ገለ መዓቀኒታት ምስ ክልተ ነገራት

ገለ መዓቀኒታት ምስ ክልተ ነገራት 2015-07-30 መቕድም ብመንእሰያት ተሳናዲኡ ብመንእሰያት ዝተተገብረ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ብፍላይ ኣብ ጀኒቫ፡ ስቪሰራ፡ ዝድነቕ ነበረ። መንእሰይ ኤርትራ ግዴኡ ክጻወትን ንዘንጊ ቃልሲ ክልዕልን ክመርሕን ብቑዕ ከም ዝዀነ ድማ ኣመዝጊቡ። መራሕቲ ውድባት ቪድዮ ወይ ደረቕ ስእለታቶም ኣብ ኢንተርነት ብምዝርጋሕ ዓወት ቃልሲ መንእሰያት ንምምንጣል ክውጣውጡ ግን ረኤና። እዚ ዕዉት ፖለቲካዊ ተርእዮ ንምዕበላ ዓለመለኻዊ ዲፕሎማሲ ዘጠዓዕም ኲነት እውን ፈጢሩ ኣሎ። ነቶም የዋሃት ዜጋታት ገና ካብ ጋኔነት ስርዓት ኣስመራ ሓራ ዘይወጽኡ እውን <ኣቱም ሰባት ካንዶ ኣባጊዕ ገዛኢ ደርቢ ኰይና ተሪፍና> እውን የብሎም ኣሎ። ዮሃና መንእሰይ ኤርትራ!!! ገለ መዓቀኒታት ሀ.ህልዊ ኩነታት ህልዊ ኩነታት ክንብል ከሎና፡ ህልዊ መድረኽ ማለትና ኣይኰነን። መድረኽ ገምጋም ረቛሒታት ሓደ ፍሉይ ሕቶ ወይ ጉዳይ እዩ። ንምሳሌ ንጉዳይ ኤርትራ ብዝምልከት ኣብዚ ዘሎናዮ መድረኽ፡ ዓለመለኸውን ውሽጣዊ ጉዳያት ሀገርን ጽልዋኦም ኣብ ቃልሲ ተቓውሞ እንታይ ይመስል? ከምኡ እውን ዝምድና ተቓውሞ ኤርትራ ምስ ጐረባብቲ መንግስትታ እንታይ ይመስል? ወይ ውሽጣዊ ዝምድናታት ሓይልታት ተቓውሞ እንታይ ይመስል? ወዘተ. እንዳበልካ እዩ ዝግምገም። እንተዀነ ግን ህልዊ ኩነታት ሐይልታት ተቓውሞ ኤርትራ በዞም ኣብ ላዕሊ ዝሰራዕናዮም መዐቀኒታት ክግምገም እይክኣልን እዩ። ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ፡ ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ ብሓሸውየነትን ፈውዳን ከይተረፈ ምዕቃን ከድልየና እዩ። ለ. ሓሸውየነት ኣብ ህልዊ ኩነት፡ ሓይልታት ተቓውሞ ክንዲ ኣንጻር ስልጣን ኣስመራ ዝቃለሱ፥ ኣብ ዓውዲ ሸንኰለል ሰሚናራትን ዋዕላታትን ጉባኤታትን እዮም ዝርከቡ። ስለዚ ኸኣ እዩ ብዙሓት ለባማት ንሸንኰለል ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ ምስ ሓፍላታት (ፌስታታት) ጥሁርን (ክንሸበት) ጥምቀትን ሕጸን መርዓን፡ ዘነጻጽርዎ። ናይዚ ተርእዮ፡ ጭርሖ <ኣኼባ ማእከላዊ ሽማግለ ወይ ፈጻሚት ወይ ሕጋዊ ኣካል ወይ ድማ ጉባኤ ውድብና ብዓወት ተዛዚሙ> እዩ። ፖለቲካዊ ፈውዳ መበገሲ ፖለቲካዊ ፈውዳ ወይ ዕግርግር ስልጣን ኣስመራ ክፈርስ ቀሪቡ ስለ ዘሎ ቀዲምና ጎል ነእቱ (ሸቶ ነመዝግብ) እዩ። ሓደ ካብቶም ምኽንያታት ፖለቲካዊ ፈውዳ፡ ክንዲ ሐይሊ ተቓውሞ ከም ጋንታ ዝስራዕ፡ ፖርቴሬን ተርሲኖታት ከይተረፉ ጎል ከእትዉ ያኣይ ስለ ዝመጣጠሩ ሕግታት ጸወታ ፖለቲካ ተጣሒሶም ብኣንጻሩ ጎላት ስልጣን ኣስመራ ኣብ መርበብ ተቓውሞ ክድቕደቑ ኢና ንርኢ። ሐ. ፖለቲካ ኣናጹ ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ሓደ ንምዕባሌታት ፖልርቲካ ቀርኒ ኣፍሪቓ ዝከታተል ዜጋ ሰርብያ <ካብ ኩሉ ካብ ፖለቲካ ኣናጹ ተጥንቀቑ መሪር ዕድል ዩጎዝላቭያ ከይገጥመኩም> በለኒ። ኣናጹ ጸብሐነግሀ ኣንጻር ድሙ ካብ ክቱር ኣብ ኣኼባታትን ዋዕላታትን ጉባኤታትን ምልፍላፍ፡ ዘደንቕ ጥበብ መደረ ኣጥረዩ፣ ድሙ ካብ ቅንኣት ዝኣክል፡ እንታይ ደኣ ኰይነ እየ በጀካ <ምያው> ምምዳር ዘይክእል እና በለ የስቈርቁር ነበረ። ሓደ መዓልቲ ከም ልማዱ ተሓቢኡ መድረ ኣናጹ እንዳ ሰምዐ ከሎ“ከም መብረቕ ጉዳይ ኣናጹ በርሃሉ፣ ንሱ ድማ ኣናጹ ፎርማጆ ካብ መደረ ንላዕሊ ከም ዝፈትዉ እዩ። ድሙ ነዚ ጠባይ ኣናጹ ብምግንዛብ ነቶም መን ከማና ዝብሉ መደርቲ ብፎርማጆ እንዳ ገዝኤ ንሓሻካ ኣናጹ ፋሕብትን ብምእታው በብሓደ ንምእራዮም ጠዓሞ። ወዮ ሰርብያዊ ዜጋ ብምብትታን ዩጎዝላቭያ ሕማም ዘሕደረ <ጉዳይኩም ንኻልእ ኣይተረክቡ፡ ሰብ ድማ ብፎርማጆ ከም ዝሕበል ኣይትዘንግዑ ደኣ በለኒ>። መ. ኣበይ ዓዱ፡ ውዲ መን ድኣ ኰይኑ? ኣብ ሓደ ሃገር ስልጣን ፕረዝደንት ንሓደ ባእታ ቅድሚ ምርካቡ ክሕተት ዝግባእ ሕቶ፥ <ኣበዩ ዓዱ፡ ወዲ መን ደኣ ኰይኑ?> እዩ። ሃገርካ ንኣስማሪኒ ኣረኪባካ ሕጂ እንጐርጉሮ ኣይጠቅምን እዩ፣ ስለዚ ንኤርትራን ህዝባን ኣጋጢምዋ ዘሎ ጥፍኣት ንሕናን ዓለምን ስለ እንፈልጦ እዚ ሓጺር መግለጺ ካብ ለቕሶን ምቚዛምን ሓራ እዩ። እቲ ቀዳማይ ኣዋጅ ኲናት ብጉጅለ ኣዝማሪኒ ከም ዝተጻሕተረ ሎሚ መን ዘይፈልጥ። ወዳጄ! ገስጋሲ እየ ክትብል ንሃገርካ ስለ ዘረከብካ ንህዝብኻ ከም ኩዕሶ ካልሲ መጻወቲ ኣዝማሪኒ ወዲኻዮ። ኣይትምሃርን ደኣ ኢኻ እምበር፡ ሃይማኖተይ ቀቢላይ ኣውራጃይ ክትብል ነታ ተሪፋ ዘላ ኤርትራ ኣይተጥፍእ። በል እስኪ ውዳጄ ሃይማኖትካን ቀቢላኻን ኣውራጃኻን መንዶ ክወስድልካ እዩ? ናይ ካልኦት ክትወስድ ትሓልም ደኣ ከይትህሉ እምበር። በል ክትፈልጥ ውዳጄ እቲ ገስጋሲ ኣብይ ዓዱ፡ ውዲ መን ደኣ ኰይኑ ኢሉ ዝሓትት እዩ፣ ሻቡ ድማ ህዝብኻ ካብ ጥፍኣት ድሒኑ ምሳኻ ክግስግስ እዩ። ዕላማ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ኩሉ ኤርትራዊ ወዲ ዓዲታት ኤርትራ ስለ ክኸውን ይቃለስ። ሓደ ነገር ትኩስ ምስዳድ ብቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ንስልጣን ኣስመራ ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ቀዳማይ ቃጭል ተባሂሉ ክስመ ይኽእል። ብሸነኽ ኢትዮጵያ ዝተኣወጀ ኲናት ስለ ዝይተላዕለን፡ ብመሰረቱ ድማ ክልተ ኣዋጃት ኲናት ስለ ዘይእወጁ፡ ኣብ ዓለመለኻዊ ሕጊ እቲ ቀዳማይ ቃጭል ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ብዝምልከት፡ ስልጣን ኣስመራ ካብ ሓዊ ምጽሕታር ምስ ዘይቊጠብ፡ <ትኩስ ምስዳድ> (in hot pursuit) ተባሂሉ ዝስመ ስጒምቲ እዩ ኣብ ልዕሊኡ ከይውሰድ እዩ ክሓስብ ዝግብኦ። ትኩስ ምስዳድ ብዓለመለኻዊ ሕጊ ኣይፍቀድ ኣይውገድ፡ ግን ከኣ ዘይኩነን ናውቲ እዩ። ካብ ቃጭል ሓሊፉ እቲ ዓቢ ደወል ምስ ዝድወል ግን እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ስልጣን ኣስመራ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከይከውን መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ። ማለት ህዝቢ ኤርትራ ብስልጣን ኣስመራ ዝለ ዝተረመሰ ግን ድማ ኣንጻር ስርዓት ኣስመራ ይቃለስ ስለ ዘሎ ኣብ ልዕሊኡ ዝድራዕ ኲናት ብሞራላዊ እገታን ዓለማዊ እኩበድምር ተሞክሮን (Praxis) ቅቡል ኣይኰነን። እቲ ዝበለጸ መንገዲ ጐረባብቲ መንግስትታት ነቶም ድላይን ክእለትን ዘለዎም ተቛወምቲ ምስ ዝሕግዙ ባዕልና ንስልጣን ኣስመራ ከንውውድቖ ንኽእል ኢና። ቅድሚ ዓሰርተውሰለስተ ዓመታት መበገሲና ንሱ ነበረ፡ ሕጂ እውን ኣይተቐየረን። ኲናት ዓቢ ደወል ውጽኢቱን ዓለምለኻዊ ጠንቅታቱን ከቢድ እዩ። ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ኲናት እንተ ተወሊዑ ንህዝቢ ኤርትራ ብሱሩ ዘየጥፍእ፡ ኣብ ተጻባእቲ መደበራት ስልጣን ኣስመራ ጥራይ ዝስንዘር እዩ ክኸውን ዝኽእል ዝብል እምነት ኣለዎ። ካልኣይ ነገር ኣብ ዝሓለፉ ዓስርተው ሓሙስተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ዝተደፍኡ ስጉርፎታት ጸልመ ነቲ ከም ብሩር ዝተዀልዐ ሰልፍና ምጥቃር ኣይከኣሉን። ሰልፍና ንዋና ጸሓፍነት ምሕዝነት ብ2002 ካብ ዝተመርጸሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ዘሎናዮ ሰዓት ገለ ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ካብ ክሳዱ ምውራድ ኣብዮም ኣለዉ። ምስ እዚ ኹሉ ሰልፍና ብጽሞና ንስርዓት ኣስመራ ካብ ምርዓድ ቦዂሩ ኣይፈልጥን። ካብ 2005 ጀሚሩ ሰልፊ ጉባኤ ንእሽቶ ውድብ እዩ ብምባል ካብ ኪዳን ኣዋሲኖሞ። ሕጂ ድማ ፖለቲካ ሸንኰለን ፈውዳን ኣናጹን ኣብ ዝገርገረሉ ህልዊ ኩነት፡ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ንእሽቶ ጥራይ ዘይኰነ ብመሰረቱ የሎቦን ዝብል ዲቕ ዝበለ ሳዕስዒት ጽሉላት ተፈንዩ ኣሎ። ቃልሲ ገል ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ነቲ ኣብልዕሌና ዘባኸንዎ ጽዓት ኣብ ልዕሊ ስልጣን ኣስመራ ኣተኲሩ እንተዝነብር ምናልባት ሎሚ ኩላትና ኣብ ሃገርና ምሃሎና፡ ሃብቲ ኤርትራ ኣይምተዘረፈን፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣይምተበታተነን። ወዳጄ፡ ኣብ ሳዕስዒት ጽሉላት ኣብ መንጎ ስብራን ምስባርን ፍልልይ የልቦን። ንምዃኑ <ንእሽቶ ውድብ> ኣብ ቋንቋ ተቓውሞ መኣስ ተኣታተወ? ትርጉሙኸ እንታይ እዩ? ትርጉም <ንእሽቶ ውድብ> መኣስ ተኣታተወ? ብ2004 መንግስትታት ሰንዓ ፎሩም ድሕሪ ኣኼባኦም ንሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራን ሰውራዊ ባይቶን፡ ሽዑ ንዝተፈጥሩ ውድባት ሰልፊ ደሞክራስን ህዝባዊ ምንቅስቓስን እውን ዓዲሞም ነበሩ። መራሒ የመን ብምኽንያት ስራሕ ቀልጢፉ ይጊስ ደኣ እምበር፡ ክቡር ፕረዚደንት ሱዳንን ክቡር ነፍስሄር ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያን ነቲ ዕድመ ብኽብሪ መርሕዎ። ብምትብባዕ ላዕለዎት ተጸዋዕቲ ሃገራት ሰንዓ ፎርምን ካብ መዝነተይ (ከም ዋና ጸሓፊ ሃምኤን) ተበጊሰ ኣኼባ ስምረት ጸዋዕኩ፣ኣብ ውሽጢ ሐንቲ መዓልቲ፡ ኣብ መንጎ ዝተጥቕሱ ሓይልታት ኣብ ዕማማት ሰላም ተበጽሐ። ብ2005 ብመሪሕነት ኣቦ መንበርነተይ፡ ነዞም ዝጠቐስናዮም ወድባት ዝጥርንፍ ኤርትራዊ ዴሞራስያዊ ኪዳን ተባሂሉ ዝተሰመየ ጽላላዊ ቕርጻ ተመስረተ። ሻቡ ቀለም ስምምዕና ከይነቐጸ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ንእሽቶ ውድብ ስለ ዝዀነ ብሓደ ሰብ ይውከል ዝብል ውሳኔ ሓለፈ። እቶም ካልኦት ከክልተ መናብር ክዕደሉ ከለዉ ንሰልፍና ግን ሓደ መንበር ጥራይ ለገስሉ። በዓል ሓደ መንበር ኣብ ሕጋዊ ኣካል ኪዳን ክሳተፍ ይኽእል እዩ፡ ኣብ ፈጻሚ ኣካል ግን ክሳተፍ ኣይፍቀድሉን ብምባል ንሰልፍና ኣብ መሪሕነት ተቓውሞ ግደ ከልእዎ። ከም ዝፍለጥ፡ ድሕሪ ቁሩብ ሰልፊ ተራድኦ ኤርትራ ንእሽቶ ውድብ እዩ ብምባል ብሱሩ ካብ ኪዳን ተወገደ። እቲ ምኽንያት ባዕልኹም ተመራሚርኩም ብጽሕዎ፡ ብሕቶታት ፖሊስ ሞኽ ክንብል ኣይንመርጽን። ትርጉም <ዓበይቲ ውድባት> ምስ እዚ ኹሉ ትርጉም <ነእሽቱን ዓበይትን ውድባት> እንታይ ምዃኑ ብተጠቀምቲ ኣዞም ዝተጠቕሱ ቃላት ገለጻ ኣይተዋህበን። እስከ ብትርጉም ዓበይቲ ውድባት ንጀምር፥ ካብ ዓበይቲ ውድባት ኢና በሃልቲ ኣየኖት እዮም ስለ ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተቓለሱ? ወላ ሓደ እኳ። ኣየናይ ዓቢ እየ ዝብል ውድብ (ብሄራዊ ውድባት ዓበይቲ ውድባት ኢና ኣይበሉን) ንስልጣን ኣስመራ ብጎንጻዊ ኣገባብ ገጢመዮ ኣለኹ ዝብል? ወድጄ፡ ዑብ ገዲፍና፡ ወላ ሓደ እኳ! ዓበይቲ ውድባት በሃልቲ ኣብ ምስረታ ሰንዓ ፎሩም ግደ ተጻዊቶም ድዮም? ካብ ምሕዝነት ዝምስረት ጀሚርካ ክሳብ ሓምሻይ ስሩዕ ኣኼባ ምሕዝነት (2002) ተቓወምቲ ውድባት ካብ ሱዳን ተጠሪዞም ነበሩ፣ ካብ ኢትዮጵይ ክጥረዙ ድማ ኣብ መጽናዕቲ ዝነበረ ጉዳይ እዩ። ምስረታ ሰንዓ ፎሩም እዩ እድሒንዎም፣ኣብኡ ግን ግደ ኣይነበሮምን። ዓበይቲ ውድባት በሃልቲ ነጻ እቶት ገንዘብ ኣለዎም ድዩ? እቶም ንግዲ ዝፍትኑ ውድባት ክይትረረፉ ተጸበይቲ ሓገዝ ሰንዓ ፎሩም እዮም። እዚ ሓገዝ ምስ ዝስሓብ ድማ በቲ ኣባሃህልኦም ነኣሽቱ ውድባት ይዀኑ። ካብ ዓበይቲ ውድባት ኢና በሃልቲ ምስ መንግስታት ይኹን ትካላት ሕብረት መንግስታት ውግዓዊ ርክብ ኣሎና ዝብሉ ኣለዉ ድዮም። ክሳብ ሕጂ ንፈልጦም የልዉን። ኣበርክቶ ዓበይቲ ውድባት ኢና ብሃልቲ ኣብ ወፈራ ትግባሬ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ኣብ ሰነዳቱ ግዴኦም ኣዝዩ ውሱን ክኸውን ከሎ ኣብ ምፍራሱ ግን ዓቢ ግደ ተጻወቱ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ስልጣን ኣስመራ ዝርከብ ህዝብና ካብ ፖለቲካዊ ህጻንነትን ፖለቲካዊ ጃጃውነትን ንምግልጋል ብዓበይቲ ውድባት ኢና በሃልቲ ዝተጻሕፉ መሃርቲ መጽናዕትታት ንህዝቢ ዝተዘርግሑ ኣለዉ ድዮም? በጀካ መረረን ቑዛመን መሪሕ ሓሳባት ዝተደርሱ እንተሃለዉ ውሕዳት እዮም። ዓበይቲ ውድባት ኢና በሃልቲ ኣብ ራእይ ዝተመስረተ፡ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ሓጺር ግዜ ክበራብር ዝኽእል ቁጠባዊ ፕሮግራም ዘበርከቱ ኣለዉ ድዮም። ክሳብ ሕጂ ኣይርኤናን። ሰልፊ ተራድኦ ኤርትራ ሓጺር መላለዪ እስከ ንድሕረ ባይታ ሰልፊ ጉባኤ ተመሊስና ንርኣዮ፣ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ንፕሮግርማትን ስትራተጊ ዓወትን ተ.ሓ.ኤ ንምትግባርን፡ ንጌጋታት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምእራምን ዝተበገሰ ደሞክራስያዊ ሓይሊ እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ብ1990 ምስ ህዝባዊ ግንባር ብወግዒ ተጸንበረ። ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ዋና ጸሓፊ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንዓወት ስውራ ኤርትራ ብኸምዚ ዝስዕብ ጽምዋቕ ደምደመ፥ ነጻነት ኤርትራ ብቐዳማይ ደረጃ ብህዝቢ ኤርትራ እዩ ተዛዚሙ፣ ግደ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ድማ ወሳኒ እዩ። ክምኡ ድማ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣብ ቃልሲ ነጻነት ኣድማዒ ግደ ተጻወተ። ዓሰርተ ዓመታት ድሕሪ ነጻነት፡ ብጥሪ 2000፡ ኣብ ካርቱም፡ ኣብ ናዲ ሙሓምዪን (ክለብ ጠበቓታት)፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት፡ ወከልቲ ኤምባሲታት ዝርከብዎ፡ መማህራን ካርቱም ዩኒቨርሲቲ ዝርከብዎ ወረቐት ኣቕረብኩ። ከምኡ ብምግባር ድምጺ ተቓውሞ ብወግዒ ክስማዕ ከኣለ። ኣብቲ ሰዓት እቲ በውገንና ክልተ ጭርሖታት ቀረቡ፥ ንሳቶም ድማ 1) <ሕጂ ኲናት ጠጠው ይበል> 2) <ሕጂ ደሞክራስያዊ ምርጻ ይካየድ> ዝብሉ ነበሩ። ሕጂ ኲናት ጠጠው ይበል ኤርትራውያን ሊቃውንቲ ዓለመለኸዊ ሕጊ ኣብ ጉዳይ ኲናትን ሰላምን ኣእዳዎ ኣጣሚሮ ክርእዩ ከለዉ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ጥራይ እዩ ብዛዕባ ረቛሒታት ሰላም ኣብ መንጎ እዞም ጐረባብቲ ሃገራት ከይሰልከዮ ኣብ ትሕቲ <ዲፕሎማሲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ> ዝብል ኣርእስቲ መጽናዕትታት ዘበርከተ። ቅድሚ ሰልፍና ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣበርኪተ ዝብል ውድብ ወይ ውልቀሰብ እንተሃለወ እዱ ዊጥ የብል ክንርእዮ። ብተመሳሳሊ ሰልፍና ከይተሓለለ ንሰላማዊ ፍታሕ ወጥሪ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘበርከቶም መጽናዕታት ናይ ክብሪ ቦትኦም ሒዞም ኣለው። ሕጂ ደሞክራስያዊ ምርጻ ኣብ ነሓሰ 2000 ዓ.ም. ክልተ ጽሑፋት ኣብ ትሕቲ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስትታት ኣብ ኢንተርኔት ወጽኡ፥ 1) Programatic Declaration, 2) Programatic Declaration: Further Elaboration። እዞም ክልተ ጽሑፋት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኣስመራ መጽናዕታዊ ወቐሳ ብምቕራብ ሕጂ ደሞክራስያዊ ምርጻ ይካየድ ዝብል ጭርሖ ኣልዓሉ፣ ቁሩብ ጸኒሖም ኣብ ትግርንያ ተተርጒሞም ብመልክዕ መጽሓፍ ኣብ ወጻእን ኣብ ኣስመራን ተዘርግሑ። ነዊሕ ከይወሰደ ድማ ስርዓት ኣስመራ ምርጻ ኣወጀ። ብርሱኑ ኣብ ወርሒ ነሓስ 800 ዝዀኑ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ኣብ ስቶኮሆልም ሰፊሕ ሰሚናር ኣካየድኩ፣ ኣርእስቲ ሰሚናር ቅዋም ኢሳያስ ነበረ። እቲ ቀንዲ መልእኽቲ፡ ብቅዋም ዝካየድ ምርጻ ኣብ ዲክታቶርነት ከም ዘምርሕ ነበረ። እቲ ሰሚናር ብቪድዮ ተቐሪጹ ኣብ ወጻእን ኣስመራን ተዘርግሐ። ዝተጠቕሱ ኣስተምሆሮታት ንደሞክራስያዊ ምንቅስቓስና ወግዓዊ መልክዕ ከምዝሕዝ ገበሩ። ሻቡ መርሕቲ ህግደፍ ንኽዕንቅፉ ኣብ ስቶኮልም ኣንዳ ተመላለሱ ተቓጸጽቲ ኣኼባታት ከካይዱ ጀመሩ። በዚ ከይተዓንቀፍና ኣብ ሕዳር 2000 ዓ. ም. ዓለመለኻዊ ዋዕላ ኣካየድና። እዚ ዋዕላ ብሓገዝ Palme International Center እዩ ተተግቢሩ። ነዚ ዋዕላ ንምፍሻል ካብ ኣሰመራ ዝተላእኹ መራሕቲ ህግደፍን ተሓባበርቶምን ተቓጻጺ ሰሚናር ብምክያድ ክፍሽልዎ ፈተኑ ግን ከም እቲ ዝተሓስበ ኣይኰነሎምን። ኣብ ዓለመለኻዊ ዋዕላ ስቶኮሆልም ንሰልፊ ተራድኦ ኤርትራን ስትራተጊዓድን ኣለላሌና። ጉጀለታት ንጥፈት (Action Group) ኣወዳድባ ሰልፊ ተራድኦ ኤርትራ ኣብ ደገ ከም <ኣክሽን ግሮፕስ> እዩ ተሰሪዑ፡ ምሉእ ግደ ሰልፊ ተራድኦ ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ምስ ተመለስና እዩ ዝትግበር። ኣብ ደገ ቀንዲ ዕላምኡ ንስርዓት ኣስመራ ብደሞክርስያዊ ስርዓት ምትካእ ስለ ዝዀነ ንስትራተጊ ዓዲ ከም ናውቲ ቃልስን ትምህርትን እዩ ዝጥቀመሉ። ኣብ ሃገርና ምስ ተመልስና ከም ሓደ ምሉእ ፕሮግራም ንኤርትራ ንምብርባርን ንምህድሳን ከገልግል እዩ። ኣክሽን ግሩፕ ክንብል ከሎና ነቲ ኣብ ደገ ዝርከብ መንእሰይ ኤርትራዊ ኣብ ንጥፈታት ቃልሲ ከም ዝሳተፍ ብምግባር ሰፊሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምፍጣር ማለትና እዩ። <ንእሽቶ ውድብ> ሰልፊ ጉባኤ ንእሽቶ ድዩ ወይስ ዓቢ ውድብ ምዃኑ ክረጋግጽ ዝኽእል በቶም ንዓበይቲ ውድባት ኢና በሃልቲ ዘቕረቡ ሕቶታት ምስ ዝምልስ እዩ። ሰልፍና ኣብ ጉዳይ ሰላም ዝተጻወቶ ግደ ንምርዳእ ብዓቢ ተቓላሳይ ሃይለ ድሩዕ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝጸሓፈለይ መልሲ ንመልከት። ፎቶኮፒ ትሕዝቶ ደብዳበ ኣብ ጥብቆ (ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝሕተም) መጽሓፈይ ምውካስ ይከኣል እዩ። ንኲናት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት፡ ድሞክራስያዊ ምንቅስቓስና ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኤርትራ ሃይለ ወልደንሳኤ ሓሳባት ብምቕራብ ወሳኒ ግደ ተጻወትና። ኣብ ታሕቲ ብዓቢ ተጋዳላይ ሃይለ ድሩዕ ዝተጻሕፈለይ ደብዳበ ነቕርብ፥ Ministers Office Asmara, 15 June 2000 Fax: 0046-8-6416480 Dear Herui, I would like to thank you for your interest and concerns and the six point comments and opinions concerning the legal basis for determining the Eritrea-Ethiopian boundary you sent me on 13-06-2000. By Ethiopia’s acceptance (yesterday) to Cessation of Hostilities Agreement it seems that there could be an opportunity for pushing the peace process forward. Best regards, Yours, Signature Haile Weldensae ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ጎንጻዊ ግጥምያ ምስ ስርዓት ኣስመራ ኣካይዱ ድዩ? ብ2002 ኣብ ልዕሊ እቲ ንኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎና ልኡል ክብሪ፡ ሰልፍና ዕድመ ክቡራትን ሃያላንን ጎረባብትታና ሃገራት ኣኽቢሩ ዝኸደሉ ምኽንያት፡ ምስ ስልጣን ኣስመራ ካብ ማዕዶ ዘይኰንስ ፊት ንፊት ንምግጣም ነበረ። ብጐንጻዊ መልክዑ ስትራተጊና ፍሉይ ሓይልታት (Special Forces) ምምልማልን ንተቓወምቲ ሰራዊት ኤርትራ ምስ ዕጥቆም ክዕስከርሉ ዘኽእል መዓስከር ክፍለየልና ነበረ። እዚ ስትራተጊ እዚ ግን ቅቡል ኰይኑ ኣይተረኽበን። ከም ዝተጠቕሰ፡ ብ2002 ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን ፈተውቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንዝተገብረልና ውግዓዊ ዕድመ መሰረት ብምግባር ኢና ኣዲስ ኣበባ ኬይድና። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ በጻሕና ድማ ብወግዓዊ ኣገባብ ብኣምባስደር ሱዳን ተዓደምና። ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትይጵያ ኣምባሳደር ሱዳን ዝነበረ፡ ካብ ግዜ ቃልሲ ንፋልጥ ክቡር ሰብ ከምዚ ዝስዕብ በለኒ፥ <ስርዓት ኣስመራ ንጸጥታ ዞባና ኣስጋኢ ኰይኑ ስለ ዝረኽብናዮ ንሱዳንን ኢትዮጵያን የመንን ከም ሰለስተ ኣእጋር ዘለዎ ሰድያ ወሲድና ንስኻትኩም ኤርትራውያን ተቓወምቲ ከም ራብዓይ እግሪ ሰድያ ብምዃን ግደ ክትጻወቱ ቁርባት ዲኹም በለኒ። ኣነ ድማ <ከክንዲ ክልኦት ውድባት ኰይነ ክዛረብ ውክልና የብለይን፡ ሰልፍና ግን ቅሩብ እዩ በልኩዎ>። ብተመሳሰሊ ኣምባሳደር የመን ንዶ/ር ኣልጋነሽን ንኣይን ኣብ ኤምባሲ የመን ዓደመና፣ ንሱ እውን ምስ ኣምባሳደር ሱዳን ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ፡ ግን ብኻልእ ኣበሃህላ ርእይትኡ ምስ ገልጸልና፡ ንሕናውን ብስም ሰልፊ ተራድኦ ኤርትራ ነቲ ዝቐረበልና ሓሳብ ተቐበልና። ድሕሪ ቁርብ ድማ ሰንዓ ፎሩም ተመስረተ። ፈታውን ክቡርን ዝዀነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን፡ ብዓቢ ክሳራ፡ ናይ ሓደ ወርሒ ኣብቲ ውሩይ ሆቴል ግዮን ሆቴል ኣኼባ ኣሰናዳኣልና። ንሕና ኤርትራውያን ነቲ ብክቡራት ጐረባብትና ዝተወህበና ዕድልን ተፈላጥነትን በቒዕናዮዶ? ኣይበቓዕናዮን። ድሕሪ ድራር ዮሃና ሽዑ ምሸት ኣፍረስናዮ። ግደ ሰልፊ ተራድኦ ኤርትራ (ኣብ ታሕቲ ከም እንርእዮ) ኣብ ሽዌደንን ኣብ ብሩክሰልን ምስ ኣመሪካን ዘጥረናዮም ዝምድናታት ኤርትራውያን ተቓወቲ ኢና በሃልቲ ዘረግዎ። ወዳጄ፡ ስልፍና ካብ ኣባላቱ ብዝዋጻእ ገንዘብ እዩ ዝካየድ። ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ናይ ክርስትያን ሰልፊ ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ ናይ ክርስትያንን ኣስላምን ኩሎም ቀቢላታትን ነገዳትን ኣውራጃታትን ኤርትራ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ብሳልሕ ኣልዲን፡ ምክትል ኣቦ ምንበርነት ሰልፍና ኣብ ሱዳን ጽኑዕ ህላውነት ኣለዎ። ብሓጺር ኣዘራርባ ሰልፍና ቁንጹብ ንስልኳ ዘየመቻችእ ኤርትራዊ ሰልፊ እዩ። ብ2004 ኣብ ብሩክሰል ዶ/ር ኣልጋነሽን ኣነን ብወግዒ ተዓዲምና ነበርና። ኣብ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ልዕሊ ሰዓት መደረ ብምግባርን ንዝቀረቡልና ሕቶታት ብምላስ ንምሕዝነት ድልዱል ባይታ ኣንጺፊና ነበርና። ሰልፍና ካብ 2002 ጀሚሩ ንሃገራዊ ጉባኤ ተቓለሰ። ብ2004 ሓደ መጽናዕቲ ንህዝቢ ኤርትራ ተዘርግሐን ኣብ ከስል ኣብ ዝግበሩ ዓመታዊ ፈስቲቫላት ድማ ብተሳተፍቲ ውድባትን በርጌሳዊ ኣካላትን ቅቡል ኰነ። ኣብ 2008 ኣብ ዝተግብረ ዎርክሾፕ ሰልፍና ክልተ ጽሑፍ መጽናዕታት ብምቕራብ ንዋዕላ 2009 መበገሲ ሰነዳት ኣቕረበ። ኣብ ዋዕላ 2009 ከይተረፈ ክልተ መጽናዕትታት ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ወርክሾፓት ኣቕረበ። ኣብ ኮሚሽን 2010 ሰልፍና ንዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ክልተ መጽናዕትታት ኣቕረበ። ንህዝቢ ኤርትራዊ ዝኸውን ሰፊሕ ሰነድ ዘርግሐ። ቅድመ ሕጊ መንግስቲ ዝብል ጽሑፍ ንህዝቢ ዘርግሔ። ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ብወኪሉ ንጉባኤ ሃዋሳ ዝኹኑ ጽሑፋት፡ ካብ ሕገመንግስቲ ጀሚርካ ክስብ ካርታ ጉዕዞ ኣቕረበ። ክሳብ ዕለት ጉባኤ ዝኣቱ በጀካ ዓሰርተ ገጽ ዝዀኑ ብፕለቲካዊ ሽማግለ ብዓረብንያ ዝተጻሕፈ ካልእ ሰነድ ኣይነበረን። እቶም ኣብ ጉባኤ ዝቐረቡ ሰንዳት ብሃታሃት ካብ ጽሑፋትና ዝተዳቐሉ ሰነዳት እዮም። በሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ዝተበርከቱ ኣገደስቲ መጽናዕታት ምፍላጥ ምስ ዘድሊ፡ ኣብ ኣርሺቫት ኤርትራዊ ዌብሳይታት ምፍታሽ እኹል እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ቊጽሪ ብሰልፍና ዝተጻሕፉ መሃርቲ ጽሑፋት ምክትታል ጀመርና እሞ ኣዝዮም ብዙሓት ኰይኖም ስለ ዝረኸብናዮም ብመልክዕ መጽሓፍ ምሕታሞም ይሓይስ ኣብ ዝብለ ገምጋም በጺሕና ኣሎና። ሰልፊ ተራድኦ ኤርትራ ኣብ ስትራተጊዓዲን <ተራድኣዊ ምዕበላ>ን ዝተባህሉ ሰነዳቱ ተሞርኪሱ ንኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ስልጣን ኣስመራ ኣብ ሓጺር ግዜ ከበራብር ዕላማ ኣለዎ። ግዝያዊ ስም ስልፍና ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ይኹን እምበር ኣብ ሃገርና ምስ ተመለስና ኣብ መበቆላዊ ስሙ <ሰልፊ ተራድኦ ኤርትራ> ክምለስ እዩ። መደምደምታ ንሕቶ ሰላምን ኲናትን ብዝምልከት ዓበይቲ ውድባት በሃልቲ ግደ ከም ዘይታጻወቱ ኢና ርኢና። ብኣንጻሩ ግን ብዓቢ ተጋዳላይ ሃይለ ድሩዕ ከም ዝተመስከረ፡ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ዓቢ ግደ ከም ዝተጻወተ ርኢና። ንጥምጥም ምስ ስልጣን ኣስመራ ምስ መርመርና ድማ ግደ ዓበይቲ ውድባት በሃልቲ ስትራተጊ ኣልቦን ትኩስ ሃፋን ጥራይ ምዃኑ ርኢና። ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ግን ካብ ኪዳን ተዋሲኑ ከነሱ ካብ ቃልሱ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ንስልጣን ኣስመራ የርዕድ ከም ዘሎ ተዓዚብና። ምሕዝነትን ኪዳንን ብሓልዮት ክቡራት ዓበይቲ ጐረባብትናን ምትሕብባር ሰልፍናን ሕጋዊ ተፈላጥነት ስለ ክርከብ ዝተጻወቶ ግደ እውን ርኢና። ዓብይቲ ውድባት ኢና በሃልቲ ክልተ ዓመት ከይሓከሙ እንደገና ተጠረዙ። ኣብ ፈታዊ ሃገር ኢትዮጵያ ድማ እቲ ተጠርዩ ዝነበረ ሕጋውነት እንደገና ተቐንጠጠ። ሰልፊ ጉባኤ ብውጽኢት ኣባላቱ እዩ ዝቃለስ። ኣብ ሽወደንን ጀርመንን ካርቱምን ኣዲስ ኣበባን ኣመሪካን ድልዱል ህላዌ ኣለዎ። ርግጽ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ በላዕተንያታትን ደሞዝተንያታትን ተጸበይትን የብሉን። ጽልዉኡ ግን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ደገን ሰፊሕ እዩ። እዚ ጽልዋ ኣብ ውሽጢ ባይቶ ማዕረነት ቋንቋታት ትግርንያን ክሕለው ኣሎዎ ብምባል ስለ ተጣበቕኩን፡ ብተወሳኺ መሬት ናይ ዓዲ እምበር ናይ መንግስቲ ኣይኰነን ኢለ ዘንገይ ስለ ዝተኸልኩን ብተወሳኺ ድማ መንግስቲ ንባይቶ ከየማኸረ ብዛዕባ ዓሰብ ከይውስን ዝብል ርእይቶ ስለ ዘቕረብኩን ካብ ህዝቢ ሰፊሕ ደገፍ ነበረኒ። ኣብ ጋዜጣ እውን ገለ ጽሑፋተይ ይሕተም ስለ ዝነበረ ነቲ ህዝባዊ ደገፍ የዐዝዞ ነበረ። እዚ ጽልዋዚ ብሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ተወሪሱ ከም ዘሎ ዘይምዝንጋዕ። ኣብ ደገ ጽልዋ ሰልፍናን ኣብ ልዕሊኡ ዝተኸፍቱ ወራራት ጸለመ ተጠቒሱ ስለ ዘሎ ተወሳኺ ገለጻ ኣየድልዮን እዩ። ብእንጻሩ ዓበይቲ ኢና ዝብሉ ውድባት ካብ ሰንዓ ፎሩም ተጸብይቲ ሓገዝ እዮም፡ እዚ ሓገዝ ሎሚ መዓልቲ ምስ ዝቋረጽ ካብዞም ዓበይቲ ኢና ዝብሉ ውድባት ክንደይ ካብኣቶም ኮን ህላዌኦም ገረጋግጹ ምኸኣሉ? ካብ ሰለስተ እርባዕተ ኣይሓልፉን እዮም። ከም ዝተጠቕሰ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ተፈላጥነት ኣጥርዩ ነበረ፡ ከምኡ እውን ኣብ ብሩክሰል፡ እንተዀነ ግን ደድሕሪ ኣሰርና እንዳኸዱ ደኣ ኣፍረስዎ እምበር። ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ንምስረታ ሃገራዊ ባይቶ ካብ 2002 ጀሚሩ ክሳብ ኣኼባ ሃውሳ ዝተጻወቶ ግደ ንጹር እዩ። ንመሃርቲ ጽሑፋት ብዝምልከት ንዓበይቲ ወድባት ከምዚ ዝስዕብ ሓሳብ ነቕርበሎም፥ <እስከ ኩላትና ተቓወምቲ ውድባትን/ሰልፍታትን ዓዓሰርተ መሃርቲ ጽሑፋት ንብህዝቢ ዝቖወሙ ሽማግለታት ነቕርብ እሞ ፍርዲ ሊቃውንትና ንቀበል>። ንቑጠባዊ ራእይ ብዝምልከት ዓበይቲ ውድባት ዝዝከር ቊጠባዊ ፖሊሲ ከም ዘይብሎም ርኢና፡ ስትራድጊዓድን ፖሊሲ ተራድኣዊ ምዕብልና ሰልፍና ግን ንኤርትራ ከም ዝህድሳ ኣየማትእን እዩ። ንበርጌሳዊ ማሕበራት ከም ዝስዕብ ሃገራዊ ጻውዒት ንቕርብ፡ <በርጌሳዊ ማሕበራት እንደገና ኣብ ኣውዳድባ ኣክሽን ግሩፓት ተመሊሶም ኣብ መንእሰይ ዝተመርኰሰ ብስትራተጊዓድን ፖሊሲ ተራድኣዊ ቁጠባን ዝማዕረገ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብምብጋስ ንህዝብና ካብ ጥፍእት ነድሕን> !!! ውድቀት ንስልጣን ኣስመራ! ዓወት ንህቡባት ዝዀኑሓይሊ ተቛውሞ! ዓወት ንምንቅስቓሳት ኣክሽን ግሩፓት! ሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣቦ መንበር ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ስቶክሆልም   Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.