በዓላት ህግደፍን ዕላማታቱን (What is the aim of PFDJ festivals?)

Written by Berhane Tesfazghi
Friday, 08 August 2008 01:00
በዓላት ህግደፍን ዕላማታቱን
ኩሉ ህዝብና ክዕዘቦ ከም ዝጸንሐ ዓመት ዓመት ብስም ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ፈስቲቫላት ከካይድ ጸኒሑን ኣሎን። ነዚ ብምምልካት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ 2 ነሓሰ 2008 ኣብ ትሕቲ ”ፈስቲቫልና ነጸብራቕ ባህላዊ ትንሳኤና” ዝብል ርእሰ-ዓንቀጽ ካብ ዘስፈረቶ ትሕዝቶ ”ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2008 ትማሊ 1 ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ። ዓመት መጸ፡ ኣብዚ ወርሓት’ዚ ኣብ ኣስመራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከብሉ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዝካየድ፡ ዜጋታትና ዝተኣኻኸብሉን ሃገራውነቶም ዘስተማቕርሉን ፈስቲቫላትና፡ ነጸብራቕ ናይቲ ስልጡን ሃገራዊ ባህሊ ንምዕንባብ እንሓልፎ ዘሎና ኣገዳሲ ክፋል መስርሕ ህንጸት ሃገርን ሃገራውነትን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብግብሪ ብሓባራዊ መስዋእቲን ናይ ሓባር ናጻ ሃገር ንምፍጣር ኣብ ዘካየዶ ነዊሕ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ብብዙሕ ሕልኽላኻት ድሕሪ ምሕላፉ፡ ኣብ መወዳእታ ድሌታትን ሱታፌን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽ፡ ምዕቡልን ፍትሓውን ሃገራዊ ግንባር ፈጢሩ፡ ንብዙሕነት ሕብረተሰብ ብእወታዊ ሃናጺን ምዕሩይን ኣገባብ ሓቝፉ ንትሕተ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ድሓን ኩን ብምባል፡ ሓባራዊ መረዳእታን ንቕሓትን ኣማዕቢሉ ይርከብ።” ስዒቡ ድማ እዚ ሓድሽ ባህሊ ህግደፍ ኣብ ነባርን ጥንታውን ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተመርኮሰ ምዃኑ ከተእምን ካብ ዘስፈረቶ ትሕዝቶኣ ”ህዝቢ ኤርትራ መበቈሉ ምሒር ዘፍቅርን ብባህሉ ዝሕበንን ህዝቢ ብምዃኑ፡ ናብ ዕዉር ኣምልኾ ባዕዳዊ ባህልን ኣይኣተወን። ኣብ ክንድኡ፡ ባህላዊ ውርሻታቱን መበቈላውነቱን ዓቂቡ፡ በቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ዘማዕበሎ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ስልጣንን ሃገር ዘገልግል ምዕቡልን ንኹሉ ክፋላት ሕብረተሰብና ዝውክልን ሃገራዊ ባህሊ ኣብ ምዕንባብ ይርከብ። ሃገራዊ ፈስቲቫላትና ከኣ፡ ዜጋታትና ባህልን ያታን ሓድሕዶም ብዕሞቈት ዝፍለጥሉ፡ ካብ ባህላዊ ውርሻታት ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብና፡ ኣካል ሃገራዊ ባህልና ኮይኑ ክቕጽል ዘለዎ ብሉጽ ባህልን ልምድን ክብርታት ዘለልየሉ ባይታ እናፈጠረ ኣብዚ መስርሕ’ዚ ዓቢ ቦታ ኣበርክቶ ኣብ ምግባር ይርከቡ። ሰናይ ቅነ ፈስቲቫል!” ብምባል ድማ ትሕዝቶኣ ትድምድም።

እስከ ገለ ካብ አብዛ ርእሰ-ዓንቀጽ ሓዳስ ኤርትራ ተጻሒፉ ካብ ዘሎ ዝምቡዕ መግለጺታት ክፍትሽን መልሲ ክንህብን ክፍትን እየ።

ድሌታትን ሱታፌን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት – ኣብዚ ምድጋም ዘየድልዮ ግን ከኣ ቁሩብ ንምጥቃስ ጥራይ ሃገርና ብዘይ ዝኾነ ቅዋማዊ ምሕደራ ብዊንታን ድላይን ሓደ ውልቀስብ እትምሓደር፡ ህዝብና ድማ ኣይኮነንዶ ኣብ ዝኾነ ሃገራዊ ጉዳያት ሱታፌ ክህልዎ ብቐንዱ ዒም ኢሉ ከይዛረብ ተሓሪሙን ብዘይ ዝኾነ ገበናዊ መርትዖታት ድማ ኣብ ፈቐዶ ጎዳጉድን ኮንተይነራት ብኣሽሓት ንኽእሰር ኣብ ዝተፈርደሉ እዋን፡ ሎሚ ኣብ ሃገርና ካብቲ ኣዝዩ ዝኸፍአን መወዳድርቲ ዝተሳእኖን ጨካን ዘበነ-ራዕድን ስደትን ሰፊኑ ከምዘሎስ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩን እቶም ሃገር ንምብጻሕ ካብ ዝኸዱ ደቂ ሃገር ዝምስከር ዘሎ ሓቂ ጥራይ ዘይኮነስ ዓለም ብዓለሙ ዝምስክሮ ዘሎ ሓቂ እዩ። እምብኣር ኣንጻር እዚ ኩሉ ርኡይ ሓቅታት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ደረጃ ዝስኣነ ሓሶት ኣብ ርእሰ-ዓንቀጻ ከተስፍር ካብ በቕዐት፡ ስርዓት ህግደፍ ዝብሃል ከምዝስኣነን ከምኡ’ውን ሓሶት እንተተደጋገመ ሓቂ ይመስል ዝብል ግጉይ ስነ-መጎት ትኽተል ከምዘላ ንኹልና ብሩህ ክኸውን ይግባእ።

ባህላዊ ውርሻታቱን መበቈላውነቱን ዓቂቡ፡ በቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ዘማዕበሎ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ስልጣንን ሃገር ዘገልግል ምዕቡልን ንኹሉ ክፋላት ሕብረተሰብና ዝውክልን ሃገራዊ ባህሊ ብዝምልከት – ስርዓት ህግደፍ በቶም እሙናቱ ጌሩ ድሮ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣትሒዙ ዝጀመሮን ሎሚ ሃገር ምልእቲ ምስወነነ ድማ ብዕሊ ዝኽተሎ ዘሎ መስርሕ፡ ነቲ ኣብ ጥንታዊ ግን ክኣ ምዕቡል ሕግታት ሃገርና ሕጊ-ንዳባ ወይ ዑርፍ ብምኽታል ህዝብና ብውርዝናን ምክብባርን ክካየድ ከም ዘይጸንሐ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ክብርታትን ጥንታዊ ታሪኽን ዓቂቡ ክመጽእ ዝጸንሐ ባህልና ብምድምሳስ፡ ብስም ሰውራዊ ባህሊ ዝፍለጥን በቶም ቀዳሞት ኮምኒስታውያን ዲክታቶራት ክኽተልዎ ዝጸንሑ ኣዕናዊ መስርሕ፡ ሕጂ ድማ ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ ከምዝብሃል እዚ ጉጅለ’ውን ካብቶም ቀዳሞት መምሃራኑ ብዝተማህሮ ኣገባብ ታሪኽናን ባህልናን ብምድምሳስ፡ ንሓደ ውልቀስብ ዘምልኽን ንህዝቢ ኤርትራ ባዕዲ ብዝኾነ ባህሊ ንምትካእን ለይቲ ምስ መዓልቲ ጻዕርታት ይካየድ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ተመሊሳ ነዚ ርኹስ ባህሊ ከም ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ከተቕርብ ምፍታና እምብኣር ንገበን እዚ ስርዓት ንምሽፋንን ነዊሕ ዝጠመተ እከይ ዕላማ ስርዓት ህግደፍ ንምዕዋትን ዝሃቀነን ሰንካም ዕላማ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።
ተራ ፈስቲቫል ስርዓት ህግደፍ ብዝምልከት – እዚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሃገራት ዝካየድ ዘሎን ዝጸንሐን ፈስቲቫላት ብውሕዱ ክልተ ዕላማታት ንምዕዋት ዝሃቀነ እዩ፡ ንሱ ድማ ብመጀመርያ ኣኼባ ተጸዊዑ ክመጽእ ፍቓደኛ ዘይኮነ ወዲ ሃገር ብስም ፈስቲቫል ኣብ ዝእከበሉ እዋን ንፕሮፖጋንዳ ስርዓት ህግደፍ ንምስባኽን ህዝቢ ንምድንጋርን ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ብስም ዝተፈላለየ ንጥፈታትን ወፈያታትን ህዝቢ ንምምዝማዝ ምዃኑ ሎምስ ገለ ካብቶም ኣባላት ህግደፍ ኮይኖም ንዓመታት ዝተጓዕዙን በዚ ምዝመዛ ዝሰልከዩን ደቂ ሃገር ዝምስከር ዘሎ ሓቂ እዩ።

እዚ ሓቅታት ኣብ ግምት ብምእታው ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሃገር ኣብዚ ፈስቲቫል ቅድሚ ምስታፉ ክዝክሮ ዝግብኦ ጉዳያት እንተሎ፦

  • ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኣብ ዝትኣከበሉ፡ እዚኦም ደገፍተይ እዮም ብማለት ኣብ ወጻኢ ገለ ምድንጋጽ ንምርካብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድማ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ምሳይ ኣሎ ብማለት፡ ህዝቢ ዕቱብ ተቓውሞ ካብ ምክያድ ንምልማስን ይጽዕረሉ ብምህላዉ
  • ባህልኻ ምዕቃብ ማለት፡ ታሪኽ፣ ባህልን ያታን ብምምሃርን ምዕቃብን ድኣም’በር ብስም ፈስቲቫላትን ፌስታታን ዝውደብ ብዓላት ኣብ ምኻድ ባህሊ ክምዘይዕቀብ ርዱእ ኮይኑ፡ ብመንጽር ናይዚ ክርአ እንከሎ ንመናእሰያትና ካብ ባህልና ወጻኢ ዝኾነ ልማዳት ብምምሃር ንኽዓብዩ ተራ ይጻወት ብምህላዉ
  • ካብዚ ፈስቲቫላት ዝትኣከበ ገንዝብ ኣብ መርገጽትን መጨፍጨፍትን ህዝብና ይውዕል ብምህላዉ።

ኣብ’ዚ ህሞት’ዚ ተራ ነፍሲ ወከፍና ደቂ ሃገር እንታይ ክኸውን ይግባእ? ዘበን ባርነትን ዲክታቶርነትን ድማ ሞድኡ ዝሓለፎ ምሕደራ ከምምዃኑ መጠን ንሕና ኤርትራውያን ከ ካብዚ ዘመናዊ ባርነት ስርዓት ህግደፍ ሓራ ንምውጻእ እንታይ ክንገብር ይግባእ?

ብርሃነ ተስፋዝጊ

8/8/2008 ስቶክሆልም