መድሕን ሃገርን ህዝብን (The savior of the country and the people)

Written by Gebrezghi Afeworki
Monday, 16 February 2009 01:00

ወተሃደር ንናይ ሃገር ጸጥታ፤ ዶባት ሃገር ብናይ ጸላኢ ወራር ከይጠሐስ፤ ናይ ህዝቢ ሰላም ዘዑቁብን ዘደልድልን ወተሃደራዊ ትምህርትን ተዓሊምን ዘጥረየ ተኸላኻሊ ሐይሊ ኢዩ፡፡ ሐንቲ ሃገር ኩሉ ትካላት መንግስቲ ብግቡእ አቅኒዓ ብሃገራዊ ቅዋም እትምራሕ ሐደ ናይ ሃገር ምክልኻል ክፍሊ አብ ትሕቲኡ ዓበይቲ ክፍልታት ሐይሊ ምድሪ፤ ሐይሊ አየርን ሐይሊ ባሕርን ትውንን፡፡ እዞም ሐይልታት እዚኦም ነንኽፍሎም ዝምልከት ትምህርትን ተዓሊምን፤ ፍልጠትን ክእለትን አጥርዮም ልዑላውነት ሃገር ምእንቲ ከይድፈር በቲ ዝተዋህቦም ሞያ ብምድሪ፤ ብአየርን ብባሕርን ንናይ ጸላኢ ወራር ይከላኸሉ፡፡ ሐደ ሐይሊ ሃገር ካብ ናይ ጸላኢ ወራር ተኻላኻልን ካብ ዝኾነ ናይ ተፈጥሮ ሐደጋ መድሕንን ክኸውን ብናቱ ድልየት ወተሃደር ተኸቲቡ ሞያ አጥርዩ አብ ዝለዓለን ዝተሐተን ጽፍሕታት ናይቲ ዘለዎ ሐይሊ ተመዲቡ ይሰርሕን የገልግልን፤ ብመጠን ሞያኡን ተሞክሮኡን ድማ ወርሐዊ ደሞዝ የእቱ፡፡ ከምቲ ካልእ ዜጋ ድማ ዓቕሙ ዘፍቅደሉ ንድልየቱ፤ ፍትወቱን ዊንታኡን ሃገራዊ ግቡኡ እንዳአማለኤ ንኽፍጽም ዝኽልክሎ አካል የለን፡፡
ሃገራዊ ቁዋም ዓቢ መስርሕ ናይ ሐደ ምንግስቲ ተግባርን ስልጣንን ዝውስን ኢዩ፡፡ ማለት ነቲ አብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ዝርከብ ህዝቢ መሰላትን ግዴታን ስለ ዘረጋግጽ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ሃገር ዘመሐድር ሃገራዊ ቁዋም ሐንጺጹ ኢዩ፤ ሕግን ፍትሕን ዘባህርሮ ፈራሕ መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ. ድማ ንሕሉፍን ህልውን ገበናቱ ክሽፍን፤ ንመጻኢ ጊዜ ዝፈጥሮም በደላቱውን ከም ድላዩ አብ ልዕሊ ህዝቢ ክዕንድርን ክሻድንን ምእንቲ ክጥዕሞ ንሃገራዊ ቁዋም ባዕላዊ ስልጣኑ ተጠቂሙ አብ ከብሒ አቐሚጥዎ ይርከብ፡፡

ክፍለታት ምክልኻል ሃገር ንአሰራርሐ ወተሃደራቶም ዝምልከት ወተሃደራዊ ሕግታት ዘመሐድረሉ መምሪሒታትን ሕንጻጻትን አለዎም፡፡ ካብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ንታሕተዋይ አካል ሰንሰለታዊ ትእዛዝ ተኸቲሉ ወተሃደራዊ ስራሐት ንትእዛዛትን ዘፈጽም፤ ከምኡውን ካብ ታሕተዋይ ክፍሊ ዝተዋህቦ መደብን ስራሕን ብአኽብሮት እንዳፈጸመ ንመሰሉን ግብኡን ዘኽብር፡፡ አብ ሐንቲ ብሐደ ፍጹም መላኺ ስርዓት ብተጽዕኖን ህልኽን ዝምርሽ፤ ሕግን ፍትሕን ዘይክበረላ ሃገርና ኩሉ መንግስታዊ ትካላት በቲ በብጊዜኡ ዝወጽእን ዝፍንጣሕን መዕቆቢ ዘይብሉ ግዝያዊ አዋጃት ትሐልፎ ዘላ፤ ወተሃደራዊ ሕግታትውን ብግቡእን ብቅደም ተኸተልን ክሰርሕ አይክእልን፡ ሐይሊ ምክልኻልና ንአሰራርሕኡ ብዝምልከት ንኽፍልታቱ ዝጥዕም ብዝተጸንዔ አገባብ ስሩዕ መደባት ሐንጺጹ ክሕይልን ክዓብን ይግብኦ ነይሩ፡፡ እንተኾነ ግን ዲክታቶር ኢሳያስ ሐደ ጥርኑፍ፤ ድልዱልን ሐያልን ክፍሊ ምክልኻል አብ ክንዲ ዘቕውም ሃገር ምእንቲ ከይትኸብር ህዝቢውን ከይጥዕሞ ረብሓኡ እምበር ረብሐ ህዝብን ጸጋ ሃገርን ሰለ ዘየገድሶ ንረብሓኡ ብዝጥዕም ብዝሑ እምበር ዓይነቱ ብዘየገድስ ኩሉ ህዝቢ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ዘይንቡርን ዘይግቡእን አስካሕካሒ ዝኾነ ወተሃደራዊ ተዓሊም ሂቡ ኩሉ አብ ግንባር ዶባት ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ይምድቦም አሎ፡፡ ብፍቓዱን ብድልየቱን ዝተቆጽረ ሰራዊት መለለይኡን ዕጥቁን ክብሪ ሃገርን ክብሩን ምዃኑ ስለ ዝአምን ሃገሩ ጠንጢኑ ዝገድፍ የለን። ብዘይድልየቱን ብዘይፍቶቱን ብአስገዳድ ዝተወስደ ወተሃደር ግን ንአእምሮኡ አቐዲሙ በብዓይነቱ ነገራት ሂወቱ ክመርሐሉ ዝኽእል ሐጺርን ነዊሕን መደባት ስለ ዘውጽእ ነቲ ብአስገዳድ ዝወሃቦ ወተሃደራዊ ስራሐት ክአምነሉን ክፈትዎን ብምንም ዓይነት አይክእልን’ዩ፡፡ ውጺኢቱ ድማ ከምዚ በብጊዜኡ ዓመታት ዝወሰደ ዝርኤ ዘሎ እቲ ግዱድ ወተሃደር ካብቲ ተመዲብዎ ዘሎ ቦታታት ንቕድሚኡ እግሩ ዝመርሖ መገዲ ተኸቲሉ ሃገር ጠንጢኑ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንስደት የምርሕ አሎ፡፡ እዚ ኩሉ ብዓማጺ ስርዓት ኢሳያስ አብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ንዕቀትን ቅርሕንትን ዝወለዶ ጽልኢ ስለ ዘሕደረ ብምንም ዓይነት ዝዕገስ ወይ ዝምለስ አይኮነን፡፡ ብፍላይ አብዚ ጊዜዚ አብ ስሩዕ ሰራዊት ይኹን አብቲ ብአስገዳድ ዝተኸትበ ሰራዊት ብአጠቓላሊ አብ ኩሉ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታትን ዓጸቦን ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍኤ የምርሕ ስለዘሎ ኩነታት ፖለቲካውን ምጣኔ ሃብታውን ሃገርና መልክዑ ክቕይር ጊዜ ባዕሉ አፍቂዱ አሎ’ሞ ኩሉ ደላይ ሰላም፤ ፍትሕን ደሞክራሲን ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ምቹእ ጊዜ አብ ረብሐ ህዝቢ ከተውዕልዎ ትሕተቱ አሎኹም፡፡ አብ ኩሉ ጉዕዞ ናይ ሃገራዊ ነጻነት ቃልሲ ይኹን ድሕሪ ነጻነት ዘጋጠሙና ናይ ውረድ ደይብ ተሞክሮታትና ብናይ ምቹእ ጊዜን ዘይምቹእ ጊዜን አጋጣሚታት ኢዩ፡፡ ቁሩብ አብንታት ሕቶ ተጋተልቲ አብ 1993 ዓ.ም. ዲክታተር ዝወሰዶ ልዙብ አቀራርባን አብ ቑጽጽሩ ምስኣእተዎም ዝወሰዶ ዓመጽን ክሰሓት የብሉን፤ ሕቶ አካለስነኩላን ተጋደልቲ ናይ ማይሐባር አብ ልዕሊኦም ዝተወስደ አረሜናዊ ስጉምቲ ምዝካር፤ ርእይቶ ሰበስልጣን መንግስትን ነጻነት ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን አብ 2000-2001 ናይ ሰላሕ መላሕ ጊዜን ዘይምሕር ተግባራትን ዘይምዝንጋዕ፤ እቲ ኩሉ ዝሐለፈ ምኩላፋት ሸለልትነት ዝፈጠሮ ጉዳይ ኢዩ፡፡ ዲክታቶር አብ ልዕሊቲ ብውሽጢ ውሽጢ ሰሪዒዎ ዘሎ ስዉር ናይ ውሽጢ ስለላዊ መርበብ እታ ደይቡዋ ዘሎ ጎቦ’ውን ንኹሉ እቲ አብ ትሕቲኡ ዘሎ ጽፍሕታት አግሊሃ ሰለ እተርእዮ ንዝኾነ ናይ ምልዕዓል ተቓውሞ ምልክታት ክጠራጠርን ክከላኸልን ተኽእሎ ስለ ዘለዎ አንጻሩ ንዝግበር ተቓውሞ ብኹሉ ዓይነቱ ካብናቱ ንላዕሊ ዝተዓጻጸፈ ሜላ ክኸውን አለዎ፡፡ ዲክታቶር ንቁኑዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምቑላዕ ጥራይ ዘይኮነ ድሕሪ እቲ ጉዳይ ምቑሉዑ ክፉእ ተግባራቱ መመሊሹ ሜላታት እንዳቐያየረ ስለዘግድዶ ሕጂውን ነገሩ ከም ዝሐለፉ ጉዳያት ንመናውሒ ስልጣኑ ከይከውን ጊዜ ዘይወስድ ቅልጡፍን ጽፉፍን ስጉምቲ ምኽታል ከድሊ ኢዩ፡፡ ስለዚ ሐይልታት ሰራዊት መድሕን ኢኻሞ ነዚ ዓማጺ ስርዓት ኢሳያስን ተሐባበርቱን ንሃገርካ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት በብዚዜኡ ኢደን ከዋጣውጣላ ዝገበረ፤ ህዝብኻ አብ ዓጸቦ ዘእተወን ንዓኻውን መሃዝን ተማራመርን ምእንቲ ከይትኸውን ናይ ትምህርቲ ዕድላትካ ዝዓጸወን ጥራይ ዘይኮነስ ንድሕሪት ገጽካ ጥራይ ከምእትጥምትን እትሐስብን፤ ከምዚ ኢየነይረ፤ ከምዚ ኢዩ ነይሩኒ ኢልካ ብዝነበርካዮን በዝነበረካን ክትዝክርን ከተስተንትንን እንተዘይኮይኑ መደብ መነባብሮኻ ሰሪዕካ ንቕድሚትን ንመጻኢ ዕድልካ ከይትሐስብን ከይትዕልምን ንኹሉ ዓቕምታትካ ንኸይትንቀሳቐስ ዓትዒቱ ላዕላይን ታሕታይን ምንጋግኡ አላጊቡ አትሪሩ ነኺሱ ምፍንቃቕ አብዩ ዘሎ ዓማጺ ስርዓት በብዓይነቶም ዝሐለፉ ተሞክሮታትካ ሰሪዕካ ሕጂ’ውን እዚ ተረኺቡ ዘሎ ምቹእ ጊዜ ከይሐልፈካ ውሕሉል መደባትካን አሰራራሐኻን አዋዲድካ ነቲ ጩራ ሰላም፤ ፍትሕን ደሞክራሲን ሃንቀው ዝብል ዘሎ ህዝብኻ ሐንሳብን ንሐዋሩን ብዓወት አበስሮ፡፡

ሰላምን ፍትሕን ብሐድነት ህዝቢ ክዕወት’ዩ፤

ዘለአለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉአትና፤

ገብረዝጊ አፈወርቂ

14 የካቲት 2009