ህልዊ መድረኽን ግደ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራን

መቕድም ፈጻሚ ኣካል ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ 2016-02-(20-21) ኣብ ስቶኮሆልም ኣኼባ ኣካየደ። ዕላማ ዝተጠቕሰ ኣኼባ ጉድለታት ሰልፍናን መንፋዓት ካልኦት ውድባትን ብምግምጋም፡ ንኣወዳድባ ሰልፍና ምምሕያስን ንጥቕምታት ህዝብና ብዝዓዘዘ መንገዲ ምቅላስን ኣብ ህዝብና ዝተመርኰሰ ግምጃ ምምስራትን እዩ። ነዞም ዝተጠቕሱ ሸቶታት ብምምዕባል ሰልፍና ንቓልሲ ደሞክራሲ ከጠናኽር ተዓጢቑ ኣሎ። ኣብዚ ጽሑፍ መትከላት ሰልፊ ጉባኤን ፖለቲካዊ መስመሩን፡ ብተወሳኺ ድማ መድረኻዊ ውሳኔታቱን ተመዝጊቦም ኣለዉ።   ኣብ ዝሓለፉ መድረኻት መራሕቲ ሰልፍና ንተጻባኢ ወፈራ ስርዓት ኣስመራን ተጻረርቲ ውድባትን ብጽሞናን ትብዓትን ተኸላኺሎም ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ስለ ዘሰጋገርዎ ታሪኻዊ ግደ ተጻዊቶም ክብሃል ይከኣል። ሰልፍና ክምስረት ከሎ ስሙ፡ “ሰልፊ ተራድኦ ኤርትራ” ነበረ። 2006/7 ዝተንጸበሩና ውድባት ምሳና ስለ ዘይተቓደዉ ስም ሰልፍና “ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ስትራትጊ ዓዲ” ተባሂሉ ተሰምየ። ኣብ ካርቱም 2007 ዝተኻየደ ኣኼባና ተሳተፍቲ ውድባት ካብ ሰልፍና ምስ ወጽኡ ቅርጻ ሰልፍና ኣብ ህልዊ መልክዑ ረግኤ። ከም ካልኦት ዓበይቲ ውድባት በሃልቲ ብሃይማኖትን ዘርእን ኣውራጃን ተሰሪዕና ኣንተንኸውን ሰልፍና ካብ መን ምንኣሰ። ሰልፍና ሃገራውን ደሞክራሳውን ስለ ዝዀነ ዘበት ብሃይማኖት ዘርእን ኣውራጃን ኣይስራዕን እዩ። ስትራተጂ ዓዲ እኹል እዩ!!!       መበገሲ ራእይና ኤርትራ ብዓድታት ዝተሰርዓት ሃገር እያ እዩ ዝብል። ሰልፍና ካብ ትኲረት ናብ ዘርኣውን ዓሌታውን  መበቈል ሓራ እዩ፣ ካብዚ መትከል ተበጊስና <ኣበይ ዓዱ ወዲ መን ደኣ ኰይኑ ኢና ንብል> እምበር እንታይ እዩ ዘርኣውን ዓሌታውን መበቈሉ ኣይንብን ኢና። ኣብ ነጻ ሃገረ ኤርትራ ሕጊ ዜግነት የልቦን፣ እቲ ዝተኻየድ ረፈርንዶም (እስትፍታእ) ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኰይናዶ ትቐጽል ወይስ ነጻ፡ ልኡላዊት ሃገር ትኹን ዝብል ጥራይ እዩ ነቢሩ። ሎሚ ኤርትራውነት ኣብ ኣባልነት ህግደፍን ክፊሊት 2% ዝተመስረተ እዩ።   መለለዪታት ሰልፍና ሰልፍና ካብ ካልኦት ውድባት ዝፍለየሉ ነጥብታት ኣለዉ፡ ንሳቶም ድማ ከምዚ ዝስዕቡ እዮም፥ 1. ሰልፍና ፖለቲካዊ ሰልፊ ስለ ዝዀነ ምስ በርጌሳዊ ማሕበራት ዝፈልዮ ደንደስ ንጹርን ዘየማትእን እዩ።  ብመሰረት፡ ካብ 2001 / ጀሚሩ ዝተሓንጸጸ ምስመርና፡ Action Groups ምምስራት እዩ። ስለዚ ግቡእና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ነጠፍቲ ጉጅለታት ምቕዋም እዩ፡ ብዝተረፈ ዕላማና ንሲቪክ ማሕበራት ናብ Action Groups ከም ዝኣትዉ ምጽዓር እዩ። 2. ብተወሳኺ ሰልፍና ቤት ትምህርቲ ፍክረነገር (School of Thought) እዩ። ብጥርኑፍ ኣዘራርባ ሓደ ካብቶም ማእከላውያን ዕማማቱ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ፖለቲካዊ ህጻንነት ኣውጺኡ ኣብ ደረጃ መጻኢ ዕድሉ ባዕሉ ከም ዝውስን ምብጻሕ እዩ። 3. ቀንዲ ዕላማ ሰልፍና ንስርዓት ኣስመራ በደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካእ እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ስትራተጊና ኣብ ውሽጢ ንህዝቢ ኤርትራ ብማሕበራት ዓዱ ምስራዕን ኣብ ደገ ድማ ሓይልታት Action Groups ምቕዋምን እዩ። 4. ሰልፍና ንጹር ኤርትራዊ ኣይድዮሎጊ ኣለዎ፡ ንሱ ድማ ተራድኣዊ ምዕባለ (Cooperative Development) እዩ። 5. ከምቲ ሎሚ ኣብ ሰልፍና ሃገራውን ደሞክራስያውን ሽርካታት ዝዀንና፡ ጽባሕ ድማ ኣብ ቊጠባዊ ሜዳይ ሽርካታት ኢና።    መድረኻዊ ዕማማት ሰልፍና 1.ምጥንካር ሰልፍና ህንጸት ሰልፊ ቀዳማይ መትከል ሰልፍና ብቑዕን ጥርኑፍን መሪሕነት ምፍጣር እዩ፣ እዚ ማእከላዊ ዕላማ ኣብ ኣባላት መሪሕነት፡ ኣብ ስራሕ ሕድሕድ ከይኣተዉ ጸብጻቦም ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ የቕርቡ፡ ኣቦ መንበር ድማ ብመሰረት ዝቐረብሉ ጸብጻባት መምርሒ የቕርብ። ኣባላት መሪሕነት ሰልፍና በብሜዳያቶምን ሓላፍነቶምን ዓቅምታቶም ብቐጻልነት ምስ ዘማዕብሉ ሰልፍና ይድልድል። ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ኣብ ልዕሊ ሓላፍነት ኣብያተ ጽሕፈቶም ናይ ውድባ ሓላፍነት ኣለዎም።   ቊጠባ ሰልፊ ወርሓዊ ዝተወሰነ መጠን ገንዘብ ቀዳማይ ግቡእ ኣባልነት ስለ ዝዀነ እዚ መትከል ምስ ዝኽበር ውድብና ይድልድል። ኩላትና ኣባላት መሪሕነት ንግምጃ ሰልፍና ንምድልዳል ፕሮጀክትታት ምስ እነቕርብ ሰልፍና ይጥንክር። ሓደ ካብዞም ፕሮጀክታት ድማ ኣባልነት ሰልፍና ምስፋሕ እዩ። ግደ ዜና ኣብ ህልዊ መድረኽ ሰልፍና website editorial board ኣለዎ። ኩሎም ጽሑፋት ብጾትና ብቐዳማይ ደረጃ ኣብ ዌብሳይትና ይልጠፉ። ኣብ ካልኦት ዌብ ሳይትስ ብማእከልነት ምስ ዝዝርግሑ ሰልፍና ይጥንከር። ኩሎም ኣባላት መሪሕነት ክጽሕፉ ድማ ተደላዪ እዩ። ምቛም ማሕበራት ዓዲ መራሕቲ ሰልፊ ኣብ ዘዝቕመጥሉ ሃገር ይኹን ከተማ ብመሰረት ቅዋምና ማሕበራት ዓዲ የቕውሙ፣ ብተወሳኺ ኣብ መንእሰያት ዝተመስረተ Action Groups የቕውሙ። .  ፖለቲካዊ ትምህርቲ ምሃብ ጽሑፋት ሰልፍና ምንባብ ንመሪሕነት ሰልፍና የደልድል እዩ። ብተወሳኺ ድማ ናይ መጽናዕቲ ፕሮጀካትታት ብምውጻእ ዓቕሚ መሪሕነት ምጥንካር መሰረታዊ እዩ። 2. ኣብ ግብራውነት ዝተመስረተ ልፍንቲ ዘሎናዮ መድረኽ A Coalition of Forces of Action ተባሂሉ ክስመ ይኽእል፡ ከመኡ ስለ ዝዀነ ድማ መድረኽ ዝጠልቦ ፍልማዊ ስጒምቲ ቅድመሰልፋዊ ስምረት እዩ።  ቅድመሰልፋዊ ስምረት ሰለስተ ክማልኡ ዝግብኦም ሸነኻት ኣለውዎ፡ ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥ ) ቅድመሰልፋዊ ፕሮግራም ) ውደባ ቅድመሰልፋ ቅርጻ ) ቅድመሰልፋዊ መሪሕነትን እዮም።   ፖለቲካዊ መስመር ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ   1. ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ንጉዳይ ዜግነት ዝሕንጽጽ ቅዋም ይቃለስ 2. ከምኡ እውን ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ንሓደ ንስልጣን ህዝቢ ዘማእከለን ኣድማሳውን ኣድልዎኣልቦ መሰላትን ነጻን ምስጢራውን ምርጻ ይቃለስ 3. ፍትሕን ልኡልነት ሕግን ካብ ብካለ ፖለቲካውን ማላውን ጽልዋታት ነጻ ምስ ዝኸኑ ጥራይ እዩ ህያው ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ዝትከል ዝብል እምነት ንብገስ 4. ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ስለ ካብ ጣልቃ ምትእትታው ነጻ ዝዀነ ስርዓተፍትሒ ይቃለስ 5. ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ታሪኻውያን ኣውራጃታት ኣብ ንቡር ቦታኦም ክምለሱ ይቃልስ 6. ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ መትከል ሰልስተ ጽፍሕታት ባይቶ፤ ማለት ባይቶታት ዓድን ኣውራጃን ሃገርን መሰረት ኤርትራዊ ፓርላማና ኢማእከልነትን ደሞክራስን ክኸውን ይቃለስ 7. ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ስለ መትከል ውልቀዋኒን መሬት ይቃለስ፣ መሬት ናይ ዓዲ እምበር ናይ መንግስትን ኣውራጃን ስለ ዘይኰነ ኣብ መንጎ ደቀዓዲ ንመንበርን ሕርሻን ይምቀል 8. ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ዝኽረ መዘናኣልቦ ቃልሲ ነጻነትን ጅግንነት ስውኣት ኤርትራ ንዘልኣለም ከንበልብል ይቃለስ፡ ሓውልትታን መዘከሪታትን ስውኣት ኣብ ዓዲ ክትከሉ ይቃለስ 9. መትከል ደንደሳት ሰልስተ ስልጣናት ከይጥሓሱ ክንሕልው ኢና 10. ኣብ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ፈጻምን ሓጋግን ፈራድን ስልጣናት ካብ ሓድሕድ ዝተፈልዩ ኣገልግሎት ክህልዎም እዩ። 11. ፈራዲ ኣካል ስልጣን ባዕለውሳነን ምስጉን ስነምግባራዊ ደርጃን ሞያዊ ጽፈትን ክህልዎ እዩ። 12. ግዝኣተሕጊ ኣብ ነጻ ኣብያተ ፍርድን፡ ማዕረነት ኣብ ቅድሚ ሕግን፡ ሕጋዊ ውሕስነት ንግለሰባትን፡ ዝተመስረተ ክኸውን እዩ። 13. ንግለሰብነትን ሰብኣውነትን ዝሓቘፈ ደብተረመሰላት (Bill of Rights) ክሕገግ ክንቃለስ ኢና።   መትከላት ቃልሲ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ስትራተጂ ዓዲ ኣብ ህልዊ መድረኽ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ስትራተጂ ዓዲ ወዲቡን ኣዕጢቑን ንስርዓት ህግደፍ ምውዳቕ እዩ።     ውሳኔታት ፈጻሚ ሽምግለ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ጉዳይ ዶብ እንሆ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዘይሕንጸጽ ዕስራ ዓመት ቀሪቡ። ንቡር መርገጽ ሰልፍና ከም ዝስዕብ እዩ፥    ሕቶ ዶብን ሰላምን ዶበኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሳብ ብሕቡራት መንግስትታት ሕጋውነት ለቢሱ፥ 1) 1952) 2) ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብማእከልነት ሕቡራት መንግስትታት ዝተኻየደ ረፈረንዱም ንነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣድሚጹ እዩ ይኹን ኣምበር ድሕሪ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮሚሽን ዶብ ይኹን ዓለምለኸዊ ቤት ፍርዲ ንኣፈጻጽማ ፍርዲ ዝትግብር መምርሒ ኣየውጽአን፣ መምርሒ ኣፈጻጽማ ክልተ ዕማማት ኣለውዎ ንሳቶም ድማ 1) ንኣተገባብራ ተክኒካዊ ሸነኻት ምምችቻእን 2) ትግበራ ሕንጻጸዶብ ብፖለቲካዊ ሕቶታትን ከም ዘይዕንቀፍ ምግባርን እዮም እቲ ተክኒካዊ ሸነኽ ነቲ ኣብ ካርታ ዝተሓንጸጸ ዶብ ኣብ ባይታ ስለ ክትከል ተክኒካዊ ዓቕምታት የሰናድእ፤ ከም ዝፍለጥ ዶብ ኣብ ባይታ ክሕንጸጽ እንተዀይኑ መርበባት ፈንጂ ብኽልቲኦም ተጻባእቲ መንግስትታት ክጽረጉ ግድን ይኸውን፣ ትግበራ ሕንጻጸዶብ ፖለቲካዊ ሸነኽ እውን ኣለዎ ንሱ ድማ ምፍንታት ተጻባእቲ ሰራዊታት እዩ ብኻልእ ኣዘራርባ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ከሎ ዶብ ክሕንጸጽ ይኽእል ድዩምስኡ ዝተተሓሓዘ ፖለቲካዊ ሕቶ ድማ ሓደ ሸነኽ ወይ ክልቲኦም ሸነኻት ንትግባረ ሕንጻጸዶብ ምስ ዝዕንቅፉ ሕቡራት መንግስትታት ነቲ ዝኣበየ ኣካል ብኣየናይ ኣገባብ ከም ዝቐጽዕዎ ኣይተነጸረን። ሕንጻጸዶብ ብመምርሕታት ኣፈጻጽማ ተሰንዩ እንተዝነብር ስርዓት ኤርትራን ሕቡራት መንግስትታትን ”ዶብ ይተሓንጸጽ” ዝብል ፖሊሲ መዋጽኦም፤ እዚ ዕድልዚ ካብ ጐደለ ግን መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ሕንጻጸዶብን ሰላምን ክዛተዩ ግድን ይዀውን፣ እምበኣር ብይን ሕንጻጸዶብ ብመምርሕታት ኣፈጻጽማ ተክኒካዊ ጽርገት መርበባት ፈንጅን ፖለቲካዊ ምፍንታት ሰራዊታትን ምልዓል ኣዋጃት ውግእን ስለ ዘይተሰነየ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነዞም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ኣልዒሎም ምስ ዝዛተዩ መንገዲ ሰላም ይርሑ።     ትርጉም ኣይ ሰላም ወይ ኲናት ውዕል ኣልጅርስ ድስከላ ተጻባእነት ወይ ”cessation of hostilities” ወሰነ፣ እዚ ማለት ድማ ፍርዲ ክሳብ ዝብየን ክልቲኦም ሸነኻት ኣብ ውግእ ከይኣትዉ እጉዳት እዮም ማለት እዩ፣ ኣዋጃት ኲናት ብሓደ ሸነኽ ይኹን ብኽልቲኦም ሸነኻት ስለ ዘይተላዕሉ ጉዳይ ዶብ ኣብ ክሊ ኩነት ውግእ ወይ ”state of war” ተበይኑ፣ ብይን ዶብ ብኽልቲኦም ሸነኻት ቅቡል እንተዝኸውን ኣዋጃት ኲናት ምተላዕሉ ነበሩ፣ ስለዚ ድስከላ ተጻባእነት ”cessation of hostilities” ኣብ ኣይ ሰላም ወይ ኲናት ”no peace no war” ተቐይሩ ይርከብ፣ ካልእ ትርጉም ናይ ኣይ ኲናት ወይ ሰላም ተዂሰኣልቦኣዊ ወይ ዝሑል ኲናት እዩ፣ ሰንሰለታዊ ወለዶታት መንእሰይ ኣብ ወታሃደራዊ ደጀናት ስለ ተሓየሩ ህይወት ሃገር ተደምሲሱ ይርከብ፤ እዚ ዓቕመሰባዊ ብርሰት ኲናት ከይኰነካብ ኩሉ ዘስግእ መዓልቲ ምስ ዝነውሕ ሃዋህውኣይ ሰላም ወይ ኲናትኣብ ኲናት ከምርሕ ስለ ዝኽእል እዩ፣  መንገዲ ሰላም ግንዘባ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ቅደምተኸተል ውግእ ክልትኤን ሃገራትን ስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ቤት ፍርድን ንመገዲ ሰላም ይሕበር እዩ፣ እምበኣር መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቶም ኣብ መንጎኦም ዘንጃብቡ ዘለዉ ወጥርታትን ማሕለኻታትን ምእንታን ክፈትሑ ነዞም ዝስዕቡ ኣርእስትታት ኣልዒሎም ክዛተዩ ኣገዳሲ ይኸውን፦ 1.ጽራግ ፈንጂታትን ምፍንታት ሰራዊትን 2) ብዛዕባ ተክኒካዊ ትግበራ ሕንጻጸዶብ ምስምማዕ 3) ብዛዕባ ምልዓል ኣዋጃት ኲናትን ሰላምን ኣብ መወዳእትኡ ጉዳይ ዶብ ብመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን እዩ ዝድምደም፤ ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ስልጣን ከለዉ ምስ ዝፍታሕ ሰላም ይሰፍን፤ ድሕሪኡ ዝመጽእ ግን ሽኦል ከይከውን ንሰግእ፣ ንምዃኑ ተቛወምቲ ይኹኑ ደገፍቲ ስርዓት ኤርትራ ንጉዳይ ዶብ ኣእዳዎም ኣጣሚሮም ክርእዩ ጽቡቕ ድዩ? ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ካብ ዝብል መስመሩ ተበጊሱ ሓያሎ ጽሑፋት ኣበርኪቱ እዩ ዲክታቶር ኤርትራ ልዝብ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ዝነጽግ ተቓወምቲ ሓይልታት ሓደ ወካሊ ኮሚሽን ፈጢሮም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍልማዊ ድርድር ምጅምር ግዴታ ኣለዎም።     ህዝባዊ ፍትሒ ) ዲክታቶራዊ ስርዓት ኤርትራ ንኢትዮጵያውያን ብዘይ ምኽንያት ጠረዘ፡ ንብረቶም ድማ ሃገረ። ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ነዞም ዜጋታት ይቕሬታ ይጥይቕ። ኣብ ሕጊ ዓለም መንግስቲ ዝወነኖ መንግስቲ ብኣዋጅ ስለ ዝምልሶ፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምስ ቀወመ ዝተወነነ ንብረት ኢትዮጵያውያን ኣብ ዋናታቱ ስለ ክምለስ ሰልፍና ኣትሪሩ ክቃለስ እዩ። ) ነፍሰሔር ቀዳማይ መለስ ዜናዊ ነቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝተባረሩ ኤርትራውያን ይቕሬታ ከም ዝጠየቑ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። እንተዀነ ግን ቅድሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ <ብመንግስቲ ዝተወነነ መንግስቲ ይመልስ> ዝብል መትከል ብኣዋጅ ዝትርጉሞ፡ ቀዳማይ ምኒስተር መለስ ካብዛ ዓለም ተፈለዩ። ሕጂ እውን እንተዀነ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ንሓውና ዝዀነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንንብረት ኤርትራውያን ብኣዋጅ ክምልስ ብትሕትና የዘኻኽር። ሰፊሕ ፖልቲካዊ ልፍንቲ ህልዊ መድረኽ ዝጠልቦ ሰፊሕ ልፍንቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ፖለቲካዊ ኣካላት መንእሰይን ድቀንስትዮን እዩ። ካብዚ ብምብጋስ፥ · ሰልፍና ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ኣኼባ <መድረኽ> ዝተሳተፎ፡ ሕጂ እውን ኣብ መጻኢ ኣኼባታቱ ክሳተፍን ክነጥፍን ድሉው እዩ · ሰልፍና ካብ መትከሉ <ሰፊሕ ልፍንቲ…> ተበጊሱ ምስ ምንቅስቓስ <Grassrootsብዛዕባ ኣወዳድባ ማሕበራት ዓድን <ኣኽሽን ግሩፕ> ክላዘብ ድሉው እዩ። · ብመሰረት እዚ ዝተባህለ ድማ ሰልፍና <ሰውራ ዓድን> <ግራስሩትን> ሰፊሕ ህዝባዊ ማዕበል ክብገሱ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ኣለዎ · ብተወሳኺ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ <መድረኽን> <ግራስሩትን> ክቀራርብ ይህቅን     ጉዳይ ሃገራዊ ባይቶ ሃገራዊ ባይቶ ክሰላሰል ዝኸኣለ ብሰንዓ ፎሩም ስለ ዝተገደፈ ነበረ፣ ሕጂ እውን ኣንተዀነ ሃገራዊ ባይቶ ብዘይ ደገፍ ፎሩም ልዕሊ ሓምሳ ተሳተፍቲ ክዕድም ከጸግሞ እዩ። ሓደ ካብቶም ንቐዳምይ ሃገራዊ  ባይቶ ዘወደቕዎ ምኽንያታት ዝቕበባ ኣባላት እዩ፣ ስለዚ፥ · ኣብዚ እዋን ዝጥለብ ሕቘ ሰጋር በቕሊ ዘይሰብር፡ ለባማትን ሊቃውንትን ሙክራት ተቓለስትን ፖለቲካዊ ኣካላት መንእሰይን ደቀንስትዮን ዝሳተፉሉ ምቕሉል ጉባኤ እዩ · ኣብ ጉባኤ ዝሳተፉ ወከልቲ ብውድባቶምን ሰልፍታቶምን ዝተመርጹ ይዀኑ · ኣብ ጉባኤ ዝቐርቡ ሰነዳት፡ ኣብ ክሊ ድልዱል ኤርትራዊ ሃገርነት፡ ፍታሕ ንኣርእስትታት ሃይማኖትን ቋንቋን ብሄርን ኣውራጃን ሚዛን ማእከልነትን/ኢማእከልነትን ይዀኑ · ኣገባብ ቃልሲ ንመሪሕነት ይግደፍ     ካብ ፖለቲካዊ ስደትነት ነጻ ወጺእና ኣተኩሮና ናብ ምቕያር ስርዓት ይኹን ስለዚ፥ · ኩሉ ኣተኩሮና ምስ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና በብዓድታቱ ብምስጢር ምውዳብ · ምስ ኣብ ውሽጢ ስርዓት ዝርከቡ ሕቡኣን ተቓወምቲ ብምትሕብባር ግብራዊ ስጉምቲታት ምኽጣጥ · ዕጡቓት ኣሃዱታት ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ምውዳብ     ሓደ ኤርትራዊ ድምጺ ኣብ ዓለም ካብ ተቓወምቲ ሓይልታት ሓደ ስሙር ትካል ወጻኢ ጉዳያት ምቛም እዞም ዝስዕቡ ጥቕምታት ኣልውዎ፥ · ሕጋውነት ይድልብ · ተሰማዕነት ይኽስብ · ምንጽታት ግምጃ የጥሪ     ኮሚሽ ድርድር ምቛም ካብ ብሕጂ <ኮሚሽን ድርድር> ተቓወምቲ ምትካል እዞም ዝስዕቡ ጥቕምታት ኣለዎ · ንተቓወምቲ ሕጋውነት ክድልቡ የብቅዕ · ንመንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕሕ ኣካላትን ተቓወምቲ የቀራርብ · ንኣጀንዳ ድርድር ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ባይታ የንጽፍ   ጉዳይ ፍልሰትን ንግዲ ህዋሳትን · ውሁድን ጥርኑፍን ትካል ሰብኣዊ መኸተ ንኤርትራውያን ስደተንያታት ከመቅጽበት ምቕዋም · ኤርትራውያን ተንቀሳቐስቲ ሰብኣዊ ጉዳያት ብሓባር ሽልማት <ኖቤል> ክረኽቡ ጽዑቕ ወፈራ ምክያድ   ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ፣ ስቶኮሆልም ውድቀት ንዲክታተርዊ ስርዓት! ዓወት ንደሞክራስያዊ ለውጢ! ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና! ወብሳይትና እዚ ዝስዕብ እዩ፦ www.strategyadi.org   2016-02-19

Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.