ፈስቲቫል ካስል

እዚ ጽሑፍ እዚ ብዕለት 2017-08-05 ብጻይ ክፍለ ኣስገዶም (ሸቃ) ንሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ስትራተጂ ዓዲ ወኪሉ ቃል ሰልፊ ኣብ ፈስቲቫል ካስል ዘንበቦ ጽሑፍ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ። ፈስቲቫል ካስል 2017-08-04   ዝኸበርኩም ኣሳናዳእቲ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ካስል! ኣቐዲመ ብስም ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ሕውነታዊ ሰላምታ የቕርብ፣ ኣስዒበ ድማ ምሉእ ዓወት ነዚ ሰፊሕ ፈስቲቫል ይምነ። መልእኽቲ ሰልፍና ድማ ከም እዚ ስዕብ እዩ፥     ኤርትራዊ ሃገራውነት ሃገራውነት ኣብ ሃገራዊ ኣይድዮሎጊ ስለ ዝምስረት መቖምያታት ኤርትራዊ ሃገራውነትና እንታይ እዮም ዝብል ሕቶ ማእከላዊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ድሕሪ ነጻነት ደርባውን ብሄረሰባውን እምነታውን ረቛሒታት ምስ ሃገራውነት ክወዳድሩ ንርኢ፣ ስለዚ ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ማእከላይ ቦታ ሒዙ ክንዲ ዝርከብ ብእምነታውን ቀቢላውን ኣውራጃውን መለለዪታት ከይትካእ ንሰግእ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እዞም ዝተጠቕሱ ፍልዩነታት ከም ሃገራዊ ሃብቲ ክንዲ ዝዕንብቡ፡ እሞ መቖምያታት ሃገራውነትና ክንዲ ዝዀኑ፡ ኣርእስትታት ሰሓቦ-ጉተቶ ኰይኖም ይርከቡ ኣለዉ። ኣብ ክሊ ደሞክራሲ ንኹሎም ኤርትራውያን ክጥርንፍ ዝኽእል ሃገራውነት ንረቛሒታት ውህደትን ፍሉይነትን ዘዛምድ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ስምረትን ስኒትን ዝረጋገጹ። ስለዚ እምበኣር ሓደ ካብቶም ንህዝቢ ኤርትራ ገጢሞሞ ዘለዉ ጸገማት ድኻም ኤርትራዊ ሃገራውነት እዩ።   ደሞክራስያዊ ለውጥን ስምረትን ውሽጣዊ ዲክታቶራዊ ስርዓትን ግዳማውያን ውግኣትን ኣብ ኩሎም ጸፍሕታት ሕብረተሰብን መንግስታዊ ምሕደራን ዘመዝገብዎም ዕንወትን ዝገደፍዎ ስምብራትን ከበድቲ ስለ ዝዀኑ ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ማእከላይ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ኣብ ቅድሜና ኩድጭ ኢሉ ዘሎ ሕቶ፣ “መቖምያታት ኤርትራዊ ሃገራውነትና እንታይ እዮም ዝብል እዩ። ኣብ ክሊ ደሞክራሲ ንኹሎም ኤርትራውያን ክጥርንፍ ዝኽእል ሃገራውነት ንረቛሒታት ውህደትን ፍሉይነትን ከዛምድ ዝኽእል ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ዕማማት ስምረትን ስኒትን ክረጋገጹ ዝኽእሉ። ብቑንጹብ ኣዘራርባ መሰላት ብሄራትን ሃይማኖትን ብስም ሃገራዊ ስምረትን ስኒትን ክግሃሱ የልብሎምን፣ ከምኡ እውን መሰላት ሃገራዊ ስምረትን ስኒትን ብመሰላት ፍልዩነታት ክዕብለሉ የልብሎምን። ስለዚ ቀዳማይ ትርጉም ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝተመስረተ ብዝሃ-ሰልፋዊ ደሞክራሲ ክኸውን ከሎ፣ ካልኣይ ትርጉሙ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ስምረትን ስኒትን ፍልዩነታትን ዘሎ ዝምድና ምንጻር እዩ። ንውህደታውነት ዝምልከት ሃገራዊ ነጻነትን ልኡላውነትን ምእኩል መንግስትነትን ክኸውን ከሎ፣ ንፍሉይነት ዝመልከት ግን መሰላት ቀቢላታትን ኢማእከላዊ መንግስትነትን እዮም። ነዞም ክልተ ሓቅታት ዝጥርንፍ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ምህናጽ ሓላፍነት ህዝቢ ኤርትራን ውድባትን ሰልፍታትን እዩ።   ጉራጉራ ሕብረተሰብን ግደ ሓባራዊ እንካንሃባን ተደልዩ ዘሎ ስነሓስባዊ መርሃ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ክጥርንፍ ዝኽእል ቃለኪዳን ምሕንጻጽ እዩ። ኩሎም ወገናት ኤርትራ ብትምህርትን ተሞክሮን ልቦናን ዝጸገቡ ባእታት ኣለዉዎም፣ ከይዲ እንካንሃባን ኣዝዩ ዝተጠላለፈ ስለ ዝዀነ በቶም ብትምህርትን ተሞክሮን ልቦናን ዝጸገቡ ባእታታት ካብ ብሕጂ ክጽናዕን ክምራሕን እዩ ዝግባእ። ቀዳማይ ስጒምቲ ኣብ ታዕሪፍ (definition) ብሄርን ብሄርነትን ምስምማዕ ከድልየና እዩ፣ ብተመሳሳሊ ታዕሪፍ ዘርእን ዓሌትን ዝምድንኦም ምስ ብሄርነትን እውን ከድልየና እዩ። ኣብ ታዕሪፍ እዞም ዝተጥቕሱ ከይተስማማዕና ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ምስምማዕ ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ። እዚ ማእከላዊ ዕማም ንጽባሕ እዩ ዝጠቅም፣ እንተ ሎሚ ግን ዕማምና ንዲክታቶርነት ምውዳቕ እዩ። ኣብ ጥርዚ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ዛዕባታት ኣብ ግምት ይኣትዉ፥ 1. ኤርትራ ልኡላዊትን ጥርንፍትን ሃገር እያ። 2. ንገዛኢ ደርቢ ህግደፍ ነጺልካ ስምረት ህዝቢ ኤርትራ ምርግጋጽ። 3. ኣብ ውሽጢ ስምርቲ ኤርትራ ኩለእንተናዊ መሰላትን መንነትን ምኽባር። 4. ኣውራጃታት ኤርትራ ኣብ ንቡር ቦትኦም ምስ ተመልሱ መደበር ኢማእከላዊ ባዕለ- ምሕደራ ክዀኑ። 5. ፖለቲካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ቅዋማውን ደሞክራስያውን ብዝሀ-ሰልፋውን መትከላት ክምስረት። 6. ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ንጹር ዶብ ክቕመጥን ኣብ ውሽጦም ድማ ጣልቃዊ ምትእትታው ክውገድ። 7. ሃገራዊ ሃብቲ ብፍትሓዊ ኣገባብ ክዝርጋሕ፥ ንዝተመጣጠነ ምዕብልና ዝኸውን ግምጃ ብፍትሓዊ ኣገባብ ክዕደል።   ግብራዊ ንጥፈታት · ምስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ደሞክራስያውያን ኣብ ኤርትራዊ ውዕል ምእታው · ምስ ኣብ ድያስፖራ ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ ሃገራዊ ልዝብ ምክያድ · ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዓድታቱ ክውደብን ፖለቲካዊ ተቓውሞኡን ክውድብ · ምስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ተቓወምቲ ብምስጢራዊ መርበብ ምትእስሳር · ንገዛኢ ኣካል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ምንጻል · ንኤርትራውያን ካብ ፖለቲካዊ ህጻንነትን ኣምልኾ ዲክታቶርን ነጻ ከም ዝዀኑ ምግባር · ንኤርትራውያን ካብ ነጋዶ ህዋሳት ሰውነተ-ሰብ ምክልኻል · ንመሰላት ኤርትራውያን ስደንያታት ምክልኻል · ምስ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ጽኑዕ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምፍጣር · ምንጽታት ግምጃ ምንዳይ ነዞም ዝተዘርዘሩ ዕማማት ንምትግባር ፖለቲካዊ ቅርጻን መሪሕነትን ምቕዋም ግድን ይኸውን።   ሰፊሕ ፖለቲካዊ ልፍንቲ ኣብ ህልዊ መድረኽ ንተቓወምቲ ሓይልታት ክጥርንፍ ዝኽእል ቅርጻ ሰፊሕ ልፍንቲ ውድባትን ሰልፍታትን እዩ (Broad Coalition of Eritrean Political Forces)። ዝተጠቕሰ ልፍንቲ ብፈጻሚ ኣካልን ሰክረታርያን ጥራይ ይቐውም (ንምሳሌ 11 ክሳዕ 15 ፈጸምቲ፡ ከምኡ እውን 11 ክሳዕ 15 ሰክረታርያ) ይቘውም። ኣብዚ ዘሎናዮ መድረኽ ሃገራዊ ባይቶ ኣየድልን እዩ። ድሕሪ መጽናዕቲ ሓደ ሊስታ ኣብ ኣኼባ ልፍንቲ ዝሳተፉ ሰልፍታትን ውድባትን ይጻፈፍ። ብመሰረት ዝተወሰነ ኣባልነት ሰልፍታትን ውድባትን ወከልቶም ባዕሎም ምሁራትን ሙክራትን ይመርጹ። ዘሎናዮ መድረኽ ትምህርትን ዓቕምን እዩ ዝጥይቕ። ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና! ውድቀት ንዲክታተራዊ ስርዓት ኤርትራ

Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.