ ሻሪፍ ሸኽ ኣሕመድ ኣብ ናይሮቢ ርእሰ ከተማ ኬንያ ድሕሪ ምርኻብ ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሻጣዊ ጉዳያት ሶማል ዝጻወቶ ተራ ቅቡል ኣይኮነን ብማለት ኮኒና። እዞም ብስርዓት ህግደፍ ዝድገፉ ዘለዉን ብስም ኣልሸባብ ዝፍለጡ ናይ ሃይማኖት ጥሩፋት እናሓየሉ ብምምጽኦም ብሰንኪ’ዚ ድማ ከባቢ 250 000 ሶማልያውያን ክስደዱ ከም ዝተገደዱ ይፍለጥ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ጉዳያት ሶማል ጣልቃ ኣይኣተኹን ብማለት ነዚ ርኡይ ተርኡ ክነጽግ ጸኒሑን ኣሎን ይኹን ድኣ’ምበር፡ ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሂላሪ ክሊንተን፡ ስርዓት ህገደፍ ካብዚ ተግባሩ ምስዘይቁጠብ መንግስቲ ኣሜሪካ ስጉምቲ ከምተወስድ ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ብስርዓት ህግደፍ ዝድገፍን ብኣልሸባብ ዝፍለጥን ጉጅለ ዕላምኡ ንሶማልያ ብምቁጽጻርን ከም ደጀን ብምጥቃምን ኣብ ቀረባን ርሑቕን ንዝርከባ ሃገራት መጥቃዕትታት ንምክያድ መደብ ከምዘለዎ እዚ ዕላማ ኣልሸባብ ምስዝዕወት ድማ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ኣስጋኢ ከምዝኸውን ኣፍሊጣ።

ምንጪ ሓበሬታ BBC NEWS