ስቱትጋርትን ከባቢኡን ነቲ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. (We condemn the resettlement program of villages)

Written by ean political organizations/parties and civil societies
Wednesday, 11 March 2009 01:00

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከምቲ ኩሉ አረሜናዊ ተግባራቱ ንህዝቢ ዝነበሮ ባህሉ፤ ልምዱን መነ ባብሮኡን ንምጥፋእን ንምብራስን ኩሉ ወዲ ሃገር ብግርህነቱ ከሎ ንሱ ግን ብመደብ ህዝቢ ዝጠፍአሉን ሃገር ዝባድመሉን ካብ መጀመርያ ዝሐንጸጾ ስዉር መደብ ኢዩ፡፡ እዚ ሕጂ ተታሐሒዙዎ ዘሎ ምፍንቓል ዓድታት’ውን መቐጸልታ ናይቲ በብጊዜኡ አብ ልዕሊ መሬትን ህዝብን ዝተፈጸመ ኢሰብአዊ ተግባራቱ ምዃኑ ንኹሉ ወዲ ሃገር ብሩህ

ክኸውን አለዎ፡፡

መንእሰይ ኤረትራዊ ነታ ብናይ ባዕዲ መግዛእትን በቲ በብግዜኡ ዝፍጸም ዝነበረ ናይ ጸላእቲ ወተሃደራዊ ወረራትን ኩሉ ሃብቲ ሃገርን ጸጋታታን ተደምሲሱ፤ ኩሉ ሕብረተሰባ ደኽዩ ስለ ዝነበረ ብሐፈሻ ነቲ ብጸላኢ አብ ሃገርና ወሪዱ ዝነበረ ሒማቕ ውርሻታት ካብ መሰረቱ ምሕዩ ህዝቢ ምእንቲ ክርህዎ መሬት ክለምዕ ብሐዲሽ መንፈስ ተላዒሉ ንሃገራዊ አገልግሎት ተጸዊዑ፡፡ መንእሰይ ጻዊዒት ሃገር አኽቢሩ በብሞያኡ አብ ከፍርየሉ ዝኽእል ስራሐት ተዋፊሩ ግቡእ ሃገራዊ ዕማሙ ፈጺሙ ድሕሪ ውሱን ናይ አገልግሎት ጊዜ አብ ዘዝነበሮ ቦታ ክምለስ እዩ ነይሩ ተስፋኡ፡፡ ብንግሁኡ ንጥፍአት መንእሰያት ዝተመነየን ዝዓለመን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ግን ነቲ ሞያተኛን ውፉይን መንእሰይ ሃገራዊ አገልግሎት ንዓመታት አብ ክንዲ ንህዝቢ ዝሕግዝን ሃገር ዝሃንጽን አብ ገለ

ጊዜ ናይ ጎረቤት ሃገር ጸላኢ ሃገርና ክወርር ንውግእ ይዳሎ አሎሞ ኩሉ ወዲ ሃገር አብ ተጠንቀቅ ኩን እነዳበለ ሐንሳብ ድማ ብዘይ ፍጹምን ልሉይን ናይ ስራሕ መደብ አዳልዩ አብ ዘየፍሪ ቦታታት ኮለል ክብል ወርቃዊ ጊዜኡን ሸዊት ዕድሚኡን ብብላሽ ይባክን አሎ፡፡ ኩሉ ፍልጠቱን ጉልበቱን ብዘይ ተጎልባ ንሃገር ዝወፈየ መንእሰይ ንዓመታት ፍረ ጻምኡን ፍርያት ስርሑን ክርኢ አይካአለን፤ ወይ ድማ አብ ቦታኡ ተመሊሱ ናይ ብሕቱ መነባብሮ ክመርሕውን አይተፈቕደሉን፡፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ነቲ ጽቡቕ ዕላማ ሃገር ክሃንጽ ሕብረተሰቡ ክሕግዝስ ይትረፍ ነታ እንኮ ሂወቱ’ውን ብምክትታል ውሽጣዊ ስሩዓት ሃሱሳት ህ.ግ.ደ.ፍ. ይእሰር፤ ይቅተል ከምኡ’ውን ሰላምን ፍትሕን ተሐሪምዎ፤ ግፍዕታት መሪርዎ ሃገር ራሕሪሑ ብዘይ ምርጫ እግሩ ናብዝመርሖ ይጠፍእ አሎ፡፡

ተመሃራይ አብ ሕቑፊ ወለዱ ምስ አሕዋቱን አሐቱን ክዓቢ ከሎ ቅድሚ ኩሉ እቲ ረቂቕን መንፈሳውን ልዑል ፍቕሪ ናይ ወለድን አሕዋትን ኩሉ ቤተሰብን ይሐድሮ፡፡ ወለዲ’ውን ብሐላፍነትን ብሐልዮትን ንደቆም ዘሎ ምዕዶን ምኽርን ደገፍን ይልግሱ ሎም፡፡ ተመሃሮ ብግቡእ ባህልን ልምድን ሃገር ካብቲ ዝዓበይሉ ማእከል ሕብረተሰብ አጥርዮም ሐለይቲ፤ ናይ ነዊሕ ራእይ ተመራመርቲ፤ ሐያላትን በላሕትን አብ ክንዲ ዝኾኑ ገና ዕሸላት ከለዉ ነቲ ኩሉ አረሜናዊ ተግባራት ህ.ግ.ደ.ፍ. አብ ልዕሊ ካብኦም ዝዓብዩ አሕዋቶም ክወርድ ከሎ ስለ ዝዕዘቡ ቀጻሊ’ውን አብኦም ከም ዝወርድ ይጽበዩዎ ሞ ንአተዓባብያኦም ተሃዋሲ ይገብሮ፡፡ተመሃራይ ንጌጋታት ዲክታተርአዊ ስርዓት ከቃልዕን ከፍሽልን አኽእሎ ከም ዘለዎ ዝተረድኤ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብተመሃሮ ስልጣኑ ክፈርስ ከምዝኾነ ስለ ዝተረድኤ ኢዩ ንተመሃራይ ካብ ሕቅፊ ወለዱ ወሲዱ ንምቁጽጻር ክጥዕሞ ስለ ዝቐለሉ አብ ሐደ ካምቦ አኪቡ ዘቐምጦም ዘሎ፡፡ ሐልዮት ህዝቢ ዘገድሶ ተመሃራይ ግን ተግባራት መላኺ ስርዓት ክጻወሮ ስለ ዘይከአለ ኢዩ ተቓውሞኡ ብርእይቶን ሕቶን ዘቕርብ ዘሎ፡፡ ተመሃራይን ህዝብን ክርዕድን ብአረሜናዊ ተግባራቱ ምእንቲ ክስንብድን ክስክሕን ድማ እንሆለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንተመሃሮ አብ አደባባይ ህዝቢ አኪቡ ዕሸላት ቆልዑ ብጥይት ይርሽርሽ፡፡

ናፍቖት ወለዱን አሕዋቱን መተዓብይቱን ዘይጸገበ ተመሃራይ ወገሔ ጸብሔ ጨካን ግፍዕታት ህ.ግ.ደ.ፍ. አብ ነብሱን አብ መማህርቱን ዝወርድ ዘሎ ክጻወሮ ስለ ዘይከአለ ካብዚ ሕሱም መነባብሮ’ዚ ኩሉ ከክፍኡ ዓይነይ እንዳራኹ ካብ ዝጭነቕን ዝርዕድን ዝመጽኤ ይምጻእ ዝወረደ ድማ ይውረደኒ ኢሉ ሃገር ሰጊሩ አብ መአዝኑ ዜይፍለጥ ምድረ በዳ ክጎዓዝ ብሑጻ ተደፊኑ አብ ማእከላይ ባሕሪ መግቢ ዓሳ ኮይን ዝተርፍ አሎ፡፡ ናብ ስደት ዶብ ሃገር ክሰግሩ ከለዉ ብአድራጋ ጠያይት ሃሱሳት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተረፉ፤ ብጠያይት ወተሃደራት ሐለውቲ ዶባት ጎረባብቲ ሃገራት ዝወደቑ፤ አብ ፈቐዳ አብያተ ቤት ማእሰርቲ ናይ ጎረባብቲ ሃገራትን ናይ ርሑቕ ሃገራትን

ብዘይ ገበን ብምኽንያት ኤረትራውያን ስደኛታት ምዃኖም ጥራይ አብ ቤት ማእሰርቲ ወጻኢ ሃገራት ዝበልዩ ዘለዉን መሰል ስደቶም ተገፊፉ ምስ አምባገነን ኢሳያስ ስደተኛታት ንኤርትራ ክመልሳ ናይ ወጻኢ ሃገራት ብዝገብርኦ ስምምዕ መሰረት ዝተመልሱ መቕተልትን ማእሰርትን ጭፍጨፋን የጋጥሞም አሎ፡፡ ህዝቢ ሐሪሹ፤ ጓስዩ መነባብሮኡ ክመርሕ ዝግብኦ መላኺ ስርዓት ክለምዕ ይኽእል’ዩ ዝበሎ መሬት ናይ ኩለን ዓድታት ስለ ዝሃገሮ እቶም ብሕርሻ ዝነብሩ ህዝቢ ክሐርሱ አይከአሉን፤ ከብቶም’ውን አጓስዮም ከስብሑን ከፍርዩን ዕድል አይረኸቡን፡፡ ሕርሻዊ ማእቶት ዝተነፍጎ ህዝቢ አብ ገዛ ዘለዉ ህጻናት ደቁን አረጋውያን ወለዱን ክዕንግል አብ ከበቢኡ ዘሎ ዕዳጋታት ከይዱ እኽሊ ከይገዝእ ተኸልኪሉ፤ እንተ ገዝኤ ድማ ብፍሉያት ሃሱሳት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተገዝኤ እኽሊ ይህገር አሎ፡፡

አብ ናይ ዕለት 27 የካቲት 2009 ናይ ዲክታተርያዊ ስርዓት ጋዜጣ ዝወጽኤ ብዛዕባ ነበርቲ ዝባን ሶይራን ከባቢኡን ናብ ሰፊሕን ልሙዕን ከባቢታት ንምግዓዝ ድልዋት ምህላዎም ዝገልጽ ጽሑፍ ተዘርጊሑ አሎ፡፡ እዞም ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢታት ጎሎ፤ ተልሃለርዓን ደጎጎሎን – ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ናብ’ቲ ሐሪሶምን አልሚዖምን ክነብሩሉ ዝኽእሉ ሰፊሕን ፍርያምን ከባቢታት ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ጋሽ-ባርካን ብድልየቶም ክኸዱ ተዳልዮም አለዉ ብዝብል ናይ ለግጺ ፕሮፓጋንዳ አቃሊሒዎ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ አብ ኩሉ ክፍሊ ምምሕዳራት ሃገር ወሰን ኢሉ ንዓድታት ብምኽንያት ድርቅን ጥምየትን አሳቢቡ ካብቲ ንመዋእሉ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እነዳተመሐላለፈ ባህሉን ልምዱን ዝሕብሕበሉን ዝዝክረሉን ናይ መዋእል ዝተሰረተ ኩሎም ክርስትያን ምስ አምላኾም ብጸሎት ዝራኸብሉን ቃል አምላኽ ዝሰምዕሉን ትምህርቲ ሃይማኖት ዝመሃርሉን ቤተክርስቲያን፤ አሰላም ዝሰግደሉ፤ ትምህርቲ ሃይማኖት እስልምና አስተም ህሮ ዝህብሉ መስጊድ፤ ህዝቢ ንመዋእሉ ክነብረሉ ዝሰረቶ ገዝኡ፤ ዝዝክሮም መቓብር ወለዲ፤ ቅርጻታትን ጽላታትን ዓዱ ገዲፉ ዝፈናቕሎ ዘሎ ቁሩብ ካብቲ ብዙሕ ምኽንያ ታት ናይ ዲክታቶር ኢሳያስ ነቶም ብዓዶምን ዳሕራይ ትውልዶምን ዝሐስቡን ዝንየቱን ዓቦይቲ ሽማገለታት ዓዲ፤ አረጋውያን፤ መራሕቲ ክሊቲኡ ሃይማኖታት ከጉሂን ብጓሂ ክቐትልን፤ ህዝቢ ብዘጥረዮ ንብረቱ ክሐስብን ክትክዝን፤ ከብቲ ከይተረፈ ዝለመዶን ዝዓበየሉን ቦታታት ስኢኑ አብ ዘይፈልጦ መሬት ተፈናቒሉ ክጉህን ሕማም ከሕድርን፡፡ ብኻልእ ሸነኻቱ ድማ ምስቲ ዓደይ ኢሉ ሰሪቱ መቐመጢኡን መነባብሪኡን ገይሩዎ ዝጸንሔ ነባሪ ወዲ ዓዲ ሐላይ ተመሲሉ ሰላሕታዊ እከይ ተግባራቱ አተአታትዩ ምስቶም ሐደስቲ ሰፋሮ ምእንቲ ከባእስ ህዝቢ ንህዝቢ ክጨፋጭፍ ደስ ሰለ ዝብሎ፡፡

እቲ አውራ ቀንዲ ፖለቲካዊ ዕላማ ተታሐሒዝዎ ዘሎ ምፍንቓል ዓድታት ግን ከምቲ አቓዲሙ ንኹሉ መንእሰይ ብምኽንያት ሃገራዊ አገልግሎት አዋጅ አዊጁ ብዘይተጸንዔ ገደብ ጊዜ ዘይፈሊ ንዓመታት ብዘይ ፍርያት ነብሱን ሃገሩን ከምዝጸልእ ገይርዎ ዘሎ፤ ከምቲ ዕሸል ተመሃራይ አብ ጊዜ ንእሰነቱ ፍቕሪ ወለዱ፤ ፍቕሪ የሕዋቱን ፍቕሪ መተዓ ብይቱን ከየስተማቕር ታሪኽ ንእስነቱ ከጥፍእ ካምቦ አዳልዩ አብ ውሽጡ ትምህርቲ ሰሪሑ ብርቱዕ ሕሰም ፈጢሩ ሐላፍነቱ ከምዝርስዕ ገይርዎ ዘሎ፡፡

እንብአርከስ ህዝቢ ሰላምን ቕሳነትን ከይረክብ መስርሕ ሰላምን ፍትሕን ሃገራዊ ቑዋም ንከይሰርሕ አብ ከብሒ አቐሚጡ ብሰበብ ዶባዊ ውግእ መንእሰያት አብ ግንባራት ዶባት መዲቡ፤ ንተመሃራይ ካብ ሕቕፊ ወለዱ ፈላልዩ አብ ካምቦ አኪቡ፤ ሰስብሑን ለልሙዕን መሬት ዓድታት ሃጊሩ ወዲ ዓዲ አጥምዩ፤ ሕጂ ድማ ነቲ ባዕሉ አብ ሃገር ዘተአታተዎ ጥምየት ብአጋጣሚታት ናይ ተፈጥሮ ማይ አይሃረመን ድርቂ ተስፋሕፊሑ ብዝብል ምስምስ ኢዩ ብአስገዳድ ዓድታት ዘፈናቕል ዘሎ፡፡

ስለዚ ከምቲ በብጊዜኡ ዝሐለፈ ተርእዮ መንእሰይ ብአስገዳድ ካብ ዝነበሮ መነባብርሮ፤ ተመሃራይ ብህጻኑ፤ መሬት ዓድታት ብውሑዳት አገልገልት ዲክታቶር ክውሰዱ ከለዉ እቲ ተሐቢኡ ዝተረፈ ዘምለጠሉ እነዳመሰሎ እተን መሬተን ዘይተወስደለን ዓድታት ድማ አባና አይበጽሕንዩ ብምባል ዓይንኻ እንዳርአየ ዝስቀጥ ዝነበረ ሎሚ እቲ ጉዳይ አብ ኩሉ ከም ዝበጽሔ ተፈሊጡ አሎ’ሞ ነቲ ህዝቢ እንተጠመየ አብ ነንሕድሕዱ ብናቱ ጊዝያዊ ረብሐ ምእንቲ ክሐስብ’ሞ ንፖለቲካኡን ግፍዕታቱን ከየስተውዕለሉ ብዝብል ልሙጽ አሰራሐኡ መደባት ሰሪዑ ዓድታት ይፈናቕል አሎሞ ቕድም፤ ቕድም እተን መሬተንን ዓደንን ለቒቐን ንኽዘናበላ ተምዲቡለን ዘለዋ ዓድታት እንቢ ንምፍንቓል ክብላ አለወን፤ ብመደብ ድማ ኩሉ ዓድታትን አብ ውሽጥን አብ ወጻእን ዘሎ ህዝብን ከምቲ ናይዝሐለፈ ምስቃጥ ከይድገም ብሐባር እንቢ ንምፍንቃል መሰል ህዝቢ፤ መሰል ዓድታት ይተሐሎ ሕግን ፍትሕን ይንገስ ሃገራዊ ቁዋም አብ ስራሕ ይውዓል ኢሉ ድምጹ ከቃልሕ አለዎ፡፡

ሰላምን ፍትሕን ብሐድነትን ሐይልን ህዝቢ ክዕወትዩ፤

ዘለአለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዋአትና፤

ፖለቲካዊ ውድባት፤ ሰልፍታት፤ ሲቪካዊ ማሕበራት፤

ግዱሳት ዘጋታት ስቱትጋርትን ከባቢኡን

ጊዝያዊት ሽማግለ፡፡