ብአስገዳድ ዝግበር ምፍንቃል ዓድታት ውጽኢቱ (The result of resettlement program)

Written by Gebrezghi Afeworki
Monday, 06 April 2009 01:00

አብ ሃገርና ኤርትራ አብ ዝተፋላለየ ዓመታት አብ ገለ ክፍሊ ምምሕዳር ምጡን፤ አብ ገለ ክፍሊ ምምሕዳር ውሑድ፤ አብ ገለ ቦታ ድማ ጨሪሹ ማይ ከይሃረመ ዝሐልፈሉ ክራማት አብ ገጊዜኡ ልሙድ ኢዩ፡፡

ኤርትራውያን ሐሮስቶትን ጓሶትን አብ ትውልዲ ዓዶም አብ ጊዜ ክረምቲ ማይ ከይሃረመ አብ ዝደርቀሉ እዋን ምእንቲ ሕርሻ፤ ጉስነትን ትውልዲ ዓዶም ገዲፎም አብ ውሽጢ ሃገር ብድርብ ወይ ድማ ብተነጽሎ አብቲ አኸዛ ዘለዎ ንሕርሻን ጉስነትን የገልግለና ኢዩ ዝበልዎ ነጻ ዝኾነ ቦታ መሪጾም ስድራ ቤትም (ቆልዓ ሰበይቲ) አብ ዓዶም ገዲፎም በብጊዜኡ እንዳተመላለሱ ይሰፍሩ ነይሮም፡፡ ድርቂ እንዳተናወሔ እንተኸይዱ ግን አብቲ ብሕርሻን ጉስነትን ዝዳህሰስዎ ቦታ ሐማም ዓሶ ወይ ለመምታዊ እንስሳ ከጥቁዑና አይክእሉንዮም ዝበልዎ ጊዜ ጠቕሊሎም ምስ ቆልዓ ሰበይቲ ዓዶም ገይሮም ይቕመጡ ነይሮም፡፡ ማይ አብ ትውልዲ ዓዶም አብ ዝሃረመሉ ጊዜ ድማ አብ ናይ ቀደሞም ቦታ ተመሊሾም መነባብሮኦም ከም ናይ ቀደሞም የካይዱ፡፡

ህዝቢ ባዕሉ መነባብሮኡ ከጸብቕን ከመሐይሽን ኢሉ ንዝገብሮ ምንቅስቓሳትን ምልውዋ ጥን ንጥቕሙን ረብሐኡን ኢሉ ስለ ዝገብሮ ዘዋጽኦ ይፈልጥ ኢዩ፡፡ እዘን ኩለን ዓድታ ት አብ ውሽጢ ሃገር ዘለዋ ድማ በቶም ቅድም ዝደኮኑወን ሰባት ጥራይ አይኮናን ተሰሪተን ዘለዋ፡፡ እንታይድአ ህዝቢ በቲ በብጊዜኡ አብቲ ዝነብሩሉ ቦታታት ዘጋጥሞ ጸገማት፤ ሽግሩ ንምቕላል ካብ ክፍሊ ምምሕዳር አከለጉዛይ ንክፍሊ ምምሕዳር ሰምሃር፤ ካብ ክፍሊ ምምሕራር ሐማሴን ንክፍሊ ምምሕዳር ጋሽ፤ ካብ ክፍሊ ምምሕዳር ሰራየ ንክፍሊ ምምሕዳር ጋሽ ምእንቲ ሕርሻን ሳዕሪ ብላዕን ይስደድ ነይሩ፤ ከምኡውን ካብተን ካልኦት ክፍሊ ምምሕዳራት ኤርተራ ብተዛማዲ አገባብ ሰባት በብግዚኡ አብ ኩለን ክፍሊ ምምሕዳራትን ዓድታትን ሰለዝተሰዱ ኢዮም ወለዶታት እቶም ካብ ሐደ ክፍሊ ምምሕዳር ናብ ካልእ ክፍሊ ምምሕዳር ዝተሰዱ ብዛዕባ አመጻጽእኦምን ትውልዶምን ክገልጹ ከለዉ እቶም ንሰምሃር ዝተሰዱ ትውልድና ካብ ምምሕዳር አከለጉዛይ ዓዲ እገለ ይበሃል፤እቶም ንጋሽ ዝተሰዱ ድማ ትውልድና ካብ ክፍሊ ምምሕዳር ሐማሴን ዓዲ እገለ ካብ ክፍሊ ምምሕዳር ሰራየ ዓዲ እገለ ይብሃል ዝብሉ፤ ከምኡ’ውን ካብትን ካልኦት ክፍሊ ምምሕዳራት ዝተሰደዱ ሰባት ብተምሳሳሊ አገባብ ስደቶም መአስን ካበይን ከምዝኾነ አመጻጽአ ትውልዶም ዝትርኹ፡፡
መሬት ናይ መንግስቲ ኢዩ ተባሂሉ ብአዋጅ ሕጊ አልቦ ዲክታቶርያዊ ስርዓት
ህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ዝእወጅ ግን እቲ አብ ዝጠዓሞን ዝለመዶን ንናብርኡ ማእሪሩ ንገዝኡ ጠቓምን አርባሕን ዝበሎ አቕሐ ጓቲቱ ዝአቱ ዝነበረ ወይ ድማ አብ ኩሉ ክፍሊ ምምሕዳራት ሃገር ከም ድልየቱ አብ ዘርብሖ ነጻ ቦታ ተገማጢሉ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ሎሚ አብ ዘብሎ ጠፊኡዎ ኢዱ አጣሚሩ ተወዝ ከይብል ተኸልኪሉ አደዳ ጥምየት ኮይኑ አሎ፡፡
መራሒ መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነታ ክትወድቕ ደልያ ሰንከልከል ትብል ዘላብዓልቲ ሐደ እግሪ ኩርሱ ንኸይትወድቕ ብምፍርራሕ ጠጠው ዘብላ መሺልዎንመጋድልቱ፤ መሳርሕቱ፤ ጋዘጠኛታት ሃገር፤ ዓቦይቲ ሃገር ብምእሳር፤ ንምንእሰያትብሃገራዊ አገልግሎት አሳቢቡ ወተሃደር በምዕስካር፤ ንተመሃሮ ውድቀት ሃገር እንዳተ ዓዘቡ ትም ኢሎም ከምዘይርእዩ ሰለተረድኤ ንቁጽጽር ክጥዕሞ መአከቢ ካምቦታት ሰሪሑ አብ ሐደ ቦታ ምእካብ ጥራይ ከይአኽሎ፤ ፈራሕ ብዙሕ በትሩ ከምዝበሃል ንኹሉ ወዲ ሃገር አብ ቁጽጽሩ ንምእታው፤ እነሆለ ሕጂ ድማ ህዝቢ ንምጽናትን መግለጺ ዋንነተ መሬት ንምድምሳስን አብ ምፍንቓል ዓድታት አትዩ ነቲ ብሕውነት፤ ብልምዲ፤ ብፍቕሪ ዝነብር ህዝቢ ንጥፍአቱ ስለዝዓለመ ብዘይ ድልየቱን ፍቶቱን ዓዱ ለቒቑ አብ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝመደበሉ ቦታ ተገዲዱ ክኸይድ ብአዋጅ ይነግር አሎ፡፡
መሬት ኤርትራ ተርእዮታት ድርቅን ጽምእን ካብ ዝጅምሮ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኢዩ፤
ስቡሕን ልሙዕን ንኹሉ ጊዜ ንሕርሻን ንጉስነትን ዘገልግል ፍሉይ መሬት አሎ ክትብል ውን ዘተአማምን አይኮነን፡፡ ምኽንያቱ አብ ዝሐለፈ ዓመት ማይ ምህራም ሐሪሙዎ ዝነበረ ቦታ አብ ካልእ ዓመት ክሃርሞ ይርኤ፤ በንጻሩ ድማ እቲ አኸዛ ዝነበሮ መሬት ማይ ምህራም አብይዎ ደሪቁ ክርኢ ህዝቢ ተመኩሮ አለዎ፡፡
እንብአርከስ መራሒ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ንሰላም አብ ህውከት ለዊጡ፤ ሕጊ ከልኪሉ፤ ፍትሒ አጥፊኡ፤ እቲ ኩሉ አብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወሰዶ ባዕላዊ ገበናት ምእኻል ስለ ዝአበዮ ጥራይ ዘይኮነስ ኩሉ እከይ ተግባራቱ ምቁጽጻር ስለ ዝሰአኖ፤ ዝፍጸሞ ዘበለ ኩሉ ስለ ዝጠፍኦን ዓድታት ናይ ጥንቲ ትውልዲ ዓደን ገዲፈን አብ ናይ ካልኦት ዓድታት መሬት ሰፊረን ምስቶም ናይ ቀደም ተቐማጦ፤ መሬትና፤ ሐሪሽና እንነብረሉ ኩሉ ወሲድኩሞ፤ ማይ ንሰትዮ ወዲእኩሙልና፤ ገረብና ቆሪጭኩም አብሪስኩሞ፤ ዕነጨይቲ ሐዊ ዝነድድ ስኢና ብምባል አብ መንባብሮኦም ተወዳደርቲ ስለዝአተውዎም አብ መንጎ ክልቲኡ ሐዲሽ ሰፋራይን ናይቀደም ተቐማጣይን ህዝቢ ስምምዕ ጠፊኡ ባእሲ ተፈጢሩ ነንሕድሕዶም ምእንቲ ክቃተሉ ንሱ ድማ አብ ጥቓይ ጥራይ አይትቕረቡ ነዛ ሰንከልከ ል እትብል ዘላ በዓልቲ ሐንቲ እግሪ ኩርሰይ አይትተነክፍዋ እምበር አብ ነንሕድሕድኩ ምስ ከም ዓቕምኹም ኢሉ አማዕድዩ ክርኢ ዝፈጠሮ ሰላሕታዊ ሜላ ኢዩ፡፡
ስለዚ ብመሰረቱ እቲ ጥፍአት ነተን ክፈናቐላ መደብ ወጺኡለን ዘለዋ ዓድታት ጥራይ ዘይኮነስ፤ እዚ ሕማምዚ እንተጀሚሩ አብ ኩለን ዓድታት ክመሐላለፍ ስለ ዝኽእል ኩሉ ህዝቢ ደላይ ሰላምን ፍትሕን አብዘዘለዎ ንጸግዑ፤ ንኸውሉ፤ ዓይኑ እንዳረአየ እዝኑ እነዳሰምዔ ትም ከይበለ ተቓውሞኡ ከርኢ ክኽእል አለዎ፡፡ ሽዑ ድማ ኢዮም እቶም ብጊዝያዊ ረብሐ ተታሊሎም ሕድሪ ጠሊሞም ንሕስረት ክብረት መሲልዎም ምስዚ አጥፋኢ ዓማጺ ናይ ሎም ሽፍታ ንሽጉርን ጥሙይን ህዝብና ንኸጥፍኦ ሐሶት ቃላት ጠላሊፉ ሓቂ ከምስል ሰዓብትን ደገፍትን ከጥሪ ሰምዑኒስምዑኒ ዝብል ዘሎ፡፡ ክቡር ህዝብና ክብረቱ አጽኒዑ ሒዙ አሎ፤ እቶም አፎም ቁኑዕ ቃል ከይዛረብ ጋእጋእ፤ ወታእታእ፤ ዓይኖም አተኩሩ ከይርኢ ደኒኖም ንሐቂ ቁልቁል አፉ ደፊኦም ደድሕሪ ጋኒን ዝዓሸሮ ሕልናኡ ዘጥፍኤ ሰብ፤ ዝጉተቱ ዘለዉ ጽባሕ ብሐይሊ ህዝቢ ምስ ተሳዕረ ሕብኡኒሕብኡኒ ክብል ከሎ እዞም ናይ ሎሚ ተጎተቲ ድማ ብግብሮም አብ ቕድሚ እቲ ጸግዖምን ወገኖምን ዝኾነ ህዝቦም ክሐፍሩ ኢዮም፡፡
ሰላምን ፍትሕን ብሐድነት ህዝቢ ክዕወት’ዩ፤
እሱራት ብርሃን ጸሐይ ክርእዩ ኢዮም፤
ዘለአለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉአትና፤
ገብረዝጊ አፈወርቂ
5 ሚያዝያ 2009