ናብ ክቡራት ፈጻምን ኣሰናዳእን ኣካላት ካልኣይ ሃገራዊ ባይቶ

ናብ ክቡራት ፈጻምን ኣሰናዳእን ኣካላት ካልኣይ ሃገራዊ ባይቶ 2015-08-08 ክቡራት ኣሕዋት መርገጽ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ነቲ ኣብ መንጎ ፈጻምን ኣሰናዳእን ኣካላት ካልኣይ ሃገራዊ ባይቶ ተረኺቡ ዘሎ ወጥሪ። ሰልፍና ካብ ንቡር ፖለቲካዊ መስመሩ ጥራይ ከም ዝብገስ መርገጻት ፈተውቲ ወድባት ምስ መርገጽና ምስ ዝመሳሰሉ ሓባራዊ መርገጻት ንወስድ፡ ብዝተረፈ ናትና መርገጽ ንወስድ። <ካብ ኪዳንን ካብ ኪዳን ወጻእን> ዝብል ኣጸዋውዓ ብኮሚሽን ዝተማህዘ እዩ፣ ዕላማኡ ድማ ንሰፊሕ ኣካል ተቓውሞ ናብ ጉባኤ ምስታፍ ነበረ። ጉባኤ ጅምር ምስ በለ ግን ዝተጠቕሰ ኣጸዋውዓ ክተርፍ ተወሲኑ ነበረ። ኪዳን ሓደ ስሩዕ ጽላላዊ ውድብ እዩ፡ ካብ <ከዳን ውጻኢ ዝዀኑ> ዝብል ጽላላዊ ውድብ ግን ብስሩ የልቦን። ሰለዚ ሰልፍና ምስ ዘየልቦ ውድብ ሓባራዊ መርገጽ ክወስድ ከጸግሞ እዩ። ኣሳናዳእን ፈጻሚ ኣካልን ዝበሃሉ ኣካላት ዝተዓደሎም ስራሕ ክትግብሩ ምስ ዘይክእሉ ሓላፍነቶም ንባይቶ የረክቡ። ማለት ከምቲ ኣቦ መንበር ሕጋዊ ኣካል መዝነቱ ንባይቶ ዘረከበ፥ ህልዊ ፈጻምን ኣሳንዳእን ኣካላት እውን ሓላፍነቶም ብዝቐልጠፈ ንባይቶ ከረክቡ ንምሕጸን። እንድሕሪ ፈጻምን ኣሳናዳእን ኣካላት ኣብ ምፍንጫል የድህቡ ኣለዉ (ብሕጋውን ፖለቲካውን መርኣያኡ) መሰል ምፍንጫል ባይቶ ከም ዘይብሎም ምግንዛብ የድሊ። ክምለስ ዝግብኦ ሕቶ፥ <እንታይ ኰይኑ እዩ እዚ ሃገራዊ ባይቶና ንሓሙሽተ ዐመታት ኣብ ዕግርግር እትዩ?> ምስ ምውቕ ሰላምታ ኣ/መ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ሕሩይ ተድላ ባይሩ   Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.