ብድሆ ሐይሊ ሰራዊት (The role of the military)

Written by Gebrezghi Afeworki
Wednesday, 13 May 2009 01:00

ወተሃደር ንናይ ሃገር ጸጥታ፤ዶባት ሃገር ብናይ ደገ ጸላኢ ወራር ከይጠሐስን ከይድፈርን ዘዑቁብ ጥራይ ዘይኮነስ ከምኡውን አብ ውሽጢ ሃገር ንዝፍጠር ናይ ተፈጥሮ ሐደጋ ዝከላኸል አብ ልዕሊ ህዝቢ ሰላም ንዝዘርግ ባዕላዊ ስልጣን ዝብድህ አብ ትሕቲ ግዝአተ ሕጊ ግቡእ ወትሃደራዊ ትምህርትን ተዓሊምን ዘጥረየ ምኩር ተኸላኸሊ ሐይሊ ኢዩ፡፡
እምባ ገነን ሐላፊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ጽቡቕ ድልየትን ለውሃት ህዝቢን ተጠቂሙ ዘይተአደነ ብኸእምን ዝኽእል ቃላት ሃገር ክትለምዕያ፤ ህዝቢ ክረብሕዩ ዝብል ዓቦይቲ መደባት ግን ከአ አብ ግብሪ ዘይውዕል አብ አፉ ዝተርፍ መደብ ዕዮ ሐንጺጹ፤ ዘይትግበር ማሕላታት አብ ቕድሚኡ ገቲሩ፤ ሕቡእ አሳሪ፤ ቀታሊ፤ አጥማይ አጀንድኡ ካባ ድኽነት ኸዲኑ ኢዩ አብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሑ፡፡ ስልጣኑ ተጠቒሙ ድማ እኖሆለ ትጽቢት ህዝቢ ዝመኽነሉ ሰላም ሃገር ዝፈርሰሉ ዕላማ ተሐንጊጡ መንእሰያት አብ ዘየፍሪ ሃገራዊ አገልግሎት መዲቡ ኸርቲቶም ሒማቕ ኩነታት ሃገር ጸሊኦም ከምዝ ዝስደዱ ዝገብር ዘሎ፡፡ ተመሃሮ ንእከይ ተግባራቱ ተረዲኦም ተወዲቦም ምእንቲ መሰል ህዝቦም ተቓውሞኦም ከየስምዑ ነቲ ውሁብ ነጻነት አተዓባብያኦም ገፊፉ በብዓመቱ ካብ ሐደ ውሱን ክፍሊ ትምህርቲ ወሲዱ ንኹሎም አብ ሐደ ዝእክብ ካምቦታት ሰሪሑ ብዋርድያ ይሕልዎም፤ ካብዚ ዘምለጡ ድማ ይስደዱ አለዉ፡፡ ሰሪሑ ነጊዱ ስድራቤቱ ዝናቢ ዝነበረ መንእሰይ ካብ ተገፈ፤ ግቡእ ትምህርቱን መነባብሮ ስድርኡን አወሃሂዱ ዝመሃር ዝነበረ ተመሃራይ አብ ካምቦታት ካብ ተቐመጠ፤ ሃገራዊ ሰራዊት’ውን መላኺ ስርዓት ብዝጻሕተሮ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ውግአት ሃገር ከይትድፈር ብዝብል ሐቂ ብዘምስል ሐሶት አዋጃት ንዓመታት አብ ወተሃደራዊ መዛግብ ካብ ሰፈረ፤ መነባብሮ መሪርዎ ሃገር ለቒቑ ይስደድ አሎ፡፡ አገልጋሊ መንእሰይ፤ ተመሃራይ፤ ሐይሊ ሰራዊትን ንቅድሚኡ ዛሕአዘሕ እነዳበለ ካብ ተሰደ ኽፉእ ዕላማ ህ.ግ.ደ.ፍ’ዩ ተዓዊቱ እምበር መደባትን ጽቡቕ ራኢ ሕዝብንሲ ተረጊጹ ኢዩ ዘሎ፡፡ ፖለቲካ ሃገር፤ አኮኖሚ ሃገር ብውሑዳት ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ተገቢቱ ማሕበራዊ ጉዳያት ህዝቢ ተዛናቢሉ ኩሉ ጉዳያት ሃገር መአዝኑ ስሒቱ አብ ዘመልክቶ ጠፊኡዎ ከም ንፋስ ማንጥሊሽ የዕገርግርን ይገማጠልን አሎ፡፡ አብ ከምዚ ዝተመዛበለ ኩነታት ሃገር፤ ብምፍርራሕ፤ ብምፍካርን ብሕቡእ ውሽጣዊ ተፍትሽን ዝነብር ህዝቢ ሐደ መዕለቢ ሐሳብ አብ አእምሮኡ ክፈጥር አይክእልን’ዩ፡፡ እዚ ኩሉ ዝወርድ ዘሎ አደራዕ ንወተሃደር፤ ንመንእሰይ፤ ንተመሃራይ ጥራይ አይኮነን፡፡ ንኹሉ ህዝቢ ኢዩ፡፡ ንስኻ ወተሃደር ሃገር ንስኻ መንእሰይ ሃገር፤ ንስኻ ተመሃራይ ሃገር ንአረጋውያን ወለድኻ እትናብዮምን እተልዕሎምን ዝነበርካ ወለድኻ ምስ ተፈሌኻዮም አብ ሒማቕ መነባብሮ ከምዘለዉ ትፈልጥ ኢኻ፡፡ ብዓል ሐዳር ዝኾንካ መንእሰይ እታ እተፍቕራ መናብርትኻ ኩሉ ኩነታታ፤ ትናፍቕ፤ ትሐምም፤ ትጠሚ፤ ትዓርቕ ከምዘላ ካብ ምሕሳብ ዓሪፍካ አይትፈልጥን፡፡ አቦ/አደ ዝኾንካ/ኪ እቶም ብዘይካ ብጻዕርኹም ዘምጻእክምሎም መግቢ ዘይዕንገሉ ዕሸላት ደቅኹም፤ ይናፍቑ፤ ይጠምዩ፤ይዓርቁ አለዉ ዝብል ሐሳብ ካብ አእምሮኹም ተፈልዩኩም አይፈልጥን፡፡ ዘፍቀርካ/ኪ፤ መንእሰይ ኤርትራ ክትምሃሩ ክትሰርሑ ክትምርዓዉ ሐዳር መስሪተኩም ቆልዑት ክትወልዱ ማሕበራዊ መነባብሮኹም ክጽብቕ ክዕምብብ ዘውጻእኩሞ ናይ ነዊሕ መደባትኩም ብዘይ ምፍጻምኩም ናይ ሕልና ቅሳነት ከሊኡኩም አሎ፡፡
ብዓቢኡ ድማ እቲ ገደብ (ንውሐት) ዓመታት ዘይፈሊ አብ ልዕሌኹም ዝወርድ ዘሎ ብመዓልቲ መረረት ጸሔይን ሃሩርን አብ ትሕቲ ጽላል ገረብ ተሕልፍዎ፤ ብለይቲ ቁርን አስሐይታን አብ ጎዳጉዲ መዛግብ ውግእ ትሰፍርዎ፤ ኩሉ ዘለኹሞ ናይ ሰሃሮ ናብራ ባዕልኹም ትፈልጥዎ፡፡ ሐይልታት ሰራዊት ሃገር ንኹሉ ጉዳይኩም ንውሽጣዊ ጸላኢ አሕሊፍኩም ብምሃብን ብምሰቃጥን ፍጹም መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. በደላቱ አብ ልዕሊ ህዝቢ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳኸፍኤ ይኸይድ አሎ፡፡ ሐይሊ ሰራዊት ንስኻ ውሽጣዊ ኩነታት ሃገር ተዓዚብካ ንጽቡቕ ተግባራት (ዕዮታት) ክትድግፍ ንጉጉይ መስምራት ወጊድ ክትብል ሐላፍነትካ ኢዩ፡፡ እንብአርከስ ቀዳማይ ጸላኢ ናይ ደገ ሐይሊ ብፍሩይ ዓይንኻ ክትጥምቶ ከሎኻ ጎኒ ጎኑ ውን ንስልጣኑን ንረብሕኡን እንተዘይኮይኑ ረብሐ ህዝቢ ረሲዑ ሃገር ዘቖንቁን ዘሎ ናይ ውሽጢ ጸላኢ፤ ፍጹም መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ፍሉይ ትዕዝብቲ ገርካ ከምቲ አብ ልዕሊ ናይ ደገ ሐይልታት ጸላእቲ ሃገራት ዶባት ሃገርና ከይድፈር ዝበዳህካ መሰረት ዓወት ጽንዓትካ ተጠቒምካ ክትብድሆ ምሉእ ሐላፍነትካ ኢዩ፡፡
ንኹሉ ጊዜ አለዎ፤ ሽግር ክሐልፍ’ዩ ኢልካ አብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ አደራዕ ትም ኢልካ ምርአይን ምጽባይ ክሳዕ መዓሰዩ? ህዝቢ ክሳብ ዝጸንት?
ስለዚ ውሽጣዊ ብድሆ እዩ ንኹሉ ካብ ሃገር ወጺኡ አብ ወጻኢ ሃገራት ተመስሪቱ ንዘሎ ናይ ፖለቲካ ተቓዋሚ ሐይልታት ናይ ሲቪል ማሕበራት ደገፍትን ተማጻደቕትን ደቂ ሃገር አብ ሐድነት ከምጽእ ዝኽአል፡፡ ሽዑ ድማ እዩ አብ ሃገር ሰላም ሕግን ፍትሕን ክምስረት ዝኽእል፤ አረጋውያን ወለዲ አብ ቀርዓት ገዝኦም ኮፍ ኢሎም፤ ሕጻናት ቆልዑት ሐዚለን ብርሃን ጩራ ክርእያ ዝጽበያ አንሰትኹምን ደቅኹምን፤ አብ ቤት ማእሰርቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ተሞቑሖም ዘለዉ ኩሎም ናይ ፖለቲካ ኡሱራት፤ ከምኡ’ውን ሽዑ ኢዮም እቶም ኩሎም ሐገዝኩም ዝጽበዩ ብብድሆ ናትኩም ሐገዝ ዝረኽቡሞ ሃየ፡፡
ሰላምን ፍትሕን በሐይሊ ህዝቢ ክዕወተ’ዩ፤
ናይ ፖለቲካ ኡሱራት ክፍትሑ ኢዮም፤
ዘለአለማዊ ኽብርን ዝኽርን ነስዉአትና፤
ገብረዝጊ አፈወረቂ
10 ግንቦት 2009