ሰውራ ዓዲ

መእተዊ እዚ ዝስዕብ ጽሑ 2006-10-23 ኣብ ኤርትራውያን ዌብሳይቲ ዝተመዝገበ እዩ። ትሕዝትኡ ክሳብ ሕጂ እዋናዊ እዩ፣ በዘይካ ጭርሖታት <ቃልሲ ብሰላማዊ ኣገባብ>ን <ቃልሲ ብኩሉ ኣገባብን>። ብድሕሪ ሕጂ ዝጽወዑ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ጉባኤታትን፡ ነዞም ክልተ ፖሊሲታት፡ ነቶም ንመርጾም መራሕቲ ኣካላት፡ ኣእዳዎም ከይኣሰርና፡ ንግደፎም። መራሕትና ከም ኣድላይነቱ፡ ነዞም ክልተ ፖሊሲታት ክትግብሩ ነጻነት እንተ ሃብናዮም እዩ ዘዋጽእ። ቀንዲ ሓይሊ ዝዀነ ቃልሲ ኣብ ዓንዲ ሕቘ መንእሰይን ደቀኣንስትዮን ስለ ዝጻዓን፡ ንመንእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ብበርጌሳዊ ኣገባብ ምውዳብ ንቓስሊ ከም ምሽጣብ እዩ ዝቚጸር። ጭርሖና <መንእሰይን ደቀንስትዮን ቀንዲ ፖለቲካዊ ሓይልና እዮም> !!! ሓዳስ ኤርትራ ዲክታተራዊ ስርዓት ንኣዕኑድን እምነኩርናዕን ሃገረ-ኤርትራ ብሓዳስ ኤርትራ ዝብል ጓና ስነ-ሓሳብ ምትካእ ካብ ዝጅምር እንሆ 15 ዓመት ኰይኑ። እዚ ፕሮጀክት እዚ ንታሪኽ ኣበውን ሰንደቃትን ያታን ባህልታትን ሃገረ-ኤርታራ ቀንጢጥካ ብሓዳስ-ኤርትራ ምትካእ ዝዓለመ እዩ። ዲክታቶራዊ ስርዓት ኤርትራ ነዚ ፈትለ-ሓሳብ ክዂሕል ከሎ ክምዚ ይብል፥ ኣብ ሓራ ዝወጹ ደጀናት ዝማዕበለን ዘይብከልን ብመንፈስ ውፉያትን መስዋእትን ዝተነድቀ ሰውራዊ ባህሊ፡ ነቲ ኣብ ክተማታት ኤርትራ ብሰንሰለታዊ መግዛእቲ ዝተራኸሰ ባህሊ ክትክኦ እዩ። በዚ ደምሳሲ ፖለቲካዊ መስመር ተጠቒሙ ንነባራት ሰራሕተንያታት መንግስቲ ፈዲሱ ብተጋደልቲ ተክአ። በርገሳዊ ህዝቢ ኤርትራ ንኣርዑት ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ዝባኑ ከም ዘይጸወረ ካብ መንግስታዊ ስራሕን ብመንግስቲ ዝውነኑ ፋብሪካታትን ተባረረ። ዲክታቶርዊ ስርዓት ንመሬት ዓድታት ቁማር ብምባል ንህላወ ዓድታት ክድምስሶ ተዋፈረ። ዓዲ መረጋገጺ ኤርትራዊ ዜግነት ከም ዘይኰነ ተሓከ። ዲክታቶራዊ ስርዓት ነቶም ብታሪኽ ዝትሃንጹ ኣውራጃታት ኤርትራ ጐዛዝዩ ፈሓቘ። ሃገረ ኤርትራ ናትና እንብላ ሃገር ከይሓዝና ንድሞክራሲ ምቅላስ ከንቱዶ ከይኰነ? መሰረት ቁጠባኻን ባይቶኻን መንነትካን ዓንዲ ህንጸት ሕብረተሰብካን ዝዀነ ዓዲ ምስ ተደምሰስ እንታይ ሃገር ኣሎካ? ደሞክራሲ ብቊጽሪ እበልጸካ እዀውን እየ እሞ ንሃገር ከም ድላየይ ክግብራ እየ ምባል ካብ ሓዳስ-ኤርትራ ኢሳያስ ብምንታይ ይፍለ? ደሞክራሲ ኣብ ልዕሊ ስትራተጊ ዓዲ እዩ ዝንደቕ እምበር ኣብ ሓዳስ-ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ሑጻ፡ ክንደቕዩ ማለት ዘበት! ኤርትራ ብዓድታት ደንካልያን ሰምሃርን ሳሕልን ባርካን ጋሽ-ሰቲትን ሰንሒትን ከበሳን ዝተነድቀት ሃገር እያ። ስትራተጊ ዓዲ ዝተማልኤ ራእይን ፕሮግራምን ስለ ዝዀነ ነዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ፍታሕ ኣቕሪቡ ኣሎ፥ ስትራተጊ ዓዲ ከም ስርዓት ምርጻ ስትራተጊ ዓዲ ከም ክልተ ኣዳራሽ ፓርላማ ስትራተጊ ዓዲ ከም መሰረት ኢማእከልነት ስትራተጊ ዓዲ ከም መሰረት ሰለስተ ጸፍሕታት ባይቶ ስትራተጊ ዓዲ ከም መዕገቲ ውሕዘት ሰበ-ዓዲ ኣብ ከተማታት ስትራተጂ ዓዲ ከም ፕሮግራም ቁጠባ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ ይመለስ! ኣብ ኤርትራ ስልጣን ካብ ኣፈሙዝ ጠበንጃ ከም ዝመንጨወን ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣብ ዋናታቱ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይተመለሰን ህጻውንቲ ከይተረፉ ዝፈልጥዎ ሓቂ እዩ። ስለ ምንታይ ደኣ እዩ ስልጣን ኣብ ዋናታቱ ዘይተመልሰ? ዘይተውደበ ህዝቢ ክቃለስ ይኽእል ድዩ?። ህዝቢ ኤርትራ ደቁ ኣብ ፈቐዶ ኲናት ክጠፍኡ ከለዉ፡ ኣብ ስደት ሃጽ ክብሉ ከለዉ፡ ካብ ንቡር ሕጸ-መርዓ ክሕረሙ ከልዉ ስቕ ምባሉ ሓሞቱ ስለ ዝፈሰሰ ድዩ? ኣይኰነን! ባይታ ቃልሲ ስለ ዝሰኣነ ድኣ እምበር። እቲ ብ2000 ዓ.ም. ኣብ ድያስፖራ ዝተወልዐ ደሞክራስያዊ ሻቡ ንዲክታቶር ምርጻ 2000 ክእውጅ ኣገደደ። እወ! ኣብ ውሽጢ ሃገር ብሰላማዊ ቃልሲ ካብ መቚሕ ክሳብ መስዋእቲ ዝተሰለፉ ውሑዳት ኣይነበሩን! ሓሳባትና ድማ ካብኣቶም ተፈልዪ ኣይፈልጥን! ሃገር ብመላኣ ማሕዩር ካብ ትኸውን ህዝቢ ከመይ ገቢሩ ንርእሱ ወዲቡ ሰላማዊ ቃልሲ ከካይድ? እቶም ኣብ ደገ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባት ሰላማዊ ቃልሲ ነካይድ ኣሎና፡ ለውጢ ካብ ውሽጢ እዩ ዝመጽእ፡ ክብሉ ከለዉ ህዝቢኸ እንታይ ይብል፥ ነዚ ደኣ ዝነግረና የድልየና ድዩ? ፈቲና ጸሊእና ንኢሰያስ ኣሜን ኢልና ምንባርዶ ከይጠፍኣና፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ለውጢ ከምጽኡዮም እትብልዎምሲ ዘይምሳና እዮም ዘለዉ ኢሉ እዩ ርእሱ ኣድኒኑ ዝነብር። እምብኣር ኣብ ደገ ኰይንካ ብሰላም ክቃለስየ ማለት፥ ኣቱም ሰዓብቲ ኩለኣንተናዊ ቃልሲ ኢደእግርኹም ኣክቡ! ዘስምዕ ከይኰውን ምሕሳብ የድሊ። እቶም ኩለንትናዊ ቃልሲ ምኣወጅና ግን ዓቕሚ ስለ ዘይብልና ቃልሲ ሰላማዊ ኣገባብ መሪጽና ዝብሉኸ እንታይ ብልሓቶም? ንሳቶም እውን ምስ ጋንታ ኣይትቃለሱ በሃልቲ እዮም ዝጽብጽቡ እምበር፡ እንድዒ እንታይ ደኣ ክንብል ኢና። ኣቱም ሰባት! ዓቕሚ ስለ ዘሎካ ኣይኮንካንኮ ንቃልሲ ኩለእንተናዊ ኣግባብ ትመርጽ፡ ዘቃልስ ህዝባውን ናውታውን ዓቕምታት ስለ ክትድልብ ደኣ እምበር። መንዩ ዓንቃፋይ፡ ዓቕሚ የብለይን በሃላይ ድዩስ፡ ብቕኑዕ ስትራተጂ ዓቕሚ ክድልብ በሃላይ? ቅድም ቅኑዕ ራእይን ስትራተግን ይሕንጸጽ፡ ካብዚ እምነትዚ ተበጊሱ ህዝቢ ስለ ክውድብን ክውደብን ሕዛሙ ሸጥ የብል፡ ካብ ውሽጡ መራሕቱ የውጽእ፡ ንቃልሲ ዝዀንዎ ዓቕምታት ድማ ይድልብ። እዚ እዩ ሕጊ ቃልሲ! ኣብ ደገ ኰይኖም ብሰላማዊ ኣገባብ ኢና ንቃለስ ዝብሉ ፖለቲካዊ ውድባት በርጌሳውያን ማሕበራት ከም ዘይኰኑ ተሓቢሩ እዩ። ከም ዝፍለጥ በርጌሳውያን ማሕበራት ከይተረፉ ኣመንቲ ኩለእንትናዊ ቃልሲ እዮም። ሓይሊ ተቓውሞ ፖለቲካ ስለ ዘይብሉ ስሙር ሰራዊት የልብሉን። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ወተሃደራዊ ጉጅለታት ገለ ውድባት ዕላማን ቅጥዕን ዘይብሎም ወተሃደራዊ ፈተናታት ከም ዘካይዱ ኣብ ኢንተርነት ዘራፍ ክብሉ ንርኢ! እዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘሎና ኣዕናዊ ሕንጻጽ፥ ”ጅግና ሰራዊትና ንክንድዚ ዝዀኑ ወተሃደራት ቀተለ ክንድዚ ዝዀውን ንብረት ኣዕንወ ፈጺሙ ጸረ-ኤርትራውን ኢደሞክራስያውን መርገጽ እዩ። ጽባሕ ንግሆ ድማ ብህዝቢ ኤርትራ ክጥየቑሉ እዮም። ኣብዚ መድረኽዚ እቲ ቅኑዕ ስትራተጂ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፥ ኣብ መንጎ ሓዳስ ኤርትራን ሃገረ-ኤርትራን ዘሎ ወሳኒ ቃልሲ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዙርያ ስትራተጊ ዓዲ ምስላፍ ኣብ ውሽጢ፡ ኣብ ስትራተጊ ዓድን ደሞክራስያዊ ምርጻ ሕጅን ዝተመርኰሰ ጥርኑፍ ዜናዊ ወፈራ ምክያድ ዕጡቓት ኣሃዱታት ፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳ (armed propaganda units) ኣብ ውሽጢ ምውፋር ኣብ ህዝብና ዝተመስረተ ግምጃ ቃልሲ ምድላብ ኣውራ ወዳቢ ዓንዲሕቘ ቅርጻ ዓዲ እዩ። ብቐዳማይ ደረጃ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ኣብ ዓዲ እምበር ኣብ ዙርያ ቀቢላን ሃይማኖትን ዝተወደበ ኣይኰነን። ኤርትራዊ ሃገረነት ኣብ ዙርያ ሃይማኖትን ቀቢላን ኣውራጃን ተሰሪዑ እንተዝነብር ቃልሲ ነጻነት ኣይምተዓወተን። መሰረት ኤርትራዊ ሃገራውነት ዓዲ ምዃኑ ዘንጊዕና ናብ ሃይማኖታውን ቀቢላውን ኣውራጃውን መደባት ፖለቲካ ምስ እንዝንብል ኣብ መወዳእትኡ ኣብ ምሽጣብ ሃገራዊ ህልውና ክም እነንቈልቊል ካብ ሕጂ ምግንዛብ የድሊ። እዚ ሓቂ እዚ መሰረት ኤርትራውነትና እዩ። ስልጣን ኣብ ዋንኡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ምእንታን ክምለስ እንታይ ይገበር? እቲ መልሲ ኣብ ኢድ ሃዝቢ ኤርትራ እዩ፡ ሀ) ኣብ ድያስፖራን ኣብ መዓስከራትን ዝርከብ ህዝብና በብዓዱ ይወደብ! ለ) ኣብ ደገ በብዓዱ ዝተወደበ ህዝብና ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና በብዓዱ ስለ ክውደብ ይዋፈር!። ጭርሖ ሰውራ ዓዲ፡ ዎ! ጅግና ህዝቢ ኤርትራ በብዓድኻ ተሰራዕ! እዩ እዚ ሰውራዊ ስጉምቲዚ ንፖለቲካዊ ስልጣንን ካብ ህግደፍ መንዚዑ ንሕጋዊ ስልጣን ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራ የእቱ ሕብረተሰብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሬት ዓድታቱ ስለ ዝተመስረተ ስምረት ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራውነቱን ይረጋገጽ እውነታዊ ቤርጌሳዊ ማሕበራት ዝምስረቱ ኤርትራውያን ብብዓዶም ምስ ዝስርዑ እዩ። ሳንዱቓት ማሕበራት ዓድታት ንመንእስያትና ክዕቁቡን ክዕንገሉን ክጣበቑን የብቅዑ ኤርትራውያን ብብዓዶም ምስ ዝስርዑ ኣብ ስትራተጊ ዓዲ ተሞርኪሶም ንጸረ-ዲክታተራዊ ቃልሲ ዝኸውን ነጻ ግምጃ ከቕውሙ ይኽእሉ ህዝቢ ኤርትራ በብዓዱ ምስ ዝስራዕ ወከልቱን መራሕቱን ከለልን ክምልምልን ይኽእል ህዝቢ ኤርትራ በብዓዱ ምስ ዝስራዕ ነቲ እውነተንያ ሃገራዊ ዋዕላ ክሰርዕ ይኽእል። ኣወዳድባ ዓዲ ሰፊሕ ወፈራ ስለ ዘድልዮ ኣብ ዝዀነ ሰሚናር ወይ ኣኼባ ምስ ንዕደም ግዜናን ድኻምናን ከይጸብጸብና ዕድመኹም ከነኽብር ቅሩባት ኢና። ስልቲ ኣወዳድባና ኣብ ኩሉ ሰሚናር ወይ ኣኼባ ’ኣክሽን ግሩፕ ወይ action group ነቚውም እዞም ጉጅለታት ድማ ንዓድታት ብጨንፈርን (branch) ምዕራፍን (chapter) መዝገብን (register) ይሰርዑ። ጨንፈር፡ እቲ ታሕተዋይን መሰረታዊ ጸፍሕን እዩ ምዕራፍ፡ እቲ ማእከላይ ጸፍሒ፡ ንጨንፈራት ብደረጃ ሃገረ-ስደት ይጥርንፍ መዝገብ፡ እቲ ዝለዓለ ጸፍሒ፡ ኣብ ዋዕላ ይምረጽ ሕግታት ኣወዳድባ ዓድታትን ኣክሽን ግሩፕን ኣብ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ይዝርጋሕ፡ ከምኡ እውን ብኢንተርነትን ራድዮን ይቃላሕ! ሰውራ ዓዲ ንዲክታቶርን ሰዓብቲ ሓዳስ ኤርትራን ብጐሮሮኦም ስለ ዝሓንቆም ብዘለዎም ክገጥሙና እዮም! ሰበ-ሃገረ-ኤርትራ ድምብርጽ ኣይበልኩም! ኣብ ስውነትና ዝተኻዕወ ስጉርፎኦታት ጎዱፍዶ መኣስ ውሒዱ። እሞ እንታይ ኰይንና፡ ብምርቓ ህዝብና ከም ብሩር ተዀላዕና ደኣ እምበር! ተለዓል ገጣማይ ዕንዱርካ ሒዝካ ዘምር! ተበራበር ደራሳይ ብርዕኻ ኣብሊሕካ ሓንጥጥ! ኣጒባዕብዕ ማሰንያ ኣበይ እዩ ዓድኻ በል! ብርለኻ ኣልዕል ኣውሎንያ ወዲ መን ደኣ ኰንካ በል! ዓወት ንሰውራ ዓዲ! ስዉኣት ንዘልኣለም ይዘከሩ! ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ (ስትራተጊ ዓዲ) 2016-01-30

Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.